2018-06-26 17:08:00

ቅዱስ ኣቦና፥ ብዛዕባ ቺለን ጸኣት ስደተይናታትን ምዝባዕ ተፈጥሮ ኣየርን ዘተ ምስ ቻይናን


ጸኣት ስደተይናታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻእን ሕዳሴ ቫቲካንን፡ ብተወሳኺ እውን ብዛዕባ እቲ ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን፡ ምስ ቻይና ኣብ ምሿም ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝምልከት ርእሰ ጉዳይ ዝተበጽሔ ስምምዕን፡ ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሰፊሕ መልሲ ዝሃብሉ ምስ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ሮይተርስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ልኡኽ ጋዜጠይና ዕለት 24 ሰነ 2018 ዓ.ም.  ዘካየድዎ ቃለ ምሕትት ዕለት 25 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብቲ ናይቲ ናይ ዜና ኣገልግሎት ወግዓዊ ድረ ገጽ ንንባብ በቒዑ።

ቅዱስ ኣቦና ምስ ሮይተርስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጋዜጠይና ፊሊፕ ፑለላ ኣብ ዘካየድዎ ነዊሕን ሰፊሕን ቃለ መሕትት፡ ነቲ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ቻይናን ዝረኣይ ዘሎ ምቅርራባትን፡ ሕዝቢ ቻይና በዓል ዓብይ ጥበብን ሃብታም ብባህልን ዓቃልን ጨዋነት ዝተዓደለ እዩ፡ እዚ ዅሉ ነቲ ኣብ መንጐ ቅዱስቲ መንበርን ቻይናን ንዘሎ ምቅርራብ እወታዊ ድጋፍ ምዃኑ ይገልጹ።

ዘተ ምስ ቻይና

ምስ ቻይና ዘሎ ርክብ ሰናይ እዩ፡ እዚ ርክብ’ዚ ኸኣ ብሰለስተ መገድታት ዝካየድ ከይኑ፡ እቲ ቐዳማይ ብወግዓዊ ስነ ርክባዊ መገዲ ኣቢሉ፡ ብናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቻይና መንግስቲ ልኡካን ርክብ መሰረት ዝካየድ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ኩሉን ምስ ኩሉን ዝብል መገዲ ዝስዕብ፡ ክፍቱታት መትረብ ብምንዳይ ብፍላይ ምስ ደጋውን ወሰናስን ክፍሊ ከተማታትን ህልውናን ሰብኣዊ ርክብ ንዝብል መገዲ ስኽተል እዩ፡ እቲ ሳልሳይ ከኣ ባህላዊ መገዲ ዝኽተል ክኸውን እንከሎ፡ ብዙሓት ካህናት ኣብ ናይ ቻይና መናብርተ ጥበብ ዝዓዩን ዝምህሩን ኣለዉ፡ እዚ ርክብ እዚ እቲ ናይ ነዊሕ ዘመን ንኣብነት ካብ ኣባ ማተዮ ሪቺ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ስነ ቻይና ሊቃውንቲ ዘበገስዎ ባህላዊ ርክብ ዘንጸባርቕ እዩ፡ እቲ ኹሉ እንስዕቦ መገዲ ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሓበሩ ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፡ እቲ ስነ ባህላዊ መሰረት ዝገበረ ርክብ ሓለፋ ዘለዎ ምዃኑን ንሶም እውን እዚ መገዲ’ዚ ብፍሉይ ከምዝመርጹ ኣመልኪቶም፡ ዘተ ስግኣት እዩ፡ ስለዚህ ካብ ዝተረጋገጸ ዓወት ብቱኽ ርክብን ዘተን ምስ ኩሉ ስግኣቱ ዘተ እመርጽ ኢሎም።

ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ብዛዕባ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝምልከት ሕቶ እንክምልሱ፡ ብርግጽ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ኣብ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ቅዱሳት ማሕበራትን ውሽጢ ኣብ ዓቢይ ሓላፍነት ተዋሳእቲ ክዀና ከምዝኽእላ ጥራሕ ዝይኰነስ ክኸውን ዘለዉ ጉዳይ እዩ፡ ንኣብነት ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምኽትል ሓላፊ ጓለንስተይቲ እያ፡ ንኣኤም ኣብዚ ሓላፍነት ንክሾሙ ዘጋጠሞም መሰናኽላት ብዙሕ ምንባሩ እውን ኣብሪሆም። ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ሓልዮ መራኸቢ ብዙሓን ከም ዋና ጸሓፊት ክሕረያ እንብለን እውን ኣለዋ፡ ብርግጽ ኣብ ዝለዓለ ናይ ሓላፍነት ቦታ ደቀንስትዮ ምሻም ኣብ ቅድስቲ መንበር ብዙሕ ድንጉይ ተግባር ኰይኑ ከምዝጸንሔ የረጋግጹ።

ኣስተዋጽኦ ደቀንስትዮ ከም ገዳማውያንን ውፉያንን ወይ ከም ዓለማውያን ምእመናን እውን መሰረታዊ እዩ፡ ደቀንስትዮ ዘለወን ናይ ምስትውዓልን ናይ ምግንዛብን ብቕዓትን፡ ብዛዕባ ሕይወት ዘለወን ራእይን፡ ሽግራት ናይ ምፍታሕ ብቕዓተን ኩሉ፥ ውጥረትን ግጭትን ናይ ምፍታሕ በቕዓታ ብሉጽ እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ደቀንስትዮ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳትን ቅዱሳት ማሕበራትን ኣብ ዓቢይ ሓላፍነት ምምዳብ ኣገዳሲ እዩ … ።

ቤተ ክርስቲያን ብኣንስት ጾታ እያ እትግለጽ፡ ናይ ክርስቶስ መርዓት እያ፡ ስለዚህ እቲ ማርያማዊ ወጅሂ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ እዩ፡ ብዘይ ደቀንስትዮ ቤተ ክርስቲያን ኣይህልውትን እያ፡ ኣተሓሒዞም ደቀንስትዮ ንማዕርገ ክህነት ዝብል ዝቀረበሎም ሕቶ ኣተሓሒዞም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዘየማትእ መገዲ ንጓለንስተይቲ ማዕርገ ክህነት ንዝብል ሕቶ ስልጣናዊ ውሳኔ ሂቦምሉ እዮም። እኣምነሉ ኣውን እየ፡ ህላዌ ጓለንስተይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብተግባራውነት ደረጃ ክምዘን የብሉን፡ ሰብኣይ ናይ ክርስቶስ መርዓት ክኸውን ዘይከኣል እዩ፡ ኣብ ጽርሓ ጽዮን እታ ማእከል ቦታ ዝነበራ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እያ፡ መግለጺ ጓለንስትይቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብልክዕ ከምኡ እዩ እንክልቡ የብርሁ።

ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ

ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ብብርቱዕ ዘሳቕዮም ልቦም ብጓሂ ዘንደደ እውን ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ መላእ ናይ ቺለ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ካብ ሓዋርያዊ ስልጣኖም ብገዛእ ፍቓዶም ንኽለቁ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ሕቶ ክሳብ ምቕራብ ኣብጺሑ እዩ። ናይ ወሲብ ዓመጽ ከቢድ ሓጢኣት ጸረ ስብኣዊ ተግባር እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ኣባይቲ ስድራን ቤት ትምህርትን ኣብ እትነብረሉ ኣካባብን ዝፍጸም እውን እዩ፡ ስለዚህ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ተፈጺሙ እዩ፡ ብካህናት ዝተፈጸመ እቲ ውሑድ እዩ ይዅን ደኣ እምበር ብሓደ ካህን እውን ይፈጸም እቲ ናይ ወሲብ ዓመጽ ከቢድ ገበን እዩ፡ ሓደ ካህን ሰብ ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ክነሱ ነቲ መገዲ ዘሰናኽል ኰይኑ ክርከብ ዘሕዝን ጥራሕ ዘይኰነ ዘጉህይ ተግባርን ከቢድ ሓጢኣት ምዃኑ ይገልጹ።

ብዙሕ እዋን ሓደ ካህን ወይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዝፍጽሞ ገበን ምኽንያት ካብ ዝነበሮ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ምዝውዋር ልሙድ ኰይኑ ዝጸንሔ ተግባር እዩ፡ እዚ ኸኣ ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝነበረ ርድኢት ዝፈርዶ ጉዳይ ይኸውን፡ ሎሚ ዘሎ ርድኢት ካብቲ ናይ ቀደም ዝበለጸ እዩ፡ ብዛዕባ እዚ ገበን’ዚ ብዙሕ ይዝረብን ስነ መጽናዕትታት እውን ይካየዱን ብዘየማትእ ደረጃ ገበን ተባሂሉ ጥራሕ ዘይኰነ ከቢድ ገበን ተባሂሉ እዩ ዝግለጽን ፍርዲ እውን ዝወሃቦን። ቤተ ክርስቲያን ደንጕያ እውን ዝተባራበረት እንተዀነት ኩሉ ከም ዝዝክሮ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቦስተን ዝተፈጸመን ደሓር እውን ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣየርላንድ ዝተፈጸመን እናበለ ሎሚ እውን እቲ ኣብ ቺለ ዝተፈጸመ፡ ዝቐረቡ ክስታትን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝተመሓላለፉ ሰነዳት ብዕምቀት ከምዝመርመሩን ዝበጸሖም ሓበሬታ እውን ብዕምቆት መርሚሮም ኣብቲ ሎሚ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ናይ ወሲብ ዓመጽ ገበን ዝወሃቦ ፍርድን ንኽብጻሕ ከምዝገበሩ እውን ኣዘኻኺሮም፡

ብዛዕባ እቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ንኸጻርዩ ብኣኦም ናብ ቺለ ዝተላእኩ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ በቺዩ 2,300 ገጻት ዝሓዘ ምስክርነትን ክስታትን እቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀነ ዜጋታት ኣውን ዝሃብዎ ቃለ ምስክርነት ዝሓዘ ሰነድ ከምዝቕረቡሎም ሓቢሮም፡ ኣብ ቺለ ሎሚ 70 ሚእታዊ ምስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝነበረ ሕዝቦ እሞ ሎሚ ግና ናብ 40 ሚእታዊ ስለምታይ ወሪዱ ዝብል ሕቶ ብዙሕ ጊዜ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ጉዳይ እዩ፡ ስለዚህ ነቲ ዝተፈጸመ ዓመጽ ርኢኻ እቲ ምኽንያት መነከይ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን … ።

ናይ ፓሪስ ስምምዕን ርክብ ኩባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን

ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕ ነቲ ኣብ ዓለም ተበጺሑ ዝነበረ ምዝባዕን ብከላን ተፈጥሮ ኣየርን ከባብን ንምሕዋይ ዝድግፍ ናይ ሓባር ስምምዕ ሃገሮም ዝተቐበለቶ፡ ኣብ ሎሚ በጺሖም ካብቲ ስምምዕ ሃገሮም ክትወጽእ ምግባሮምን ምስ ኩባ ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ እውን ዘይቅብሉ እንክብልዎ ዘሕዝን እዩ፡ ኣብዚ ጉዳይ’ዝን ከምኡ እውን ብዛዕባ ስደተይናታት ዝምልከት ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሃቦ ናይ ውሳኔ መግለጺ ከምዝድግፉ እውን ቅዱስ ኣቦና ይሕብሩ።

ጸኣት ስደተይናታትን መፍትሒኡን

ኣብ ድኻታት ሃገራት ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ስራሕ ዕድል ንምፍጣር ዘኽእል ደጋፍ ምቕራብ ዘለዎ ኣገዳስነት ገሊጾም፡ እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝፈስስ ሃብቲ ገንዘብ ናይታ ሃገር ሃብቲ ንምቡሕጋግ ዘይኰነ ነታ ክፍሊ ዓለም ተጠቓሚት ሃብታ ንምዃን ዝድግፍ ክኸውን ኣለዎ፡ ስደትን ስደተይናታትን ጉዳይ ንዝምልከት ሕቶ ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፡ ሕዝበይናነት ዝብል ፖለቲካ ነዚ ሽግር ዝፈትሕ ኣይኰነን፡ ጸኣት ስደተይናታት ክፍታሕ ዝገብር እንጋደ እዩ፡ ክስተት ጸኣት ስደት ንምፍታሕ ፍርሒ ምንዛእ ዘይኰነ ንስደት ዝዳርግ ቀንዲ ምኽንያት ምልላይን ነቲ ንስደት ዝዳርግ ምኽንያት ንምውጋድ ምዕያይ እዩ ዘድሊ፡ ስለዚህ እንገዳን ሕንጸትን ውህደት ክፈጥር ዘኽእል መደብ ወሳኒ እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

ሓገዝ ደልዩ ዝመጻእ ምንጻግ ዘሕዝን ዘቖጥዕን ተግባር  እዩ፡ ከምቲ ኣብ ኢጣሊያን ግሪኽን ዝግበር እንገዳ ስደተይናታት ኣብ ኤውሮጳ ተመሳሳሊ ውሳኔ እዩ ክትግበር ዘለዎ ይብሉ።

ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያንን ካብ ገዛእ ርእሳ ወጺኣ ናብ ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን እተብል

ብዛዕባ እቲ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘተኣታተውዎ ሕዳሴ ከይድታትን ፍጻሜታትን ዘሕጉስ ምዃኑ ሓቢሮም ገና ዝቅጽል እውን እዩ ምስ በሉ፡ ቤተ ክርስቲያን ንዝተፈላለዩ ዓይነት ሕማማት ዝተቓልዔት እያ፡ ኰይኑ ግና በቶም ሕማማት ከይትልከፍ ዝጽዕሩ ብዙሓት ቅዱሳት ኣለዉ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ኣብ ጐደናታት እዩ። ግዳም እዩ፡ እዚ ብኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ጸሎትን እዩ፡ ስለዚህ ካብ ገዛእ ርእሳ እትወጽእ ናብ  ወሰናስን ከተማታትን ህልውናን እትብል ቤተ ክርስቲያን ማለት እዩ፡ ብዙሕ እዋን ንኽርስቶስ ብምዕጻው ዝነበርና ኢና፡ እዚ ድኽመትን ምእራግን ኣስዒቡ፡ ክርስቶስ ዝሓዘ ኣብ ገዛእ ርእሱ ዕጹው ምዃን ዘይከኣሎ እዩ፡ ከምዚ ብምዃኑ መልእኽቲ ድሕነት ሒዛ እትወጽእ ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መጻኢ ኣብዚን ንሱን እዩ እንክብሉ ምስ ሮይተርስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ጋዜጠይና ፊሊፕ ፑለላ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.