2018-06-04 16:05:00

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ከተማ ኦስቲያ፥ ቅዱስ ቁርባን ሕዛእቲ መንግስተ ሰማይ እዩ


ቅድሚ 50 ዓመት ከምቲ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ሰነ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ስጋሁ ወደሙ ዘእግዚእነ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ከተማ ኦስቲያ ሓውጾተ ኖልዎ ከምዘካየዱን፡ ድሕሪ እቲ ቅዱስ ቁርባን ኣምሪሑ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ዑደት ክሳብ ቁምስና ቅድስተ ማርያም ዘቦናሪያ መሪሖምን ሓዋያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡን ቅድሚ እዚ ቁዱስ ቁርባን ዘምርሔ ዑደት ኣብ ቅርዓት ቁምስና ቅድስቲ ሞኒካ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም እቲ ፍርሒ ዝሓላልዀ እሳሮ ምፍታሕን ሕጋዊ ጐደናታት ምርሃውን ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ለጊሶም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ቅዱስ ቁርባን ናይ መጻኢ እንጌራ ድሮ እንጥዕሞን ንዝዀነ ይኹን ትጽቢታትና ዝሓልፍ መዳርግቲ ዘይብሉ ዓቢይ ኢትኣላው ፍጻሜ እዩ፡ እቲ ብሉጽ ዝዀነ ልዑል ትጽቢታትና ዝዕንግል ብሉጽ መግቢ እዩ። ናይቲ ደሓር እንቕበሎ ጸጋ ሕዛእቲ መንግስተ ሰማይ ብዝብል ቃል ዝገልጽ ጭቡጥ ዕርቡን ምዃኑ ቅዱነቶም ነቶም ኣብ ቅርዓት ቁምስና ቅድስቲ ሞኒካ ኣብ ዝዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንዝተረኽቡ ልዕሊ 10 ሺሕ ዝገቱ ምእመና ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣገልግሎ ዜና ደቦራ ዶኒኒ ሓቢረን።

ንምልካውነትን ስልጣንን ሓላፍነትን ብዘይ ጉቡእ ምጥቃም ኣይፋል ብምባል ሓደስቲ ናይ ሕጋውነት መገዲ ምርሃው

ቅዱስ ኣቦና ነቲ ናይ ጐይታ ናይ መወዳእታ ድራር ዘዘንትው ቃለ ወንጌል ተወኪሶም ኢየሱስ ንኣና ስፍራን መግብን የሰናድወልና እዚ ኸኣ ኣንሕና እውን ብተራና ስንድዋት ክንከውን ዝሓትት እዩ፡ እዚ ንምፍጻም ናብ ከተማታትና ምእታው የድሊ፡ ኦስቲያ ብዝል ቃል ንገዛ ርእሱ ትርጉሙ፡ መእተዊ ማለት እዩ፡ ኢየሱስ ናይ ሸለተይናነትን ዘይምግዳስን ውዲታዊ ሱቕ ቢልካ ምርኣይን፡ ስልጣንን ሓላፍነትን ንናይ ገዛእ ርእሲ ጥቕምን ንመጋብርያ ዓመጽ ምጥቃምን ካልኦት ንምጭፍላቕን ዝብሉ መናድቕ ብምፍራስ ናይ ፍትሕን ቅጥዓውነትን ናይ ሕጋውነትን መገዲ ንኽንጸርግ እዩ ዝደልየና።

ናይ ኦስቲያን መሕምበሲ መዓጹ ባሕራ ናይ ጽባቔኣ መግለጽን ንሕይወት ክፍትቲ ክትከው ዝዕድማ እዩ፡ ነዚ ኰይና ንኽትርከብ ግና እቲ ካብ ፍርሕን ጭቆናን ዝነቅል እሳሮ ምፍታሕ የድሊ፡ ቅዱስ ቍርባን ብናይ ኢየሱስ ማዕበል ንኽንውሰድ መታን ገዝእ ርእስና ክንፈቅድን ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ቢልና ማዕዝንና እናሐለና ዝመጽእ ዝጽበዩ ንኸይንኸውን ይሓትተና፡ እቲ ንሱ ዝሓትተና እምበኣር ብሓድነትን ብትብዓትን ብነጻነትን መልሕቕና ስሒብና ክንሕንብስ እዩ።

ኢየሱስ ስፍራን መግብን የሰናድወልና

ኢየሱስ ኣብ ምድሪ እቲ ነኣና ዘሰናድወልና ስፍራ ቤተ ክርስቲያን፡ ንዅሉን ናይ ኵሉን ስፍራ፡ ንዅሉ ስፍራ ዘለዎ ቦታ፡ ኣብ ሰማይ ከኣ መንግስተ ሰማይ ዘሰናድወልና፡ ስለዚህ ነዚ ካብ ቅዱስ ቁርባን ዝወሃብ ስፍራን መግብን ብሓደ መዳይ ንቤተ ክርስቲያን ይወልድን ብሓድሽ ሕይወት የጠጥዕ፡ ብኻልእ መዳይ ከኣ ዘለዓለማዊ ዝዀነ ናይ ሰማይ እንጌራ ይኸውን።

ቅዱስ ቁርባን ካባይ ናባኻ ብምሕላፍ ዝትርጐም እዩ

ኢየሱስ ንኣና መግብን ስፍራ ክኸውን ኣንሕና እውን ብተራና ዘይንጽሉን ንኣይ ጥራሕ ንዘይምባል ብፍቕሪ ዝተበጽሑ ንፈለይትን ንዓይ በሃልትን ዕንቅፋት ክንከውን ይጽውዓና፡ መግቢ ዘይብሉ፡ ዝብላዕ ዘይብሉ፡ ዝተነጸሉን ንበይናውነት ዝተጠንጠኑን እዚኣቶም ንበይኖም ዝተሓድጉ ካልአ መንበረ ታቦት እያቶም፡ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ሎሚ እውን ከምቲ ወትሩ ዝምዕድዎ፡ ነቶም ድኹማትን ገዛእ ርእሶም ናይ ምክልኻል ዓቕምን ብቕዓትን ንዘይብሎም፡ መግብን ስፍራን ከነሰናድው ይዕድመና።

ንሱ ስሌናን ንኣናን ዝቝረስ እንጌራ ኰነ፡ ኣንሕና እውን ብተራና ንኻልኦት ዝቝረሱ እንጌራ ንኽንከውን ይሓትተና፡ ንገዛእ ርእሰይን ንኣይነተይን ንዘይምንባርን ንሓድ ሕዳዊ ምንባር ይዕድመና፡ ቅዱስ ቍርባናውነት ምንባር፡ ነቲ ካብ ኣከለ ክርስቶስ እንረኽቦ ፍቕሪ ናብ ዓለም ንኸንውሕዝ፡ ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሕይወት ካብ ኣነነትን ንኣይነትን ናብ ንሱነትን ንሳነትን ካልእ ዝትርጐም እዩ።

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ረዲዮ ኣገግሎት ዜና ኣስዒበን፡

ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን፡ ካብ ቅዱስ ቁርባን ንላዕሊ ዝዕንግልን ዘርውይ ካልእ ሓደ የልቦን

ምጥማይና ብመደባትን ብፍቕርን ብሰናይ ንእዶን ብህያባትን ብዘተራቐ ዕደ ጥበብ እውን ክምገብ የድልዮ፡ ይኹን ደኣ እምበር ከም ቅዱስ ቁርባን ገይሩ ዝዕንግልን ዘርወያናን ሓደ’ኳ የልቦን፡ ስለምንታይ ቅዱስ ቁርባን እቲ ምስ ኢየሱስ ክንራኸብን ፍቕሩ ከነስተማቕርን ዝገብረና እንኰ መግቢ ብምዃኑ፡

ኣብ ቅዱስ ቁርባን ንኢየሱስ ክትሰግድን ከተምልኽን ካብኡ መንፈስ ቅዱስ ትጽገውን ሰላምን ሓሴትን ትረክብ፡ ፍቱዋት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ነዚ ናይ ሕይወት መግቢ ንምረጽ፡ ቅዳሴ ኣብ ሕይወትና ቀዳምነት ንሃቦ። ኣብ ማሕብረሰብና ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ስግደን ኣምልዀን ዳግም ንኽስትውዓል ንግበር፡ ንእግዚኣብሔ ናይ ምጽማዕጸጋ ንለምን፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ንሱ ንኣና ብዘቕርበልና ዝጸግቡ ኣይንኹን፡ ንኣኡ ወትሩ ንጥመዮ፡

ፍትሕን ሰላምን ኣብ ጐደናታት ከተማታት ንብጽሕ

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መወዳእታ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን ኣምሪሑ ዝፍጸም ዑደት እናሓሰቡ፡ ኣብ ጐደናታት’ዛ ከተማ ምስቲ ናብ ቤትናን ክኣትወን ምጽንናዕን ከብጽሕ ምስ ዝፈትው ብፍላይ ኣብ ጽንኵር እዋን ምስ ኢየሱስ ኢና እንጓዓዝ፡ ማዕጾ ንኽፈተሉ ምስ በሉ፡ ሕውነትን ፍትሕን ሰላምን ኣብ ጐደናታትና ንምብጻሕ ስንድዋት ግበረና ብዝብል ጸሎት ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.