2018-06-08 16:56:00

ናይ ነፍስን ሥጋን ናይ ምሕረት ሥራሓት ኢየሱስ ዝምህረና መንገዲ ፍቅሪ እየን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ፍቅሪ እግዚብሔር መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እዩ፣ ዕብየቱ ኸኣ ትሕትና ተላቢሱ ብርሕራሔ ክሰርሕ እንከሎ ይግለጽ፣ ክርስቶስ ካባና ዝጽበዮ ዓበይቲ መግለጺታት ፍቅሪ ዘይኮነ ንኣሽቱ ዝጭበጡ ናይ ፍቅሪ ተግባራት ብምግባር ምሳኡ ነቲ ሠናይ ተግባር ክንቅጽል እዩ ዝሓተና’ እንክብሉ ፍቅሪ እግዚብሔር ኣብ ንኣሽቱ ነገራትን ኣብ ርሕራሔን ከምዝግለጽ ገሊጾም፣

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ በዓል ቅዱስ ልበ ኢየሱስ ኣብ ትዝክረሉ ዕለት ቅዱስነቶም እዚ በዓል እዚ ‘ብዓል መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ እግዚአብሔር’ ክንብላ ንኽእል እውን ኢሎም፣ ከመይ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ዝግለጸሉ በዚ ፍቅሪ እዚ ስለዝኾነ እዩ፣ ቅዱስነቶም ከኣ ነዚ ፍቅሪ ኣምላኽ ዕብየቱን ስፍሓቱን ክንገልጾ ዘጸገም እኳ እንተኾነ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ስለዝኾነ እግዚብሔር ወትሪ ኣቀዲሙ ምስ ኣፍቀረና ምዃኑ ገሊጾም፣

ብዙሕ ግዜ ብሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ፍቅሪ እንክንሓስብ ምስ ጥቅሚ ብምትእስሳር ቀደመ ደሓረ ክንብል ንርከብ ክነወዳድር እውን ንጽዕር። ኮይኑ ግን መጀመርያ ዘፍቀረና እግዚብሔር እዩ እምበር ንሕና ኣይኮናን፣ ነዚ ሓቂ እዚ ነቢያት ብኣብነት ማርዶርሎ ዝበሃል ዓይነት ኦም ወትሩ ኣብ ጸደይ ንመጀመርያ ከምዝዕምብብ እግዚብሔር ከኣ ወትሩ መጀመርያ ፍቅሪ እዩ፣ ፍቅሪ ብርእሱ ስለዝኾነ ከኣ የፍቅረና ናይ ፍቅሪ መልሲ ክንህብ ይጽበየና ስለፍቅረና ከኣ ንክነፍቅሮ እውን ይሕግዘና፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ደረት ኣልቦ መወዳእታ ኣልቦ እዩ፣ ነዚ ክንርድኦ ከቢድ እዩ፣ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ሆሴእ 11 ዝተወስደ ኮይኑ “እግዚኣብሔር ከምዚ ይብብል ኣሎ፦ “ንእስራኤል ሕፃን ከሎ ኣፍቀርክዎ፣ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ። . . . ንእስራኤል ዘታቴኽዎም ኣነ ኣየ። ሕቘፍኩዎም፣ ግናኸ ኣነ ከም ዝተኸናኸንኩዎም ኣይፈለጡን። ኣነ ብርኅራኀን ብፍቕርን ናባይ ሰሓብክዎም፣ ነቲ ኣርዑት ካብ ክሳዶም ኣልዓልኩሎም፣ ደኒነ ድማ መገብኩዎም። . . . ኦ እስራኤል ከመይ ገይረ ክኃድገኩም? ከመይ ገይረኸ ከምቲ ንኣድማን ንጸቦይምን ዝደምሰስኩወን ክድምስሰኩም? ኣባኹም ዘሎኒ ፍቕሪ ዓቢይ ስለ ዝኾነ፡ ነዚ ክገብሮ ኣይኽእልን እየ። ኣነስ ኣምላኽ እየ፣ ሰብ ኣይኮንኩን፣ ኣብ ማእከልኩምውን ቅዱስ እየ እሞ፣ ብነድሪ ቚጠዓይ ኣይመጽእን ኣየ፣ ሃና ነድረይ ኣባኻትኩም ኣየውፅእን ኣየ፣ ንእስራኤል ከጥፍእ ኢለ ድማ ኣይምለስን እየ።’ ይብል። ከምኡ እውን ካልኣይ ንባብ ካብ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፌሶን 3 ዝተወስደ ኮይኑ “ንኣይ፡ ካብ ኲሎም ቅዱሳን ዝነኣስኩ እኳ እንተ ኾንኩ፣ ነቲ ዘይምርመር ሃብቲ ክርስቶስ ነሕዛብ ኪሰብኽ፡ እዚ ጸጋ እዚ ተዋህበኒ። እቲ ካብ ዘለዓለም ኣብቲ ንኲሉ ዝፈጠረ ኣምላኽ ተሠዊሩ ዝነበረ፡ ናይዚ ምሥጢር እዚ ኣገልግሎት ከመይ ከም ምዃኑ ንኲሉ ሰብ ከብርሃሎም ተውዋህበኒ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ኢየሱስ ጐይታና ገይሩ ዝፈጸሞ ዘለዓለማዊ ምኽሩ፣ ነቲ ብዙኅ ዝዓይነቱ ጥበብ ኣምላኽ፡ ብቤተ ክርስቲያን ገይሩ ነቶም ኣብ ሰማያት ዘለዉ ሊቃናትን ሥልጣናትን ምእንቲ ኬፍልጦም ኢሉ እዩ። ‘ እንክብል ፍቅሪ እግዚብሔር በቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝዓደሎ ክትገልጾ ዘጸግም ሃብቲ ይብሎ፣

‘ክትርድኦ ዘይከኣል ፍቅሪ እዩ፣ ፍቅሪ ክርስቶስ ልዕሊ ዝኾነ ፍልጠት እዩ፣ ልዕሊ ኩሉ እዩ፣ ፍቅሪ እግዚብሔርከስ ዕብየቱ ክሳብ ክንድዚ እዩ፣ ሓደ ቅኔ ዝጽሕፍ ‘ፍቅሪ እግዚብሔርሲ ጽንፍን ዶብን ዕምቈትን ዘይብሉ ባሕሪ እዩ’ ደረት ኣልቦ ይብሎ፣ እቲ ንሕና እንቅበሎ ፍቅሪኸስ እዚ እዩ፣ ክንርድኦ እኳ እንተዘይከኣልና ቁሩብ መንቋሕቋሕታ ይሃልወና፣ እግዚብሔር ከኣ ዓቢ ኰስኳሲ ወይ መምህር ብምዃኑ ቀስ ብቀስ በዚ ፍቅሪዚ ኰስኰሱና፣ ኣብ ትንቢት ሆሴእ ዝሰማዕናዮ ከኣ ነዚ ይገልጽ፣ ንእስራኤል ዘታተኽዎ ኣነ እየ፣ ብኢዱ ሒዘ ምኻድ ዝመሃርክዎ፣ እንክብል ከምቲ ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ቀስ ብቀስ ዘታትዮ እግዚብሔር ከኣ ንሕዝቢ እስራኤልስ ይኹን ንነፍሲወከፍና በዚ ፍቅሪ እዚ ይኵስኲሰና፣ ኢድና ሒዙ የታትየና፣

‘እግዚብሔር ፍቅሩ ከመይ ገሩ እዩ ዝገልጾ ቢልና እንተሓተትና ብመስተክርናዊ ነገራትን ብረኣዩለይን ስምዑለይ ከምዘይኮነ ንርዳእ፣ ትሕትና ተላቢሱ ንእሽቶይ ኮይኑ ኣብ ደረጃና ወሪዱ ከታትየና ምሳና ክጐዓዝ ርሕራሔኡን ሕያውነቱን ክገልጸልና እንከሎ ክሳብ ክንደይ ከምዘፍቅረና ይገልጸልና፣ እቲ ዓቢ ፍቅሪ እግዚብሔር ብናኣሽቱ ነገርቱ ክግለጽ ይረኤ።

እዚ ኩሉ ምእኻል ከም ዝሰኣኖ ከምቲ ብምሳሌ ሠራሕተኛታት ኣታኽልቲ ወይኒ ዝገልጾ ኣብ መወዳእታ ንእንኮ ወዱ ይልእኸልና፣ ኣምላኽ ክንሱ ከማና ሰብ ኮይኑ ብትሕትና ናብ ደረጃና ወሪዱ ከታትየና ክሳብ ሞት እኳ ደኣ ኣብ ዕጸ መስቀል ብሙማት ፍቅሩ ብትሕትናኡ ይገልጽ፣

‘ዝንባሌ ክርስትያን ከመይ ክኸውን ከምዘለዎ ንክምህረና ምስ ደለየ ኢየሱስ ዳርጋ ብዘይ ዘረባ ክትብሎ ዘድፍር ብቁሩብ ቃላት ክንክተሎ ንዝግበኣና መምርሒ ብሕይወቱ ብተግባር የርእየና፣ እንታይ ይብል እንተበልና ገለና ከም እንሓስቦን እንገብሮ ‘ብርእይቶይ እግዚብሔር ከምዚ እዩ፣ ፍቅሩ ከኣ ከምዚ ተረዲአዮ’ ኣይኮነን ዝብለና፣ እንታይ ደኣ ኣነ ብናኣሽቱ ነገራት ፍቅሪ እግዚብሔር ኣርእየኩም፣ ንዝጠመዩ ዝብላዕ ብምሃብ ንዝጸምኡ ዝስተ ብምሃብ ንሕሙምን እሱርን ብምብጻሕ ፈጺመዮ፣ ብካልእ ኣዘራርባ መንፈሳውን ሥጋውን ናይ ምሕረት ሥርሓት ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ዓቢ ፍቅሪ እግዚብሔር መንገዱ ይሕብረና፣ ውሃ ዘበለ መደረን ስብከትን ብዛዕባ ፍቅሪ ኣይኮነን ዝድለ እንታይ ደኣ ዝጭበጥ ተግባር እዩ ዘድሊ፣ ዘድልየናስ ናኣሽቱ ነገራት ንኢየሱስ ንእግዚብሔር ክንገብር እዩ፣ እዚ ከኣ ካልእ ኣይኮነን እንታይ ደኣ እቲ ኣብ መወዳእታ ፍርዲ ኣበይ ርኢናካ ንዝበልዎ ዝሃባ መልሲ ነቶም ናኣሽቱ ኣሕዋቱ እንበርክቶ ናይ ምሕረት ሥራሓት እዮም፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.