2018-05-25 16:31:00

ዘደናግር ወይ ተምያናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ


ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ብኽልተ ጋዜጠይናታት፥ ጋዜጠይና ነሎ ስካቮን ጋዜጠይና ሮበርቶ ቤሬታን ዘደናግር ወይ ተምያናዊ ሓበሬታ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ዝስደረስዎ መጽሓፍ ንንባብ ከምዝበቕዔን እቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦናን ተክለ ሰብነት ዝበሃል ወይ ዝንገር መሰረት ኣልቦ ዝኸኑ ናይ ሓሶት ዜናታት ኣብ ሓደ ጠርኒፉ ዘቕርብ እዩ።

ብዛዕባ ናይ ሓሶትን ተምያናዊ ዜናታት ብዙሕ መጽሓፍ ተጻሒፉ እዩ፡ ሓደ ዜና ሓሶት ምዃኑ ከመይ ገርካ ክተፈልጦ ከምእትኽእል እቲ ዝቐረበ ዜና ሓሶት ምዃኑ ምስ እትፈልጥ ስለምታይ ከምእተጽሓፍን ክወቕዖ ዝደለዮ ሸቶ ፈሊኻ ንኸተለልይ ዝሕግዝ መጽሓፍ እዩ፡ ኣብ ጋዜጣታት ድዩ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝንዛሕ ብዙሕ ናይ ሓሶት ዜና ኣሎ፡ ንሃገራት ድዩ ንመራሕትን ንፖለቲካ እውን ፈልዩ ዝወቕዕ እዩ፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ናይዚ ዓይነት ዜናታት ዒላማ ተገይሮም እዮም፡ ናይ ሓሶት ዜና ካብ ጥንቲ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ በቲ ዘሎ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቀ መራኸቢ ብዙሃን ኣቢሉ ብዝሓጸረ እዋን ክሰፍሕ ይረአይ፡ ከምዚ ብምዃኑ ኣብ ናይ ዓለም መድረኽ ዓቢይ ቆላሕታ ረኺቡ ርእሰ ጉዳይ እውን ኰይኑ ኣሎ።

ናይቲ መጽሓፍ ዕላማ

ካብቶም ክልተ ነቲ መጽሓፍ ካብ ዝደረሱ ጋዜጠይና ነሎ ስካቮ ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እታ ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ተጻብኦን፡ ነቲ ንሶም ዝደልይዎ ሕዳሴ ዘተዓናቕፉን ዝቃወሙን እንታዎት እያቶም ዝብሉን ቅዱስነቶም ዘጋጥሞም ተቓውሞ ብሰፊሕ ዝትንትን ጸላእቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘርእስታ መጽሓፍ ተሓቲማ ንንባብ ምስ በቕዔትት፡ ምስ ኣንበብኩዋን ይብሉ ብዛዕባ ዘደናግር ዜና ኣብ ጉዳይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብል መጽሓፍ ንኽደርሱ ድላይ ከምዝሓደሮም እውን ሓቢሮም፡ ንቕዱስነቶም ብቐጥታ ዝትንክፉ ብዛዕባኦም ብዝተፈላለየ መገዲ ዝንዛሕ ሓበሬታ ብምእካብ ከምእተበገሱ ድማ  የመልክቱ።

ነቶም ኣብ ናይ ማዕከናት ዜና ዝሰርሑን ሰብ ሙያ ጋዜጠይናታትን ኣብ መራኽቢ ብዙሓን ዝዓዩን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንዝዋፈሩ ጥራሕ ዘይኰነ ናብ ኩሉን ብፍላይ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ዜናታት ዝምልከት ጉዳይ ንዘገድሶም ሰፊሕ መረዳእታ ዝህብ መጽሓፍ እዩ ኢሎም።

ክልቲኦም ደረስቲ ነቲ መጽሓፍ ንንባብ ንምብቃዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፥ ካብቶም ብዙሓት ብዛዕባ ቅዱስነቶም ዝበሃሉን ኣብ ልዕሊኦም ዝንዛሕ ናይ ሓሶት ዜናታትን ዝመሓላለፉ ሓበሬታ ውሽጢ ብቐንዱ ካብቶም ናይ ወቀሳ ዜናታት 80 ብምሕራይ፡ ንኣብነት ገና ኣብ ኣርጀንቲና ርእሰ ከተማ ቡዌኖስ ኣይረስ ሊቀ ጳጳስ እንከለዉ ኣብቲ እዋን ኣብ ሃገሮም ዝነበረ ምልካዊ ስርዓት ታሪኽ ብምብጋስ ሊቀ ጳጳስ እንከልውን ደሓር እውን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ብዛዕባኦም ዝበሃሉ ኣዚዮም ኣገደስቲ እያቶም ዝብልዎም ተራኻብነት ዘለዎም ፈልዮም ብምልላይን ብምቕራብ ስለምንታይ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ምዃኖም ብሰፊሕ እተብርህ መጽሓፍ ምዃና ከምዘመልከቱን፡  ስለዚህ ኣብ ልዕሊ ቅድሱነቶም ዘይተኣማንነት ንምፍጣር ዝኣመቱ ካብ ዝንዝሑ ዜናታት እቶም ኣዚዮም ኣገደስቲ ዝዀኑ ብምልላይ ናይ ሓሶት ዜናታት ምዃኖም ብስነ ኣመክንዮ መሰረት ኣትትንትን መጽሓፍ እያ ከምዝበሉ ነቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ልዊዛ ኡርባኒ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.