2018-06-20 17:15:00

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና፡ ቅዱስ ኣቦና ኣፈት ቤትና ዝኩሕኩሕ ንኢየሱስ የርእየና


ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ካብ ዓመጽን ውግእን ገዛእ ርእሶም ንምድሓን ብዛዕባ ዝስደዱ ዜጋታት፥ ህዝቢ ዓለምን መንግስታትን ኣቃልቦ ክገብሩ ንምንቕቓሕ ብዝብል ዕላማ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ውሳኔ መሰረት ኣብ መላእ ዓለም ዕለት 20 ሰነ ናይ መዓልቲ ስደተይና ኰይኑ ክበዓል ከምዝጀመረ ዝዝከር ኰይኑ፡ ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዝበለዎን ዘመሓላለፍዎን መልእኽቲ ምልስ ቢልና ንዘክር፥

ቅዱስ ኣቦና ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተከታሊ ኰይኖም ካብ ዝተሓረዩላ ዕለት ኣትሒዞም ብዛዕባ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ኣብ ዝምልከት ጉዳይን እዞም ዜጋታት እዚኣቶም ዝነብርዎ ጸገም ኩሉ ብምሕሳብ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ፡ ተስፋ እማኔን ሕውነትን ዝብሉ ቃላት ንረክብ፡ ብውግእን ዓመጽን ሕሰምን ምኽንያት ናይ ዝስደዱን ዝመዛበሉን ልዕሊ 66 ሚሊዮን ዝግመቱ ዜጋትት ከቢድ ጸገምን መከራን ንኸይርሳዕ መታን ብውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሰነ 20 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ስደተይና ይዝከር።

ምእንጋድን ምክልኻልን ምንቕቓሕን ምውሃድን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት 2018 ዓ.ም. መዓልቲ ስደተይና ዕለት 20 ሰነ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር መልእኽቶም ንኢየሱስ ኣብ ድኻታትን ከም ውዳቕ ኣብ ዝጥንጠኑን ስደተይናታትን ንራኸቦ፡ ጐረቤትና ንኸይነእንግድ ንዝድርኽ ፍርሒ ገዛእ ርእስና ኣይነማርኽ ይብሉ፡ ኣተኵሮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ እንገዳ ዘበለ ኰይኑ፡ ናይቶም ዝስደዱ ኣብ ሃገሮም ዝተረፉ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ተፈላሊኻ ምንባር ንኸይግደዱ ተወሃሂዶም ዘንብሮም ዕድል ክፍጠረሎም የዘኻኽሩ። ከምኡ እውን ኣብ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቖመ ክንክን ተገይሩሎም ከም ሰብኣዊ ፍጡር ገዛእ ርእሶም ዝኽውንሉን፡ ኣብ ዝኣተዉለን ሃገራትን ሕዝብን ተላልዮምን ገዛእ ርእሶም እውን ኣላልዮም ተወሃሂዶም ክነብሮም ዘኽእል ዕድል እውን ክፍጠረሎምን በዚ መገዲ’ዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዝዓደሎ ጸጋ ዘንጸባረቕ ኅብረ ሕብረተሰብ ንፍጠር እንክብሉ ይምዕዱ።

ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስቓይ ጽን ንምባል ካብ ላምፐዱሳናብ ለስቦ

ቅዱስነቶም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ካብ ዝሕረዩ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ስቓይን መከራን ብቐረባ ዝተኸታተሉን ነቲ ስቓይን መከራን ናቶም ገይሮም ቀሪቦም ዝተንከፉን እዮም። ኣብ ላምፐዱዛ ቀዳማይ ሓዋርያዊ መገሻኦም ኣካይዶም፡ እቶም ናብ ተስፋ ዘእትዎም መዓጹ ዝኩሕኩሑ ታሪኾም ካብ እቶም ስደተይናታት ብቐረባ ኣስተውዒሎም እዮም። ንብዙሓት ተስፋ ዝቖረጹ ቀሪቦም ካብ ቀቢጸ ተስፋነት ዘውጽኦም ዕድል እውን ክፍጠረሎም ንመላእ ዓለም ጻውዒት የቕርቡ። ዕለት 22 ሰነ 2016 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝተነጸሉ ኣሕዋትና እያቶም። ክርስቲያን ነዞም ኣሕዋትና እዚኣቶም ዘእንግድ ቦታ ዘለዎ ይኹን ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቫቲካን ረዲዮ በነደታ ካፐሊ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.