2018-07-03 17:11:00

መክሲኮ፥ መግለጺ ብፁዓን ጳጳሳት ድሕሪ ምርጫ ርእሰ ብሔር ሃገሮም


ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ መክሲኮ ኣብ ሃገሮም ብዓመጽ ኣስታት 10 ዝግመቱ ንሞት ዝዳረገ ኩነት ሓሊፉ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስርዓት ዝሓለወን ዝተረጋገኤን ኔሩ ብዝብል ሓሳብ ዝጠቓለል መልእኽቲ ድህረ ምርጫ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ናይ ምርጫ መደብ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔርን ህዝባዊ ባይቶን ሓደስቲ ኣመሓደርትን ብዙሓት ናይ ዝተፈላለያ ከተማታት ከንቲባታትን ንምሕራይ ዝተኻየደ ክኸውን እንከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ኣመልኪቶም ናይ መክሲኮ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ናይ ጓዳላኻራ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኾሰ ፍራንሲስኮ ሮብለስ ኦርተጋን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኣልፎንሶ ገራርዶ ሚራንዳ ጓርዲዮላን ክታም ዝተነበሮ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ድህረ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ እቲ ሕዝባዊ ምርጫ ብሰላም ምክያዱን ከምኡ እውን መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ዜጋታትን ዘርአይዎ ምትሕብባር ኣመስጊኖም፡ “ብሓባር ምዕያይ የዓውት” ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ሓድሽ ርእሰ ብሔር ናይ ኵሉ ምዕባለ ዝድግፍ ብሉጽ ኩነት ዝፈጥሩ ንኽዀኑ ብፁዓን ጳጳሳት ሓደራ ይብሉ

ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ከምዝሕብሮ፥ ብፁዓን ጳጳሳት ድሕረ ሕዝባዊ ምርጫ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ብቐጥታ ይብጻሕ ነቶም 50 ሚእታዊ ኣብላጺ ድምጺ ረኺቦም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ንኽዀኑ ዝተሓርዩ ኣንድረስ ማኑኤል ሎፐዝ ኦብራዶር ዝብል ምዃኑ ካብ ትሕዝቶኡ ንምርዳእ ዝከኣል ክኸውን እንከሎ፥ “ሰላምታና ንቕርበልኩም፡ እንቛዕ ሓጐሰኩም እናበልና ኣኽብሮትናን ቅርበትናን ንገልጸልኩም” ቢሎም፥ “ኩላትና ምስቲ ዝተሓርየ መንግስትን ላዕለዎት ኣካላትን ብእወታዊ ኣገባብ ንተሓባበር፡ በዚ ዓይነት ምትሕብባር’ዚ ከኣ ንዅሉ ዘማዕብል ብሉጽ ሰብኣውነት ዘማእከለ ኩነት ኣብ መላእ መክሲኮ ንምፍጣር ንኽእል” ከምዝበሉን፡ “ማንም መንግስቲ ንበይኑ ምሉእ ሓሳብን ምሉእ መፍትሕን ምቕራብ ዘይከኣሎ እዩ፡ ስለዚህ ከም ዜጋ መጠን ኩሉ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምኽባርን ናይ ሓባር ጥቕምን ሃብትን ብምክንኻን እጃሙ ከበርክት ሓላፍነት ኣለዎ” ይብሉ።

ካቶሊካውያን ምእመናን ብናይ ሕይወትን ናይ ሰላምን ምትሕብባርን ወንጌል ኣቢሎም ማሕበራዊ ሕይወት ይዀልዑ

“ሕንጸትን፡ ድኽነት ምውጋእን፡ ሓቅን ነጻነትን ብዙህነትን ምኽባርን ድልያ ናይ ሓባር ኣምርን፡ ኢማዕርነትን ኢጐነትን ዓመጽ ንምስናፍ የብቅዕ፡ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታይ መክሲኮ ዝርአይ ኩሉ ጐነጽ፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሕይወት ዝሓቀነ ፈተነ ኵሉ ንዅንን” ዝበለ ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት መክሲኮ ኣስዒቡ፥ “ኵሎም ኣመንቲ ንምምስጋንን እቲ ዘሎ በርገሳውን ፖለቲካውን ኩነት ክጸንዕን ቀጻሊ ክኸውን ኣብ ዝምህለል ጸሎት ይሕበሩ፡ ብፍላይ ካቶሊካውያን ብናይ ሕይወትን ሰላምን ምትሕብባርን ወንጌልን ከምኡ እውን ንማሕበራዊ ሕይወት ብዘወፍዮን ብዝልግሶንማሕበራዊ ሕይወት ክዅልዕ መታን ጻዕርታቱ ከበርትዑን፡ ናይ ቅድስተ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሓለዋ ክይፍለየና፡ ዝተዓረቐትን ናይ ድኻታትን ዝተነጸሉን ገና ናይ ዘይተወልዱን መሰልን ክብርን ናይ ኣባይቲ ስድራ ረብሓን፡ እውነተይና ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ዝፈድይ ቅኑዕ ሕውነትን ዝንበራ መክሲኮ ክንሓንጽ ትደግፈና” ብዝብል ጸሎት ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ከምዝዛዘመ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.