2018-05-24 16:14:00

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ሮማ፡ ጸሎት ኣብ መንበረ ቅዱሳት ትሩፋ ሓዋርያት


ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ባዚሊካ ቅዱሳት ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዝሙርቲ ተረኺቦም ኣብ ቅዱስ ኣጽም ሓዋርያ ቅዱስ ፊሊጶስን ቅዱስ ያዕቆብን ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ትሩፋት ቅዱሳት ፊት ጸሎት ከዕርጉን ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ እዮም።

ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ዕለት 23 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ሮማ ከምዝኣተዉን ሮማ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱሳት ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዝሙር መፈሳዊ ንገድ ፈጺሞም ኣብ መንበረ ቅዱሳት ትሩፋት ቅዱስ ፊሊጶስን ያዕቆብን ጸሎት ኣዕሪጎም ምስቶም ነቲ ባዚሊካ ዝናብዩ ናይ ልኡካን ማሕበረ ኣባላት ንኡሳን ኣሓው ገዳማውያን ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ማርኮ ታስካን ምስ ላዕለዎት መማኽርቶም ገዳማውያን ካህናት ተራኺቦም ነቶም ኣብቲ ናይ ጸሎት ስነ ስርዓት ንዝተሳተፉ ምእመናንን መፈሳውያን ነጋድያን ሰላታኦም ከምዘቕረቡ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሚከለ ራቪያርት ሓቢሮም።

ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ብምኽንያት እቲ ብቕዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳማዊ ዝተመስረተ ዝኽሪ መበል 25 ዓመት ምስረታ Fondazione Centesimus Annus – pro Pontifice - ትካል ረድኤት ምእተ ዓመት ደጋፊ ር,ሊ.ጳ. ሓደስቲ ፖለቲካን ኣገባብ ሕይወት ኣብቲ ብስነ ኣሃዝ ኣብ ዝተራቐ መዋዕል ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝተሰናደዎ ዕለት 26 ግንቦት ዝዛዘ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኸፍተ ዓውደ ጉባኤ ይሳተፉ ምህላዎም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት የመልክቱ።

እዚ ናይ ቤተ ክርስቲያን ጠመቕ ትምህርቲ ማሕበረሰብኣዊ ንምስፋሕን ኣብዚ ትምህርቲ ማሕበረሰብኣዊ ቤተ ክርስቲያን ዘተኰረ ፍሉይ መጽናዕቲ ንምንቕቓሕ ብዝብል ድላይ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግምዊ ዘቖምዎ ማሕበር ኣብ ዝጠለቦ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ዝሳተፍሉ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መዕጸዊ ዕለት ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳምዊ ክርስቲያናዊ መርሓ ግብሪ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣሞርኵይዞም ኣስተምህሮ ክልግሱ ምዃኖምን ቅድሚ እዚ ናይ መዕጸዊ መደብ እቲ ዓውደ ጉባኤ ንጐሆ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝራኸቡን፡ ብፁዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ዝርከብዎም መላእ ተጋባእያን ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ንጉሳዊ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡን እውን ምዃኖም ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ራቪያርት ኣፍሊጦም።








All the contents on this site are copyrighted ©.