2018-06-06 16:39:00

ናይ ወርሓ ሰነ ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ጸሎት ሓሳብ፡ መራኸቢ ብዙሓን ምትሕብባር ዝድግፍ ክኸውን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም. መርበብ ሓበሬታን ማሕበራውያን መረብት ሰብኣውነትና ዘባድም ዘይኰነስ ንኻልእ ቀረባ ብምዃን ምድጋፍን ካልእነቱ ንምኽባር ዝድርኽ ክኸውን ንጸልይ ብዝብል ሓሳብ መሰረት መራኸቢ ብዙሓን ንምትሕብባር ዝድግፍ ክኸውን ዝብል ራእይ ኣብ ወርሓ ሰነ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ብናይ ዓለም ሓቆፍ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎት መረብት ኣቢሎም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመልከቱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ኣለሳንድሮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።

እቲ ዓለም ሓቆፍ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎት መረብት ነዚ ጸሎት’ዚ በቢ ዕለቱ ኣብ ወርሓ ሰነ ብምንቕቓሕ ብዝተፈላለየ መገዲ ንኽንበር ዝድግፍ እውን ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ

መረብት ዓቢይ ሓላፍነት ዝሓትት ህያብ እግዚኣብሔር እዩ

መርበብ ሓበሬታን ማሕበራውያን መረብት ሰብኣውነትና ዘባድም ዘይኰነስ ንኻልእ ቀረባ ብምዃን ምድጋፍን ካልእነቱ ንምኽባር ዝድርኽ ክኸውን ንጸልይ ብዝብል ሓሳብ መሰረት ገይሮም መራኸቢ ብዙሓን ምትሕብባር ዝድግፍ ክኸውንን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ወርሓ ሰነ ጸሎት ገርና ከነቕርቦ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፡ መረብት ናይ እግዚኣብሔር ህያብ እዩ፡ ህያብ ብምዃኑ ድማ ዓቢይ ሓላፍነት ዝሓትት ይኸውን ቢሎም፡ እቲ ኣብ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ምኽንያት ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተወኪሶም፡ መራኸቢ ብዙሃን ቦታኡን ኣገልግሎቱን መጋበርያ ናይ ብዙሓት ርእየት ዘስፍሕ እዩ ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎት ዜና ዲ ቡሶሎ ኣስዒቦም፡

ስነ ኣሓዛዊ መረብት ናይ ሰብኣውነት እምበር ናይ መጓነይ ስፍራ ኣይዅን

ቅዱስነቶም ልክዕ ከምቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ስነ ኣሓዛዊ መረብት ናይ ምርኻብን ምትሕብባርን ዕድል ክኸውን ንጠቀመሉ ዝበልዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፡  ምእንቲ’ዚ ኣብ ናይ 2016 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ  ስነ ኣሓዛዊ መረብት ናይ መጓነይ ዘይኰነስ ናይ ስልጡን ሰብኣውነት ስፍራ ክኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ስነ ኣሓዛዊ መረብት ነቲ ካባኻ ዝተፈልየ ካልእ ከም ካልእነቱን ፍሉይነቱ ንኸተኽብሮ ዝድግፍ

ቅዱስ ኣቦና ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ማሕበራውያን መረብት ሰብኣውነትና ዘባድም ዘይኰነስ ምትሕብባርን ንኻልእ ክምንሱነቱን ፍሉይነቱን ካልእነቱን እንቕበለሉን እነኽበረሉን ስፍራ ክኸውን ንጸልይ እንክብሉ ከምዝጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ረዲዮ ዲ ቡሶሎ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.