2018-06-28 20:13:00

ንክርስቶስ ንምግልጋል እግሪ ካልኦት ብትሕትና ብትሕትና ንሕጸብ! ር.ሊ.ጳ


 ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ምሸት ኣብ ጸሎተ ዋዜማ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ን14 ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ዝሾሙሉ ‘ኣብታ ናብ ኢየሩሳሌም እተውጽእ  መንገዲ ከለው ከኣ ኢየሱስ ቀቅድሜኦም ይሕኸይድ ነበረ’ ማር 10.32) ንዝብል ቃል ወንጌል ብምጥቃስ ነዚ ዚስዕብ ስብከት ኣቅሪቦም፣

እዚ ምሳልያዊ ዝኾነ ክፍሊ ወንጌል ማርቆስ ዝሕብረና ጐይታ ከመይ ገቢሩ ንህዝቡ መወዳድርቲ ኣልቦ ኲስኰሳ ገሩ ይሓልየሎም ከምዝነበረ ክንርዳእ ይሕግዘና፣ ንኢየሩሳሌም ክድይብ ከሎ ኢየሱስ ነቶም ናቱ ቀቀዲሙ ክመርሖም ድሕር ኣይበለን፣ ኢየሩሳሌም ክበሃል ከሎ ናይታ ዝበጽሐት ሰዓቱን ዓበይቲ ውሳኔታትን ተመልክት፣ ኩልና ከም እንፈልጦ ኣገደስትን ወሰንትን ግዝያት ሂወትና ናይ ልብኻ ንክትዛረብ ትደፋፋኣሉን ዘሎ ወጥርን ሕሳባትን ፍሉጥ እዩ፣ እዚ ኩነታት ህይወት ብዙሕ ግዜ ንጹር ዘይኮነ ካብ ልቢ ዝነቅል ሕቶታን ድልየታትን የውሕዙ፣ እዚ ክፍሊ ወንጌል እውን ገርሀይና ብዝኾነ ሓቅነት ነዚ ይገልጽ፣ ጐይታ ነቲ ክቅበሎ ዘሎዎ ስቃይ ንሳልሳይ ግዜ ይነግሮም ማዕረ እዚ ግን እቲ ወንጌላዊ ኣብ ልቢ ሓዋርያት ዝመላለስ ንዝነበረ ምሥጢራት እውን ክሓብእ ኣይደልየን! ቀዳማይ ቦታ ምድላይ ቅንኢ ሕስድና ምትንዃል ወዘተ፣ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ርክብ ምሕርፋፍ ጥራይ ዘይኮነ ዕጽዋት ከምዝኾኑን ኣብ ዘይጠቅምን ዋጋ ዘይብሉን ክትዕ ከኣ የእትዎም። ኢየሱስ ግን ኣብዚ ጠጠው ኣይብልን ንቅድሚት ይግስግስ ይመርሖም ድምጹ ኣትርር ኣቢሉ ከኣ ‘ኣብ መንጎኹም ከምዚ ክኸውን የብሉን። ካባኹም ዓቢ ክኸውን ዝደሊ ኣገልጋሊኹም ይኹን’ (ማር 10.43) ይብሎም። በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ኣመለኻኽታን ልብን ሓዋርያቱ ኣብ ዘይጠቅም ሓጠው ቀጠው ምሙጓት ከርሕቁ ይሓቶም፣ ዓለም ምሉእ ረቢሕካ ብውሽጥኻ ዝመሽመሽካ እንተኾንካ እንታይ ይጠቅም! ዓለም ምሉእ ረቢሕካ ኩሉኹም ነንሕድሕድኩም እናተባላዕኩም ንልብን ተልእኮን ምስ ኣመከንካ እንታይ ረብሓ ኣለዎ! ኣብዚ ከምዚ ገሊኦም ከምዝብልዎ ኣብ ኩርያታት ቤተክርስትያን ዝረኤ ጸገማት ክረኤ ይከኣል፣ ጐይታ ግን ‘ኣብ ማእከልኩም ከምዚ ክኸውን የብሉን’ እንክብል ኣብ ልቢ ሓዋርያቱ እዚ ከንቱነትን መንፈስ ዓለማውነትን ኣትዩ ከየበላሽዏም ኣብቲ ቀንዲ ዝኾነ ከተኩሩ ይምህሮም፣ ሎሚውን ንማሕበርና ‘ኣብ መንጎኹም ከምዚ ክኸውን የብሉን’ እንክብል ኣብ ገዛእ ርእሳ ጥራይ ተሓጺራ ከይትተርፍ ሓይላን ልባን ኣመለኽታኣን ናብ ተልእኮ ክትገብር ይምዕድ ኣሎ፣

በዚ ከምዚኸስ ኢየሱስ ለውጢ ምቅያር ልቢ ምሕዳስ ቤተክርስትያን ወትሩ ብዓይኒ ተልእኮ ስብከተወንጌል ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይምህረና፣ ምኽንያቱ እዚ ኣተሓሳስባ እዚ ናይ ገዛእ ርእስኻ ጥቅሚ ካብ ምድላይ ኣውጺኢ ናይ ኣቦ ተልእኮ ክትርእን ክትገብርን የኽእለካ።   ካብ ሓጢኣትና ክንምለስ ከሎና ንዓይ ይጥዓብኒ ዝብል መንፈስ ዕላማና ክኸውን ኣይክእልን እኳ ደኣ በንጻሩ ነቲ ተልእኮ ሃንጐፋይ ኢልካ ንክትቅበል ብተኣማንነትን ቅሩብነትን ከምትዓቢ ይገብረካ፣ እዚ ከኣ ኣብታ ናይ ሓቂ ሰዓት ብፍላይ ኣብ ኣጸጋሚ ግዜ ንኩሎም ክንቅበልን ክነሰንን ስንድዋት ንኸውን እምበር ነጸግቲ ክንከውን ዝገደደ ከኣ መን ይዓቢ መን እዩ ቀንዲ ኢልና ካብ ምክታዕ ንድሕን፣ ንተልእኮ ስብከተወንጌል ክንርስእ ምስ እንጅምር ጸገም ኣሕዋትና ንከይንሳተፍ ክንሕባእ ምስ እንጅምር ሕይወትና ናይ ገዛእ ርእሳ ጥቅምን ውሕስነትን ክትደሊ ኣብ ገዛእ ርእሳ ትዕጾ። ብዚ ከኣ ምዕዝምዛምን ዘይሕጉስ ምዃንን ኩሉ ዘይምእማኣካን ክኸውን ይጅመር፣ ቀስ ብቀስ ንካልኦት ዝኸውን ቦታን ግዜን ይጐድል፣ ንቤተክርስትያን ንድኻታት ንድምጺ ጐይታ ምስማዕ ይጐድል፣ በዚ ከምዚ ሓጎስ ይገፍእ ልቢ ከኣ ደረቅ ይኸውን፣

ኢየሱስ ሎሚውን ‘ኣብ መንጎኹም ግን ከምኡ ክከውን የብሉን’ ‘ቀዳማይ ክኸውን ዝደሊ ባርያ ናይ ኩሉ ይኹን’ (ማር10፣43.44)ይብለና ኣሎ፣ እዚ ትምህርቲ ብፅዕናን ጸሎት እግዝእትነ ማርያምን ኮይኑ ዕለት ዕለት ክንደግሞ ዘሎና እዩ፣ እዚ ጐይታ ዘቅርበልና ዕድመ እዚ ኣብ ቤተክርስትያን ሥልጣን ዚዓብየሉ ናይ ብጻይና ክብሪ ክነዕብን ቁስልታቱ ክንዝንን ተስፋኡ ክነሕውን እንተኽኢልና ጥራይ ምዃኑ የዘኻኽረና፣ ወትሩ ክንዝክሮ ዘሎና ‘ንድኻታት ከበሥር ንእሱራት ፍትሓት ክእውጅ ንዕውራን ኣዒንቶም ከብርሃሎም ንጭቁናት ሓራ ምውጻእ ክሰብኽ’ (ሉቃ 4.18-19) ዝተጻዋዕና ኢና፣

ዝኸበር ካርዲናላትን ሓደስቲ ካርዲናላትን ንኢየሩሳሌም ገጽና ኣብ እንድይበሉ ግዜ ጐይታ ወትሩ ቀቅድሜና ይኸይድን ሓቀኛ ሥልጣን ንጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኢልካ ኣብ እግሪ ካልኦት ወዲቅካ ካብ ምግልጋል ከምዝውለድ የዘኻኽረና፣ እቲ ክርስዖ ዘይብልና ቀንዲ ነገር ከኣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዕጸ መስቀል ርእሱ ቅድሚ ምድናኑ ኣብ ቅድሚ ሓዋርያቱ ተንበርኪኹ ርእሱ ኣድኒኑ ኣእጋሮም ንምሕጻብ ዘይምፍራሁ እዩ፣ እታ ዝለዓለት ክብሪ ክንረኽባ እንኽእል እዚ እያ፣ ንኢየሱስ ኣብ ምእመናን እግዚብሔር ምግልጋል ንዝጠመዩ ንዝተረስዑ ንዝተኣስሩ ወዘተ ክነገግልግል ኣሎና። ከምዚ ብምግባር ጥራይ እዩ ሥልጣን ናይ ሓደ ጓሳ ቀመም ወንጌል ዝህልዎ፣ ‘ከም ዘድምጽ ኣስራዝን ጫሕጫሕ ዝብል ሓጺንን’ (1ቆሮ 13.1 እውን ኣይከውንን። ማንም ካባና ልዕልና ክስምዖ የብሉን፣ ማንም ካባና ንካልኦት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ክጥምት የብሉን፣ ከምዚ ክንገብሮ እንኽእል ንዝወደቀ ሓውና ክነልዕል ከሎና ጥራይ ይኹን፣

ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 መንፈሳዊ ለበዋ ናይ መጨረሻ ክፍሊ ምሳኹም ኮይነ ክዝክሮ እደሊ። ከምዚ ይብል ‘ድኻ ተወሊድ ኮይኑ ካብ ዝኸበሩን ትሑታትን ሰባት ድኻ ኮይኑ ክመውት ከኣ ፍሉይ ሓጐስ ይህበኒ፣ ነዛ ገርሀይናን ደሓንን ዝኾነት ሕይወተይ ዓቅመይ ብዝፈቀዶ ከይበቀቅኩ ንኣገልግሎት ድኻታትን ንዝቀለበትኒ ቅድስት ቤተክርስትያንን ኣብ ኩሉ ዓመታት ክህነተይን ጵጵስናይን ኣወፍየ፣  ናይ ምቾት ናብራ የብለጭልጭ ኮይኑ ወትሩ ኣብ ውሽጡ ዝተሓብኡ ዘሳቅዩ ናይ ድኽነት ኣእሻዂ ከምቲዝተቀብልኵዎ ብዙሕ ከይህብ ዓጊቶምኒ፣  ኣምላኽ ስለ እዛ ጸጋ ድኽነት አመስግኖ፣ ኣብ ንኡስ ዕድመይ መብጽዓ ገረ መንፈሳዊ ድኽነት ከም ካህን ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ከኣ ሓቀኛ ድኽነት ምንም ነገር ከይዓጹ ማለት ቦታስ ይኹን ገንዘብስ ይኹን ዕርክነት ንዓይስ ይኹን ንስድራይ ወይ ነዕሩኽተይ ምንም ከይገብር ሓጊዙኒ። (29 ሰነ 1954)

 








All the contents on this site are copyrighted ©.