2018-05-24 16:08:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መርሓ ፍጻሜታት፡


ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ትዊተር ብእተሰምየ ማሕበራዊ መረብት ብዘሎ @Pontifex - ኣት ፖንቲፈክስ ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፥ ሎሚ 24 ግንቦት ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ድንግል ማርያም ረዳኢተ ክርስቲያን ዘሸሻን ብጸሎት ምስ ካቶሊካዊ ማሕበረሰብ ቻይና ንሕበር  ዝብል መዓልታዊ መልእኽቲ ከምዝፈነዉ ንሕብር፡

ናይ ቅዱስ ኣቦና ናይ ሎሚ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. መርሓ ግብሪ ፍጻሜታት፡ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ትሽዓተ ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኣግሪጀንቶ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፍራንቸስኮ ሞንተነግሮን ሰዓት 09.30 ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረርን፡ ሰዓት 10.00 ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኰሎምቢያ ልኡከ መንግስቲ ንኽዀኑ ብመንግቲ ሓገሮም ዝተሸሙ ጁሊ ዮኣኒባል ሪኣኞ ቨላንዲያ ናይ ሹመት ደብዳቤ ከምእተቐበሉን፡ ከምኡ እውን ሰዓት 10.30 ኣብ ሲንጋፑር ናይ ቅድስቲ መንበር ልኡኽን ዘይተቐማጢ ኣብ ቨትናም ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ማአክ ዛለውስኪን፡ ሰዓት 11.00 ኣብ ጓተማላ ሰበኻዊ ስዩም ጳጳስን ናይ ሳንቲያጎ ደ ጓተማላ ሰበኻ ሓዋርያዊ መስተናብር ብፁዕ ኣቡነ ራውል ኣንቶኒዮ ማርቲነዝ ፓረደስን፡ ሰዓት 11.30 ን Visita ad Limina Apostolorum ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባዚሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላምን ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምርኻብ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ብዝገብርዎ መደብ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሰረት ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዉ ናይ ባንግላደሽ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ተቐቢሎም ከምዘዘራርቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.