2018-06-02 16:12:00

ናይ መላእ ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ኣፍሪቃ ንሕንጻ ቤተ ክርስቲያን


ኣብ ኣንጐላ ናይ ሰበኻ ሉባንጐ ሊቀ ጳጳስን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ጋብሪኤል ምቢሊንጂ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ምትሕብባርን ምድግጋፍን ሕውነትን ንምስፋሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እቲ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ምስ ካልኦት ሃገራት ኣውን ብኩላውነት ዝነብሮ ሕብረት ኣብነት እዩ ይብሉ።

ኣብ ደሴት ማዳጋስካር ርእሰ ከተማ ኣንታናንሪቮ ኣብ መንጐ ናይ  ጀርመን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ድሕሪ ዝተኻየደ ርክብ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሕብረተ ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ምቢሊንጂ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ንናይ ሰብኣዊ ምሉእ ክለንተናዊ ዕብየት ዝሓልይ ተልእዀ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ እትነብርን ምዃና ሓቢሮም፡ እቲ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሕብረት ብጠቕላላ ናይ 37 ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዝሓቁፍ ክኸውን እንከሎ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን መንእሰይ ብዝነበሩ ብፁዓን ጳጳሳት ኣፍሪቃ ካብ 1962 ክሳብ 1965 ዓ.ም. ኣብ ዝነበረ እዋን ዝተመሰረተን ናይ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ሓደ ድምጺ ኰይኖም ብሓደ ድምጺ ብዛዕባ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ንቤተ ክርስቲያንን ንዓለምን ክዛረቡን፡ ብሓደ ድምጺ ኣፍሪቃዊ ቤተ ክርስቲያን ምዃን ኣብ ኣገባብ ኵላውነት ቤተ ክርስቲያን ክዛረቡን ብዛዕባ ምዃን ኣፍሪቃዊት ቤተ ክርስቲያን ክዛረቡ ብዝብል ድላይ ዘቖምዎ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

እዚ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ኣባይቲ ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ንፈለማ ግዜ ካብ ኡጋንዳ ብፍቓድ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተበገሰ ምዃኑ ዘዘካኸሩ ብፁዕ ኣቡነ ምቢልንጂ ኣስዒቦም፥

ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣፍሪቃ ከም ናይ እግዚኣብሔር ስድራ

እቲ ናይ መላእ ሃገራት ኣፍሪቃን ማዳጋስካርን ብፁዓን ጳጳሳት ሕብረት ዘለዎ ናይ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን ራእይ፡ ስድራ ቤት እግዚኣብሔር ዝብል እዩ፡ እዚ ኸኣ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2009 ዓ.ም. ካልኣይ ሲኖዶስ ንኣፍሪቃ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ዝበልዎ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ኣፍሪቃ ቤተ ክርስቲያን መለለዪ መንነት ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ቤታውነት እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎን ተልእኾኣ ድማ ዕርቅን ፍትሕን ሰላምን ዝብል ምዃኑ ዘስመሩሉ ሓሳብ ምንባሩ ብፁዕነቶም ብምምልካት፡ ኣስዒቦም ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ክፍሊ ዓለም እያ፡ ምኽንያቱ ካብ መላእ ህዝባ እቲ ኣብላጺ ብመንእሰይ ዝሽፈን ብምዃኑ እዩ ይብሉ።

መንእሰያት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪቃ ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ መላእ ሰብኣዊ ተስፋ እያቶም፡ ነዚ ሓሳብ’ዚ ብጥልቅን ብትኽክል ድማ  ባዕሎም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16፥ ንመላእ ዘርኢ ሰብ ዓቢይ መንፈሳዊ ሳንቡእ እዩ እንክብሉ ኣብ ዝገለጽዎ ሓሳን ዝስትውዓል እዩ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።








All the contents on this site are copyrighted ©.