2018-05-29 15:39:00

ክሳብ ወርሒ ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ኣቦና መርሓ ግብሪ ሓዋርያዊ መገሻ


ቅዱስ ኣቦና ዕለት 3 ሰነ 2018 ዓ.ም ሓውጾተ ኖልዎ ኣብ ከባቢ ሮማ ኣብ እትርከብ ክተማ ኦስቲያ ክፍጽሙ ከምዝዀኑን፡ ሰዓት ሽዱሽተ ኣጋ ምሸት ኣብ ኦስቲያ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉን ጸሎት ቡራኬ ከመርሑን ከምዝዀኑ ናይ ቅስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣብ ናይ ዕለት 29 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ዘውጸኦ መግለጺ የመልክት።

ዕለት 21 ሰነ 2018 ዓ.ም. ኣብ ጀነቭ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ዘተ ዘተኰረ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱን ዕለት 28 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ኣርባዕተ ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካርዲናላት ንኽዀኑ ንዝሰመይዎም ማዕርግ ካርዲናል ክሰርሑ ምዃኖም መግለጺ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተን ኣፍሊጡ።

ዕለት 29 ሰነ ዓመታዊ በዓል ቅዱሳት ጴጥሮስን ጳውሎስን ምኽንያት ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዕርጉን ንሜጥሮፖሊታ ሊቃነ ጳጳሳት ኣክሚም ባሪኾም ክህቡ ምዃኖም ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ምግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ዕለት 7 ሓምለ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ኣብ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ምእንቲ ሰላም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ዝዓርግ ጸሎት ክሳተፉ እዮም፡ ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ክሳተፉ ከምዝዀኑ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.