2018-06-04 16:09:00

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ ኤኮኖምን ቁጠባን፡ ነቢያዊ ተግባር ኣገዳሲ እዩ


ኤኮኖሚ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ትምህርትን ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ኣብ ኣስተምህሮታት ኣገዳሲ ቦታ እዩ ዝወሃቦ፡ ቅዱስነቶም ነዚጥልቂ ዝምልከዎ ጉዳይ ከምዝዀነን፡ ነቲ እዋናዊ ናይ ቁጠባ ሜላ እውን ብዝተፈላለየ ጐድንታቱ እናተተኑ ይነቕፉን ለውጢ  ከምዘድልዮ ይምህሩ፡ ነቲ ናቶም ኣስትመህሮ ዛዕባ ኤኮኖምን ቁጠባን ናቶም ዝበሩ ኣፋፈርትን ትካላትን ከምዘለውገ ጋዜጠናን ደራስን ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ፕሮፈሰር ሉጂኖ ብሩኒ ይገልጹ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮን ቃለ ምዕዳንን ዕለት 2 ሰነ 2018 ዓ.ም. ንፕሮፈሰር ሉዊጂኖ ብሩኒ ብግሊ ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ናይ ሓሳብ ልውውጥ እውን ዝተዘራረብሉ ነጥቢ ምዃኑ ባዕሎም እዞም ናይ ሱታፌ ኤኮኖምን በርገሳዊ ኤኰኖምን ኣብ ዝብሉ ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሜላ ጽኑዕ እማኔ ዘለዎም ፕሮፈሰር ድሕሪ እቲ ርክብ ምስ ቅዱስ ኣቦና ምስ ቫቲካን ረዲዮ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም፡

ወንጌልን ኤኮኖምን

ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሕቶታት ንመልእኽቲ ወንጌል ድንጽውን ዘይዛመድን ግዳማውን ከምዘይኰነ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ኤኮኖምን ቁጠባን ክዛረቡን ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ቃለ ምዕዳን ክልግሱን ብዛዕባ ሰብኣዊ ዕዮን ዕዳጋን ኣብ እንነብረሉ ዕውሉም ሕብረተሰብ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዘይተመዓራረየ መነባብሮን ናብራን ርእሰ ጉዳይ ክዛረቡ ደጋጊሞም ዘስምሩሉ ሓሳብ ምዃኑ ፕሮፈሰር ብሩኒ ሓቢሮም፡ ቅዱስነቶም ዘመላኽትዎ ስነ ኤኮኖሚ ናይ ኣሲዚ ኤኮኖሚ እምበር ናይቲ ብዎል ስትሪ ዝጽዋዕ ናይ ዕዳጋን ቁጠባን መምዘኒ ዝስዕብ ኣይኰነን፡ ስለዚህ ንዓለም ብመንጽር ወይ ብሕይወት ኣልኣዛር እዮም ክርእይዎ ዝደልዩ ብሓቂ ቅዱስ ኣቦና ይብሉ፡ ወንጌል ኣብ ማእከል ድኻታት ምንባብ ናይ ዝብል ውህበን ውበትን ናይ ቤተ ክርስትያን ባህሊ ዓቢይ ምስክር እዮም።

ኤኮኖሚ ክፍሊ ሕይወ እዩ፡ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ፍጥረት ሰብ ይሰርሕ የምርት የህልኽን የቐምጥ እውን፡ ስለዚህ ቅዱስ ኣቦና ስነቕፍዎ ዓይነት ኤኮኖሚ እቲ ካብ ጭቡጥ ሕይወት ዝተነጸለ ዓይነት ኤኮኖሚ እዩ፡ ነቲ ህልው ኩነታት ዓለም ብምትንታን ብጥልቂ ብምምርማር እውን ኣብ ዓለም ሓድሽ ዓይነት ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ሜላ ከምዘድሊ የተሓሳቡ፡ ማለት ኣብ ሱታፌ ዝጸንዔን ኣብ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተመስረተ ኤኮኖሚ እዮም ዝምህሩ፡

ኣብ ኤኮኖሚ ዓለም እውን ነቢያዊ ተገባር ከዘድሊ ይምዕዱ፡ ነዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ዝነብሩ ብዙሓት ሰብ ትካላትን ኣውፈርቲ ሃብቲ ገንዘብን ኣለዉ፡ ብቐረባ እውን ዝፈልጥዎምን ንገዛእ ርእሶም ናይዚ ዓይነት ኤኮኖሚ ሰዓቢ ምዃኖም ዝገለጹ ፕሮፈሰር ብሩኒ፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ኤኮኖሚ ካብ ቀደም ሎሚ ብርቱዕ ናይ ሜላ ለውጢ ዘድልዮ ምዃኑ እቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ዘይምዕሩይ ማሕበራዊ ናብራን፡ ናይ ድኻታት ብዙሕ ክብ እናበለ ዘኽይድ ዘሎ ኢፍትሓዊ ቁጠባውን ኤኮኖሚያውን ኩነት ዝሕብሮ ምዃኑ የመልክቱ፡ ብሓጺሩ እታ ይሴባሕ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ምንባብ ይኣክል።

እቲ ዘፍርሕ እቲ ኣብ መንጐ ደሞክራስን ኤኮኖምን ዘሎ ጥልቅን ዝተሓላለኸን ምትእስሳር እዩ፡ ኤኮኖሚ ስርዓት ምሕደራን ፖሊቲካን ዝውስን እናዀነ ኣብ ብዙሕ ሃገራት ዓቢይ ጸገም የስዕብ ኣሎ፡ ኣብ ዝማዕበላ ሃገራት ከይተረፈ፡ ኤኮኖሚ ንስርዓት ደሞክራሲ ይድርት ኣሎ፡ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ዓንዲ ነጻነትን ማዕርነትን ሕውነትን ዝብሉ ዕሴታት እያቶም፡ ማለት እዚ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝብልዎ ኣብ ሱታፌ ዝጸንዔን ኣብ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተመስረተ ኤኮኖሚ ወሳኒ እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.