2018-06-04 16:03:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ዕለት 4 ሰነ መርሓ ፍጻሜ


ሎሚ ዕለት 04 ሰነ 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ህያው ህላዌ ክርስቶስ ኣባና፡ ምርጫታትና ዘመብርቕ መብራህትን ናብ ጐይታ ዝጓዓዝ ልብና ዘማሙቕ ሃልሃልታ እዩ ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር፡

ሰዓት 10 ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ቅዱስ ኣቦና ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ምስ ዝኣተዉ ናይ ፖላንድ መራሔ መግስቲ ማተኡሽ ሞራዋይስክይ ተራኺቦም ከምዘዘራረቡን

ሰዓት 10.30 ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ምስ ናይ ጀርመን ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡካን ከምእተራኸቡን

ሰዓት 11.00 ኣብ ነው ዚላንድን ፊጂን ደሴታት ኪክን ማርሻልን ኪሪባቲን ኑራናፓላዉን ሳሞኣን ኣብ ሚክሮነሲያ ቫኑኣቱ ፈደራላዊ መንግስታትን ኣብ ታንጋን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽን ኣብ ፓሲፊክ ኦሽን ሃገራት ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ናይ ታቦረታ ስዩም ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ማርቲን ክረብስ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን፡

ሰዓት 11.30 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ መግብን ሕራሻን ወድብን ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ ልምዓት ሕርሻ ደጋፊ ውድብን ኣብ ዓለም ሓቆፍ መግባዊ ውጥን ውድብ ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ቺካን

ሰዓት 12.00 ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ቤት ምኽሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ፍልዩ ልኡኽ ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ፓውሎ ሩደሊን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን

ሰዓት 12.30 ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ዓለም ሓቆፍ ናይ ምሩጽ ጋዜጠይና ሸላሚ ቢያጆ ኣኘስ ማሕበር ልኡካን ተቐቢሎም ቃለ ምዕዳን ከምዝለገሱ ንሕብር








All the contents on this site are copyrighted ©.