2018-06-06 16:46:00

ሮበርት ከነድይ ንኡስ፡ ኣቦይን ትጽቢታቱን እንታይ ከምዝነበረ ከዘንትወኩም


ዝኽሪ መበል 50 ዓመት መቕተልቲ ሮበርት ፍራንሲስ ከነድይ ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ኣመሪካ ዕሴታት ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፍ ዝደረሱ ውላዶም ሮበርት (ቦብ) ከነድይ ንኡስ ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ዜና ብዛዕባ ኣቦኦምን ብጠቕላላ ስድራ ቤቶምን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥

ቅድሚ 50 ዓመት ዕለት 6 ሰነ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ 43 ዓመት ዕመኦም ድሕሪ ካልኣይ ውግዕ ዓለም ኣብ ኣመሪካ ካብ ዝነበሩ እዚዮም ህቡብ ፖለቲክይናን ተባሂሉ ዝንገረሎም ሮበርት ፍራንሲስ ከነድይ ብኢድ ሰብ ዝተቐትልሉን ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት መቕተልቲ ሓዎም ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆን ፊትዝገራልድ ከነንድይ ናይ ሃገሮም ሕጹይ ተመራጺ ርእሰ ብሔር ናይ ምዃን ድላዮም ከምእተበትከን ብዙሓት እውን ርእሰ ብሔር ኰይኖም ክሕረዩ ዝብል ዝነበሮም ትጽቢት እውን ከምተዀልፈ ይዝከር፡ ናይዞም ኣብቲ ኣዋን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኒው ዮርክ ናይ ላዕለዋይ ሓጋጊ ቤት ምኽሪ ኣባል ዝነበሩ፡ ድሕሪ መቕተልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዳርጋ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ተመሳሳሊ ዕጫ ዘጋጠሞምን ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ መቕተልቲ ሮበርት ፍራንሲስ ከነድይ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር፥

በዛ ዕለት’ዚኣ ምእንቲ ድኻታትን ዝተናዕቁን ሕዱጋትን ጽምጺ ዝነበሩን፡ ምዕሩይ ምዕባለ ክረጋገጽ ድምጾም ዘስምዑ ዝነበሩ ብሓፈሻኡ ድምጺ ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነበሩ ንዝክር

ከምዝበሉን ዕለት 6 ሰነ 1968 ዓ.ም. ልክዕ ድሕሪ 50 ዓመት መቕተልቲ ሮበርት ፍራንራንሲስ ከነድይ ውላዶም ናይ ሕጊ ጠበቓን ኣብ ምክንኻን ፍጥረትን ተፈጥሮን ብሓፈሻኡ ኣብ ምክንኻን ምህዳር ንጡፍን ኣብ ቀረባ እዋን ብቤት ማሕተም ሃርፐር ኮሊንስ ናይ ኣመሪካ ዕሴታት ብዝብል ኣርእስቲ መጽሓፎም ኣሕቲሞም ንንባብ ዘብቅዑ ሮበርት ከነድይ ንኡስ ምስ ቫቲካን ኣገልግሎ ክፍሊ ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ኣቦኦም ዝተቐትሉሉ እዋን ዝነበረ ናይ ውሽጢ ሃገሮምን ብጠቕላላ ዓለም ለኻዊ ፖለቲካ እንታይን ከመይን ይመስል ከምዝነበረን ኣድልዎ ብዘርእን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ቅልውላው ሚሳይል ኩባን ዝብሉ ታርኻት ጠቒሶም ኣቦኦም ከም ህቡብ ፖለቲከይና ጥራሕ ዘይኰኑ ከም ኣቦ ስድራ እውን እንክዝክርዎም፥ ንሱ ዝደልዮ ዘይኰነ እቲ ደቁ ዝደልዮ ዝነበረ ዘበራትዕን ሃረርታን ድላይን ዝምባለ ደቁ ዘኽብርን ዘተባብዕን ከምዝነበሩ ይዝክርዎም።

ሓወቦይ ጆን ኤፍ. ከነድይን ከምኡ እውን ኣቦይ ይብሉ፡ ሃገሮም ኣመሪካ ኣብነት ክትከውን እዮም ድላዮም ዝነበረ፡ ኩሉ ጻዕሮም ከኣ እዚ ኣብ ምኽዋን እዮም ዘወፈዩ፡

ኣቦይ ኣብነታዊት ሃገር ኣብ ልዕሊ ማንም ሃገር ድላያ ጸቕጢ ዘይተገብር ድላየያ ኣብ ልዕሊ ድላይ ካልኦት ሃገራት ጸቕጢ ከይኑ ክነግስ ዘይብል እዩ ኔሩ

እዚ ኸኣ ናይ መጽሓፎም ሕመረት ምዃኑ እንክሕብሩ ኣብ ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ክብርን፡ ሓድነትን ምክብባርን ማዕርነትን ዝብሉ ዕሴታት ንምስፋሕን፡ ኣቦይ ዝነበሮ እምነት ልክዕ ከም ናይ ዶሮትይ ደይ ማለት ወንጌላዊ እምነት እዩ ነሩ፡ ልክዕ ከምቲ ዮሓንስ መበል 23 ቅድም እውን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ እዚ ኸኣ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፍቕርን ፍትሕን ማዕርነትን መጋበርያ ኣብ ዓለም እያ ዝብል እምነት እዩ።

ምእንቲ ድኻታት ምምጓትን ስለኤም ጠበቓ ምዃንን ሰላም ምንቕቓሕን ኣድልዎ ምቅዋምን ኣብ ዝብል ኣገልግሎትን ጻዕርን ከኣ ልክዕ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ የመሳስሎም፡ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ናይታ ዝዓበዩላ ገዛ ሓላዊ ቅዱስ ምንባሩ እውን ዘኪሮም፡ ተልእኾን ግደን ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም እንታይ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝገልጽዎን ብኣብነታዊ ዝሕብርዎን ኣቦይ እውን ዝነበሮ ራእይ እዩ፡ ሰናይ ክነግስ ናይ ክፍኣት መንፈስ ክስዓር ዝብል እዩ፡ ውግእ ብዘይ ምንም ዓይነት ምኽንያት ምቅዋም በዚ መገዲ’ዚ ናይ ሰላምን ምርኻብን ባህሊ ምንቕቓሕ ዝብል ልዕሉ ራእይ ልክዕ ከም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝነበሮ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.