2018-06-27 16:55:00

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር


ዕለት 26 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅድሚ ፍርቂ መዓቲ ክሌኣዊ ርክብ ቅዱስ ኣቦናን ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኣብ ሃገረ ቫቲካን፡ ዛዕባ ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ከባቢ ኣየርን ምርጋፍ ኣጽዋር ኣብ ዝብሉ ርእሳነ ጉዳያት ሰፊሕ ምይይጥ ዘካየደ ምንባሩን ድሕሪ ቀትሪ ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብ ናይ ሮማ ጳጳስ መንበር ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ተረኺቦም ነቲ ካብ ናይ ፈረሳ ንጉስ እናተወራረሰ ዝመጸ ንዝሕረይ ናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ብሰበኻ መንበር ር.ሊ.ጳ. ዝወሃብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሕገ ቀኖናዊ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ላተራነንሰ ጉባኤ ክቡርነትኩም ዝብል መጸውዕ ስም ተቐቢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ሰነ 2018 ዓ.ም. ብኽብርቲ በዓልቲ ቤቶም ብርጊተ ተሰንዮም ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ኤማኑኤል ማክሮን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ዳጃ ኣኵይሊኖ ሓቢረን፡ ኣቲ ክሌኣዊ ርክብ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ናይ ከባቢ ኣየርን ስደተይናታትን ከምኡ እውን ኣብ ዓለም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ግርጭት መፍትሒ ክረክብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ቅድስቲ መንበርን ፈረንሳን ናይ ሓባር መርገጽን ኣብ ዝብሉ ኣርእስተ ጉዳይ ሰፊሕ ምይይጥ ከምዘካየዱ ኣሊጠን።

ብክብርቲ በዓልቲ በቶም ብሪጊተን ብኻልኦት ናይ መግስቶም ዓበይቲ ሰበ ስልጣናት ዝተሰነዩ ናይ ፈርንሳ ርእሰ ብሒር ኤማኑኤል ማክሮን ካብ ቅዱስ ኣቦና ምስ ተሰናበቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ፓውል ሪቻርድ ገላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥

ማእከላይ ምብራቕ ኣፍሪቃን ውጥን ኤሮጳን

ኣብቲ ከሌኣዊ ርክብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዝረአዩ ግጭትን ውጥረትን ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኣፍሪቃን ዘሎ ውጥረት ዘማእከለ ሰፊሕ ምይይጥ ከምእተኻየደን ብዛዕባ ኤውሮጳ ዝምልከት ጉዳይ እውን ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ፈረንሳን ዘሎ ብፍላይ ኣስተዋጽኦ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኩለን ኣብ ፈረንሳ ዝርከባ ሃይማኖታት ነገልግሎት ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምንቕቓሕ እተበርክቶ ሕንጸት ኣፍልጦ ዝሃበ ክሌኣዊ ርክብ መሰረት ገይሮም ከምዝመኸሩን የፍልጣ።

ልውውጥ ገጸ በረከት

እቲ ሓደ ሰዓት ዝወሰደ ክሌኣዊ ምይይጥ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ማክሮን ምስ ኣብቅዔ ቅዱስ ኣቦና ብርእሰ ብሔር ንዝተመርሑ ናይ ፈርንሳ ልኡካን ሰላምታ ኣቕሪቦምን ናይ ገጸ በረከት ምልውዋጥ ስነ ስርዓት ብምክያድ ከምእተፈጸመ ኣኵይሊኖ ገሊጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ካብ ማእከላይ ክፍለ ዘመን ብትኽክል ኣብ 1300 ዓ.ም.  ዝጀመረ ናይ ፈረንሳን ነገስት ምስ ናይ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ምትእስሳርን ዝምስክር ብናይ ጉባኤ ላተራነንሰ ሕጋዊ ቅዱስ መጽሓፋዊ ኽብሪ ዝፍለጥ እናተወራረሰ ንናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ዝወሃብ ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ንኽርከቡ ርእሰ ብሔር ማክሮን ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ናይ ሰበኻ ሮማ ካቴድራል ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ብምኻድ ካብ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስ ከምእተቐበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና በነደታ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ነቲ ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ንርእሰ ብሔር ማክሮን እንክህቡ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ እዚ ንተኸተልቲ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ዝወሃብ ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ሃገረ ፈረንሳ ምስ ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ምትእስሳር ዝምስክር ዓቢይ ተወራራሲ ባህሊ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ እዚ መጸውዕ ስም’ዚ ፈረንሳ ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ለኻዊ መዳይን ከምኡ እውን ኣብ ምድረ ኤውሮጳ ሰላምን ፍትሕን ምርግጋእን ክህሉን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለምን ኤውሮጳን ዝረአይ ዘሎ ማሕበራዊ ጸገም መፍትሒ ንኽርከበሉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ኣበርክቶኣ ኣመክንዮ ዝጠቓለል ምዃኑ ከምዘብርሁ ካፐሊ ኣፍሊጠን።

ዕለት 25 ሕዳር 2014 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ናይ ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ናይ እዋንና ሕማምን ኣዚዩ ዝሰፍሕ ዘሎን ደሴታውነት (ተነጽሎነት) እዩ እንክብሉ ገሊጾም ኣረጋውያንን መንእሰያትን ድኻታትን ነቶም ብሩህ መጻኢ ከናድዩ ናብ ኤውሮጳ ዝስደዱ ኣሕዋትና ኣሓትናን ምክንኻን ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዘስመርሉ ሓሳብ ብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ተወኪሶም፡ ፈረንሳ ኣብዚ መዳይ ንእተበርክቶ ዓቢይ ፖለቲካውን ሰብኣውን ደገፍ ዘነቓቕሕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠና ካፐሊ ኣስዒበን፥ ርእሰ ብሔር ማክሮን ብተራኦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥

እቲ ናይ ክብሪ መጸውዕ ምእንቲ ሰላምን ናይ ሓባር ጥቕምን

እቲ ናይ ክብሪ ቅቡልን ሕጋውን ቅዱስ መጽሓፋዊ ጉባኤ ላተራነንሰ መጸውዕ ስም ክቕበሉ ፍቓደይና ምዃኖም ምስ ቅድስቲ መንበር ብሓባር ኣብ ሕንጸት ሰላምን ምርግጋጽ ናይ ሓባር ጥቕምን ኣገልግሎት ንምሉእ ምትሕብባ ብዝብል ፍቓድ ተለዓዒሎም ምዃኖም ኣብሪሆም፡ ኣብ መንጐ ፈረንሳን ቅድስቲ መንበርን ዘሎ ምሕዝነት ዓሚዩቕን ታሪኻውን እውን ምዃኑ ዝምክስር መጸውዕ ስም እዩ ቢሎም፡ ኣብ ቅዱስ ዮሓንስ ላተራነንሰ ምርኻብ ናይ ረፓብሊካዊት ፈረንሳ ርእሰ ብሔር፡ ናይ ፈረንሳ ሰናይ ፍቓድን ጽኑዕ ምሕዝነትን ምስ ቅድስቲ መንበርን፡ ትእምርቲ ክሌኣዊ ምክብባርን ምርድዳእን ምትእምማንን እዩ ቢሎም፡ ንሕንጸ ሰላምን ንምርግጋጽ ናይ ሓባር ጥቕምን ምስ ቅድስቲ መንበር ብሓባር ክዓዩ ምዃኖም ከምዘረጋገጹ ገሊጸን፡

ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ሰነድ ፍርርምን ገደ በረከት

ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ድሕሪ ዘስምዕዎ ዘረባ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ውሽጢ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮሎና ብብፁዕ ኣቡነ ደ ዶናቲስ ተሰንዮም ኣብቲ ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ሰነድ ክታሞም ኣንቢሮም ምስ ኣብቑዕ ናይ ላተራነንሰ መስቀል ቅዳሕን ተረኪቦም፡ ናይ ታሪኽ ማህደር ከምዝሕብሮ ናይቲ ናይ ክብሪ መጸውዕ ስም ንፈለማ ጊዜ ዝተረከቡ ናይ ንጉስ ኤንሪኰ ራብዓይ ብነሓስ ዝተቐርጸ ንእሽተይ ሓወልቲ ከምዝበጽሑ ገሊጸን።








All the contents on this site are copyrighted ©.