2018-06-19 16:42:00

መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን


“ወጅሂ ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ቲዮሎጊያን ፍልዩ መሰልን ስርዓት ሊጡጊያን”  ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ካላብሪያ ካብ ዕለት 14 ሰነ ክሳብ ዕለት 17 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት መበል 21 ሓፈሻዊ ጉባኤ ከምእተካየደን ዘዕግብ ኣውን ምንባሩ ተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብቲ ናይ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ የረጋግጹ።

ኣብ ኤውሮጳ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ንሰናይ ብጋሴን ፍጻሜን እቲ ዓውደ ጉባኤ ዘለዎም ሰናይ ምንዮትን ጸሎትን ዝገልጽ ናብቲ ጉባኤ ቅድሚ ምዝዛሙ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዚዩ ከምዘሕጐሶምን ገሊጾም ንቕዱስነቶም ቃል ምስጋና እውን ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

ኣብ ቲዮሎጊያን መሰልን ሊጡርጊያን ናይ ሓባር ዘተን ኣስተንትኖን

እቲብ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ሓልዮት ዝተኻየደ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣብ ኢጣሊያ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅዋሜ ናይ ሉንግሮ ኤጳርቅና ምኽንያት ዝገበረን ኤጳርቅና ሉንግሮ ዕለት 13 ለካቲት 1919 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 15 Catholici Fideles Graeci Ritus - ናይ ግሪክ ስርዓት ዝኽተሉ ካቶሊካውያን ምእመናን  ብዝብል ውሳኔ ኣብ ሓዋርያዊ ቅዋም ብዘተኣታተውዎ   ዓንቀጽ ዝተበገሰ ከምዝዀነን ኣብ ታሪክ ቤተ ክርስቲያን ዝጥቀስ ኰይኑ፡ “ወጅሂ ናይ ሓንቲ ምስራቓዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ቲይሎጊያን-ፍሉይ መሰል-ሊጡርጊያ”  ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ተክለ ሰብነት ጳጳስን ሓድኽ ከይዲ ምስጢረ ተክሊል ኣብ እዋናዊ ኩነትን፡ ስርዓተ ደንብን ናይ ሓባር ሃብትን ዝብል ካብ ከይዲ ታሪኽን ከይዲ ሊጡርጊያ ብምድህሳስ ስርዓተ ደንብን ሱታፌ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣዕሚዩቝ ዝዳህሰሰ ምንባሩ ኣብቲ ናይ ጉባኤ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ተመልኪቱ ከምዘሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ዜና ቸራዞ ኣፍሊጠን።

መንነትን ምስክርነትን

ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፥ ብመንጽር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝለዓለ ስዕበትን ርድኢትን መንነት ናይ ሓንቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብልን ብሉጽ ምስክርነት ኣብታ ምስራቓዊት ስርዓት ምትብባዕን፡ ንእዋናዊ ብድሆ ብትኽክል ዝወቅዕን ዝብድህን ትኵርን በሊሕን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣብ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን፡ ኣብ ልቢ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ናይ ምስራቓዊ ክርስትና ሃብቲ ምክፋልን፡ ነገልግሎት መላእ ቤተ ክርስቲያን ምውዓልን፡ ኣብ ኡክራይን ዘሎ ውግእ፡ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ወንጌል ኣብ ምንባርን ንክርስቲያንን ሰብ ጽቡቕ ድላይን ምብሳርን ዘጋጥመን ጸገምን ዝድህስስን ዘብርህን ሰፊሕ ሓሳብ እውን ሰፊሩ ከምዘሎ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ክፍሊ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ዕቝር ሓይልን መንፍሳዊ ጸጋታትን

ወጅሂ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስትንታን ኣብ ዝብል ሓሳብ ተማእኪሉ ኣብ ዝተኻየደ ምይይጥ እታ ኣብ ኤውሮጳ እትርከብ ናይ ምስራቕ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዘለዋ ዕቑር ሓይልን መንፈሳዊ ጸጋታታን ምስ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምክፋልን ንናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ኣገልግሎት ምውዓልን ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምእተሰመረሉን ኣተሓሒዙ እውን ካቶሊካዊያን ኣቢያተ ክርስቲያን ሰዓብቲ ናይ ምስራቕ ስርዓት ኣብ ኤውሮጳ ዕጹዋት ዘይኰናስ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዘሎ እዋናዊ ሻቕሎትን ተስፋን ፍርሕን ኩሉ ክፉታት ኰይነን ነቶም ዝሳቐዩን ዝሳደዱን ማሕበረ ክርስቲያን ብፍላይ ከብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝስደዱን ብጠቕላላ ንስደተይንታትን ተመዛበልትን ክፉታት ኰይነን እቲ ብደም ሰማዕታት ዝጸንዕ እምነት ብምምስካርን ካብኡ ጸጋታት ተዓዲለን እውን ንዝሳቐይ ፍጥረት ሰብ ዘገልግላ ምዃነን ከምእተመልከተን፡ ዕለት 7 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ከተማ ባሪ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ካቶሊካውያንን ኦርቶዶክሳውያንን ፓትሪያርካት ብሓባር ምእንቲ ማእከላይ ምብራቕን ስለ እቶም ካብቲ ከባቢ ብእምነቶም ምኽንያት ዝስደዱን ዝሳቐዩን ክጽለይ ኣብ ዘቕረብዎ ጻውዒት ምስ ቅዱስነቶም ብሓባር ኣብታ ከተማ ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ምስራቕ ስርዓት ናይ ዝኽተላ ካቶሊካውያን ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ኤውሮጳ ሱታፌ ከምዘረጋገጹ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.