2018-05-28 18:58:00

ታሕጓስ ክርስትያንሲ ጭርምራም ፈንጠዝያ ዘይኮነስ ሰላም ናይ ክርስቶስ እዩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ናይ ጥቅሚ ሕቡሳት ዘይኮነስ ናይ ታሕጓስን ምጽንናዕን ሰባት ንኹን’ እንክብሉ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ታሕጓስ ሰቢኾም፣

ታሕጓስ እስትፋስ ክርስትያን እያ! እዛ ሓጐስ እዚኣ ግን ካብ ሓቀኛ ሰላም ትምንጩ ኰይና ካብዚ ናይ ዘመንና ባህሊ ኣብ ዝተፈላለየ ተውዛሕታሕን ፈንጠዝያን እናዓደመ ንደሰት ንተሓጐስ ክብል ንጭርምራም ናይ ጥዑም ሕይወት ብምዕዳም ዘቅርቦ መደናገሪ ኣይኮነን፣ ርግጽ እዩ ፈተና ኣሎ! ጸገም ኣሎ! ኮይኑ ግን ታሕጓስ ክርስትያን ካብ ልቢ ዘይንቅነቅ ናይቲ ክርስቶስ ዝህቦ ሰላም እዩ ምንጩ፣ በዚ ከኣ ኩለንትናኡ ሓጐስ ይኸውን፣

ቅዱስነቶም ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ቀዳመይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ‘ኣብ ሰማይ እቲ ዘይበርስን ዘይረክስን ዘይበላሾን ርስቲ ተሰናድዩ ይጽበየኩም ኣሎ፣ ምእንቲ እቲ ኣብ መወዳእታ ዘመናት ኪገሃድ ዚቐርብ ዘሎ ድኅነትኩም እግዚአብሔር ብኃይሉ ገይሩ ኣብ እምነቱ ይሕልወኩም ኣሎ፣ ስለ’ዚ ሽሕ’ካ ሕጂ ንቑሩብ ጊዜ በብዓይነቱ ዝኾነ ፈተና እንተ ኣጨነቀኩም ብኣኡ ዚኣክል ታሕጓስኩም ምሉእ ኪኸውን እዩ’ንስኻትኩም ብሓይሊ ኣምላኽ ብእምነት ነቲ ብዳሕራይ ዘመን ኪገሀድ ዘለዎ እተዳለወ ምድሓን ተሐሊኹም አሎኹም።’ (1.4-6) ኣብ ዚብል ተመርኲሶም ሓቀኛ ክርስትያን ሕጉስ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል ኢሎም፣

‘ታሕጓስ ክርስትና ናይ ሓደ ክርስትያን እስትንፋስ እዩ፣ ብልቡ ሕጉስ ዘይኮነ ክርስትያን ጥዑይ ክርስትያን ኣይኮነን፣ ንታሕጓስ ክርስትና መንግለጺኡኸስ እስትንፋስ እዩ፣ ብገንዘብ ዝዕደግ ወይውን ብሓይሊ ዝርከብ ኣይኮነን፣ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ንታሕጓስ ክርስትያን ኣብ ልቢ ክርስትያን ከምዝሓድር ዝገብሮ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ናይዚ ታሕጓስ እዚ ቀዳማይ ስጉምቲ ሰላም እዩ፣ ተሪር እምኒ መሠረት ናይ ታሕጓስ ክርስትና ዝኽሪ እዩ፣ ነቲ ጐይታ ንዓና ዝገበረልና ነገራት ክንርስዖ ኣይንኽእልን፣ ጐይታ ንዓና ዝገበረልና ዓቢ ነገር ነቲ ምስ ክርስቶስ እንራኸቦ ዝጽበየና ዘሎ ብተስፋ ንክንጐዓዝ ንሓዲስ ሕይወት ዳግም ወሊዱና፣ ዝኽርን ተስፋን ከስ ንሓደ ክርስትያን ብታሕጓስ ንክነብር ካብ ዝገብርዎ ኣዕኑድ እየን፣ እዚ ታሕጓስ እዚ ባዶ ታሕጓስ ናይ ህውተታ ታሕጓስ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነቲ ሰላመይ እህበኩም ኣሎኹ ቢሉ ጐይታ ዝዓደሎ ሰላም ምስትምቃር ቀዳማይ ስጉምቲ ናይዚ ታሕጓስ እዩ፣

‘ታሕጓስ ማለት ሰሓቅ ብሰሓቅ ምንባር ኣይኮነን፣ ምዝንጋዕን ፈንጠዝያን ኣይኮነን፣ ካልእ ነገር እዩ፣ ክርስትያናዊ ታሕጓስ ሰላም እያ፣ እዚ ሰላምዚ ኣብ መሰረት ኩሉ ኮይና ናይ ልቢ ሰላም እያ፣ ነዚኣ ክህበና ዝኽእል ከኣ እግዚብሔር ጥራሕ እዩ፣ ታሕጓስ ክርስትያንከስ እዚ እዩ፣ ነዚ ታሕጓስ እዚ ምዕቃቡ ግን ቀሊል ኣይኮነን፣

ዘሎናዮ ዘመንን ዓለምን ቈቈንጢሮ ናይ ደስታ ሕይወት እዚ እዩ እናበሉ በዘየጉስ ነገራት ንክሕጐሱ ዝዕድም ባህሊ ኣጥርዩ  ንክዘናጋዕ ዘይፍቅሎ እምኒ የብሉን፣ ኮይኑ ግን ታሕጓስ ካብ ዕዳጋ ትሽምቶ ኣይኮነን ታሕጓስሲ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ እዚ ስለዝኾነ ከኣ ወላ ፈተናን መከራን እንተሎውን ሕጉስ ሕይወት ይንበር፣

‘ኣብዚ ዘመንና ዘፍርሑ ጽቡቅን ሕማቅን ኩነታት ኣለዋ፣ እታ ሓንቲ ኣብ ኩሉ ውሕስነት ሃሰው ምባል ኮይና እታ ሓንቲ ከኣ ዝገበርካ ገርካ ክትዘናጋዕ ክትድሰት ምድላይ እየን፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ዝቀረበ ወንጌል እቲ ሃብታም መንእሰይ ዘሎካ ኩሉ ሸጥካ ንድኻታት ዓድል ድሕሪኡ ሰዓበኒ ምስ በሎ ንሃብቱ ክገድፍ ኣይደለየን፣ ከመይ ውሕስነትን ባህታን ይፈጥረሉ ነሩ፣ ክርስትያናዊ ሓጐስ ምስኣኑ ከኣ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ፍጹም ክኸውን እንታይ እግበር ኢሉ ይሓቶ፣ ዘሎካ ኩሉ ሺጥ ምስ ተባህለ ግን ካብ ገንዘቡ ክፍለ ኣይደለየን፣ ስለዚኸስ ነታ እስትንፋስና ዝኾነ ክርስትያናዊ ታሕጓስን ምጽንናዕን ጥራይ ምዃኑ ንዘክር፣ እንክብሉ ስብከቶም ደምዲሞም፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.