2018-05-26 16:46:00

ኣብ ቨነዚያ ክልተ ዓመታዊ ምርኢት ስነ ንድፊ ሕንጻ ሱታፌ ቅድስቲ መንበር


ቅድስቲ መንበር ኣብ ኢጣሊያ ደሴት ቅዱስ ጊዮርጊስ ዓቢይ ካብ ዕለት 25 ግንቦት ክሳብ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝካየድ ናይ ስነ ሕንጸት ንድፊ ምርኢት ናይ ገዛእ ርእሳ ፍሉይ ኣዳራሽ ተዋሂብዋ ትሳተፍ ከምዘላ ኣብዚ መደብ ምርኢት ስነ ንድፊ ሕንጻ ቅድስቲ መንበር ካብ መላእ ናይ ስነ ንድፊ ሕንጻዊ ባህላዊ ሃብታ 10 ብናይ ዘመንና ዓለም ሓቆፍ ተፈላጥነት ብዘለዎ ናይ ስነ ንድፊ ሕንጻ ሊቃውንቲ ንድፊ መሰረት ዝተሓንጻ ኣቢያተ ጸሎት ኣሳእሉን ንድፍታቱን ስነ ጥበባውን ግሩም ጽባቔታቱን ብዘርእይ ፍጥረት ሰብ ምስ ደረት ሰገር ናይ ምርኻብ ዘለዎ ባህርይ ዝማርኽን ዘበራብርን ዘለዎ ዕቑር ጥበባዊ ሓይሉ ከስምዕ ብዝኽእል ዓይነት ኣገባብ ንምርኢት ተቐርብ።

እቲ ናይ ቨነዚያ ክልተ ዓመታዊ ናይ ስነ ንድፈ ሕንጻት ምርኢት ናይ ለምዘበን መበል 16 ክኽውን እንከሎ። ንምርኢት ካብ ዝቐርቡ ኣባይቲ ጸሎት እታ ኣብ 1920 ዓ.ም. ኣብ ስቶኮልም ናይ መቓብር ስፍራ ዝተሓንጸት ቤተ ጸሎት ዘቦስኮ ናይ ጉናር ኣስፕሉድ ጥበባዊ ስራሕ ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝከኣል ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸቺሊያ ሰፒያ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሃይማኖታውን ምእመናዊ-ዓለም ኣብ መንፈሳዊ ንግደት

ኣብቲ ምርኢት ምስታፍን ምብጻሕን ሃይማኖታውን ምእመናዊ-ዓለም መንፈሳዊ ንግደት ምንባር ማለት እዩ፡ ብርግጽ ኣብተን ንምርኢት ዝቐርባ ኣባይቲ ጸሎት ደረት ሰገር ጽባቔን ጥበብን ውሳጣዊ ጽሞናን ሕውነታዊ መንፈስን ተስተውዕል፡ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ጥበብን ዘሎ ውሁድ ቅኑይ ስምምዕ ተስተማቕር፡ ሕውነታዊ መንፈስ ኣብቲ ኣባይቲ ጸሎት ምእመናን ብሓባር ጸሎት ከዕርጉን ኣብ መስዋዕተ ቅዳሴ ክሳተፉን ዝነብርዎ መንፈስ ኣዩ፡ ኣብ መንጐ ሰብኣዊ ፍጥረትን ምህዳርን ዘሎ ፍጹም ስምምዕ ተደንቕ እዚ ኸኣ ናብታ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ይሰባሕ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ይመርሓካ፡ ቆስሞሳዊ ስሙርነት ጽን ትብል ተንብብ ትሰምዕ እዚ ናይት ናይ ቅድስቲ መንበር እተቕርቦ ምርኢት ዘሕድሮ መንፈስ ምዃኑ  ናይ ቫቲካን ኣባይቲ መዘክር ዘመናውን  እዋናውን ስነ ጥበብ ክፍሊ ሓላፊት ሚኮል ፎርቲ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድኦ ቃለ መሕትት ሓቢረን።

ስነ ጥበብን እምነት

እቲ ንምርኢት ዝቐረበ 10 ኣባይቲ ጸሎት ብቐጥታ ኣዘራርባ ዝተባርከ ቤተ ጸሎት ዝውክል እውን እንተዘይኰነ ናይ ሕንጻ ንድፍታቱ ውሱንነትን ኢትኣላውነት ዘመላኽት ኣዩ፡ ኣብ ማእከሉ ተምሳል መንበረ ታቦት ዘለዎ ንኢድ የማን ከኣ ኣጥራኖስ ወይ መቖምያ ዘለዎ እዩ፡ እዚ ኽኣ ቤተ ጸሎት የብሎ፡ ብሓጺሩ ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን እምነትን ዘሎ ርክብ ዝምስክር ምዃኑ ናይቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ምርኢት ዝመርሑ ፍራንቸስኮ ዳል ኮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም፡ ኣብ 800 ዓመታት ኣብ መንጐ ስነ ጥበብን እምነትን ምብትታኽ ወይ ፍትሕ ተፈጢሩ ከምዝነበረ ኣብ ዝገልጽ ታሪኻዊ ሓቂ ተወኪሶም እዞም ኣባይቲ ጸሎት ኣብቲ እዋን ዝተሃንጹ እውን እንተዀነ ስነ ጥበብ መስቀልን መንበረ ታቦትን ኣጥራኖስብ ዘለዎም ኰይኖም ክህነጹ ልሙድ ኰይኑ እዩ ዝቕጽል ዝነበረ ስለዚህ እቲ ፍትሕ ዘተዓርቕ ሃዋሁ ከም ብሓድሽ ክቀላቐል ጀሚሩ እነሆ እቲ ኣብ መንጐ እምነትን ስነ ጥበብን ዘሎ ምትእስሳር ተክሊላዊ ክሳብ ዘምስል መረጋገጺ ከምዝዀነ ጳጳሳዊ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ብፁዕ ካርዲላን ጃንፍራንኮ ራቫዚ እውን ብወገኖም ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብዝ አካየድዎ ቃለ መሕትት ሓቢሮም። 








All the contents on this site are copyrighted ©.