2018-06-15 19:09:00

ምዝመዛ ደቂ ኣንስትዮ ተጻይ እግዚብሔር ዝኸይድ ሓጢኣት እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ሎሚ ኣብ ዓለምና ገኒኑ ዘሎ ምዝመዛ ደቂ ኣንስትዮ ኣመልኪቶም እዘን ክቡራት ፍጥረት እዚኤን ‘ነቲ ንደቂ ተባዕትዮ ምሉእ ኣምሳልን ኣርኣያን እግዚብሔር ዝግብሮ ክፍሊ እየን’ እንክብሉ ቦታ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፍጥረት ኣዳም ፍጽምና ዝህብ ምሉእ ሰብ ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ስለ እተን ‘ተጠቂሞም ዝደርበይዎን ዝመዝመዝወን ከምኡ እውን ስለ እተን ሓደ ናይ ሥራሕ ቦታ ክወሃበን ክብረንን ሰውነትን ናብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውርዳ ጐራዙ ንጸሊ’ እንክብሉ ካብዚ ዓዘቅቲ እዚ ንምውጻእ እግዚብሔር ክሕግዘና ተማሕጺኖም፣

ቅዱስነቶም ነዙይ ዝበለሉ ኣብ ዕለቱ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ዝቀረበ ወንጌል ማቴ 5 ኮይኑ ‘ኣይትዘሙ’ ከምዝተባህለ ሰሚዕኩም ኣሎኹም። ኣነ ግን ‘ንሰበይቲ ብፍትወት ዝጠመታ ዘበለ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ’ እብለኩም ኣሎኹ።’ ንዝብል ክፍሊ ወንጌል ብምምርኳስ ‘ኢየሱስ ንታሪኽ ከምዝልወጦ`’ ኣመልኪቶም፣

ቅዱስነቶም መንነት ደቂኣንስትዮ ‘እቲ ንደቂተባዕትዮ ምሉእ ብምሉእ ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚብሔር ካብ ምዃን ዝተርፎም ክፍሊ` እንክብሉ ምስ ገለጹ ‘ኢየሱስ ኣብዚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ክፍሊ ወንጌል ብርቱዕ ቃላት ሱር በተኻዊ ለውጢ ዘምጽእ ኣተሓሳስብ ብምትእትታው ንታሪኽ ይልውጦ፣ ከመይ ክሳብ እታ ግዜ እቲኣ ጓልኣንስተይቲ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ኰይና ዳርጋ ከም ባርያ ትረኤ ነራ ነጻነት ዝበሃል ዳርጋ ኣይነበራን`’ ኢሎም።

‘ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ጓልኣንስተይቲ ዝምህሮ ትምህርቲ ንታሪኽ ይልውጦ፣ ስለዚ ጓልኣንስተይቲ ቅድሚ ኢየሱስን ድሕሪ ኢየሱስን ቢልና እንተኣወዳደርና ዳርጋ ሰማይን ምድርን እዩ፣ ኢየሱ ንጓላኣንስተይቲ ክብሪ የልብሳ ማዕረ ወዲተባዕታይ እውን የቀምጣ፣ ነቲ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዘሎ ቃል ኣምላኽ ማለት ክልቲኦም ብኣምሳልን ኣርኣያን እግዚብሔር ከምዝተፈጥሩ ከም ዝተፈጥሩ ይገልጽ፣ ወዲ ተባዕታይ ብዘይ ጓልኣንስተይቲ ከም ኣደ ከም ሓውቲ ከም በዓልቲ ቤት ከም ተሓባባሪት ኣብ ሥራሕ ከም ዓርኪ ኣብ ጐድኑ እንተዘየላ በይኑ ኣምሳል እግዚብሔር ኣይኮነን፣ እንተኾነ ርሑቅ ከይከድና ሎሚ እውን እንተኾነ ደቂኣንስትዮ ከም ናይ ጥቅሚ ነገር ምምልካተን ኣይቆመን፣ ናይ ሎሚ ቃል ወንጌል `ንሰበይቲ ብፍትወት ዝጠመታ ዘበለ ብልቡ ድሮ ምስኣ ዘምዩ እዩ’  ዝብሎ ኣብ ተለቪዥናት ዝዝርጋሕ ዘይንጹሕ ስእልታት ኣብ ዝተፈላለየ መጽሔታትን ጋዜጣታትን ንደቂ ኣንስትዮ ከም ናይ ባህታ ኣቅሓ ንጥቅሚ ንመርወዪ ከም እትጥቀሞ ኣቅሓ ገሮም የቅርብወን’ እዚ ከኣ ኢፍትሓዊ ኢሰብኣዊ ኣገባብ እዩ።

‘እዚ ተጻይ ፈጣሪ ዝኾነ እግዚብአብሔር ዝፍጸም ሓጢኣት እዩ፣ ነታ ብዘይካኣ ንሕና ደቂተባዕትዮ ኣምሳልን ኣርኣያን እግዚብሔር ክንከውን ንዘይንኽእለሉ ክብርቲ ጓልኣንስተይቲ ምጒናይ ኣይግድን፣ ወላ ብኣፍና እንተዘይአውጻእናዮ ተጻይ ጓልኣንስተይቲ ዝጐዓዝ ሕማቅ ነገር ኣሎ ሓቂ ክንድርጒሖ እንተዀና ክንደይ ግዜ እዩ ኣብ ቦታ ሥራሕ ነቲ ሥራሕ ንኽረኽባ ከም ተጠቂምካ ትድርብዮ ኣቅሓ ዘይኮና! ክንደይ ግዜ! ምናልባት ገለ ኣምሰሉ ካባኹም እወ ኣባቴ ኣብ ዘይማዕበሉ ሃገራት ገለመለ ክትብሉ ትኽእሉ ኣነ ግን እብለኩም ኣሎኹ ርሑቅ ከይከድና ኣብዚ ኣብ ሮማ’ እንክብሉ ነድሪ ብዝተወሰኾ ናይዚ ሓጢኣት እዚ ውርደትን ኣጸያፊነትን ገሊጾም፣

ቅዱስነቶም ምስዚ ኣተሓሒዞም ዝገለጸዎ እንተሃልዩ ዙርያኻ ኣከባቢኻ ምዕዛብ ከምዘድሊ ምናዳ ኣብ ከባቢኻ ንዝግበር ዓመጽን ምዝመዛን ክተስተውዕለሉ ከምዝግባእ ድሕሪ ምዝኽኻን ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ዓበይቲ ከተማታት ንግደት ለይቲ ክትብሎ ብዘድፍር ዓይነት ብዙሓት ደቂኣንስትዮ ምናዳ ስደተኛታት ከም ኣብ ዕዳጋ ዝቀረባ ጤለበጊዕ ኣካለን ክሸጣ ክስጠሓ ከለዋ ውርደተኛታ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ደሓንዶ ኣምሲኺ ክሕግዘኪዶ እንታይ እዩ ጸጊምኪ እንታይ ወሪዱኪ ክብሉ ዝጽግዕወን ክመስሉ ዕሩብ ሕልና ሒዞም ኣመንዝራታት ረኺብና ኢሎም ክጠፍኡ ምርኣይ እንዲዒኸ! ምናልባት ደቂ ተባዕትዮ ንጹሓት ከም ጲላጦስ ኢልኩ ኢድኩም ክትሕጸቡ ከይትጽዕሩ ቃል ወንጌል ነስተውዕለሉ፣

ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ነዛ ሰብ ኣመንዝራ ዝገበርካያ ንስኻ ወዲተባዕታይ ኢኻ! ከመይ ጐይታ ኣብ ወንጌሉ ከምዝበሎ ንማንም ጓልአንስተይቲ ዝፈትሕ ከም እትዝሙ ይገብራ ይብል! ንስኻ ወዲተባዕታይ ብጽቡቅ ስለዘይሓዝካያ እዛ መስከነይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብዚ ናይ ባርነት ሕይወት ወዲቃ ትርከብ፣ ስለዚኸስ ይዋእ እዘን መሳኺኖት ደቂኣንስትዮ ናይዚ ኣተሓሳስባና ባሮት ይኾና ኣለዋ፣

‘እዚ ኩሉ ኣብዚ ኣብ ሮማ እዩ ዝፍጸም ኣብ ዝኾነ ከተማ እውን ከምኡ ዘይፍለጣ ደቂኣንስትዮ እከሊት ዘይትብለን ከመይ መንነትን ንኽገልጻ ሕፍረት ጐልቢብወን እቲ ዝገደደ ከኣ ከም ሰብ ክስሕቃ ክዋዘያ ሕይወት ከስተማቅራ ዘይክእላ ከም ማንም ተጠቂምካ እትድርብዮ ኣቅሓ ዝኾና! ይዋእየን መብዛሕትአን እኳ ከመይ ጌርካ ከምዝዋዘ ከመይ ጌርካ ከምዝሰሓቅ ኣይፈልጣን! ጭንቂ ገዲድወን ዝኣተዋኦ ናብራ እዩ! ወሊድካ ምሕቋፍን ምጥባውን ኣደ ምዃንን ኣይእንታየን እዩ፣ ኣቱማት ኣብ ልብና ተመሊስና ነስተንትን፣ ሃየ እምበኣርከስ እዚ ናይ ሎሚ ወንጌል ነታ መመላእታ ፍጽምና ኣርኣያን ኣምሳልን ኣግዚአብሔር ዝኾነት ጓልኣንስተይቲ በዚ ዓይኒ እዚ ብምጥማት ጓልኣንስተይቲ ጓልኣንስተይቲ ብምዃና ትዕመጸሉን ካልኣይ ደረጃ ሒዛ እትረኣየሉን ኣተሓሳስባ ነወግድ፣ ዓቢይ ኣብነት ዝኾነና መምህርናን ጐይታናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኮይኑ ብዓቢ ርሕራሔ ክብረን መሊስለን እዩ፣ ንሱ ከማና ሓንቲ ኣደ ነራቶ ብዙሓት ዝስዕባኦን ኣዕሩኽትን እውን ነረናኦ፣ ወረ ይድግፋኦም ነረን፣ ኣብ ወንጌል እንተተመልከትና ብዙሓት በቲ ዝነበረ ማሕበረሰብ ዝተጐስያን ዝተናዕቃን ዝተዋረዳን ንሱ ክብረትን ከምዝመለሰለን ከምዘሕወየን ከምዝራሕራሕለን ነንብብ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.