2018-05-23 16:34:00

ኣብ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መገዲ ንዝከታተሉ ጸጋ ስርየተ ሓጢኣት


እቲ ካብ ዕለት 21 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 26 ነሓሰ 2018 ዓ.ም. ኣብ ኣየርላንድ ርእሰ ከተማ ዱብሊን ኣብ ዝካየድ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን መገዲ ንዝሳተፉ ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ዕለት 21 ግንቦት ዝክረ በዓል ቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ናይ ምሉእን ከፊላውን ስርየተ ሓጢኣት ናይ ኣዋጅ ሰነድ ከምዘመሓላለፉ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ብወግዒ ከምዘፍለጠ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።

ምሉእ ስርየተ ሓጢኣት

ኣብቲ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ዘውጽኦ ሰነድ ምሉእ ወይ ከፊላዊ ስርየተ ሓጢኣት ኣዋጅ ቅዱስ ኣቦና ከምዝሕብሮ፡ ስርየተ ሓጢኣት ብፍቓድ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝዀነ ይዅን ዓይነት ሓጢኣት ንምርሓቕ ጽኑዕ መንፈስ ንዘርእዩ ምእመናን ክኸውን እንከሎ በዚ መሰረት ከኣ እቶም ኣብቲ ኣብ ዱብሊን ኣብ ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ብቐጥታ ንዝሳተፉን ወይ ውን ብተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ንዝሳተፉ ምሉእን ከፊላውን ስርየተ ሓጢኣት ክጽግዉ ምዃኖም ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸንቶፋንቲ ኣስዒቦም፡ እቶም ብመንፈስ ኣብቲ ናይ ዱብሊን ጉባኤ ኣባይቲ ስድራ ዝሓብሩ ኣብ ስድራ ቤቶም እታ ኢየሱስ ዝመሃረና ጸሎትን ጸሎት ተኣምኖተ ሃይማኖትን ካልኦት ጸሎታት ብምድጋም መለኰታዊ ምሕረት ክልምኑ ዝብል ኰይኑ እቲ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ከምዘመልክቶ እውን ብፍላይ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ጉባኤ ተረኺቦም ዝልግስዎ ቃለ ምዕዳን ብቐጥታ ኰነ ብዝተፈላለዩ መራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ምክትታል ዝቐርብ ክኸውን ዝበለጸ ምዃኑ ከምዘመልከተ ኣፍሊጦም።

ከፊላዊ ስርየተ ሓጢኣት

ብዝተጣዓሰ ልብን መንፈስን ኣብ እዋን እቲ ታሽዓይ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዝካየደሉ እዋን ምእንቲ ኣባይቲ ስድራ ጸሎት ንዘዕርጉ ዝምልከት ከምዝዀነ እውን ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ መግለጺ ጳጳሳዊ ቤተ ኑዛዜ ጠቒሶም ይሕብሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፥ ኣብቲ ጉባኤ ካብ ሚእትን ሰለስተን ሃገራት ዝተዋጽኡ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ጳጳስዊ ቤት ጽሕፈት ብጠቕላላ ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ኣስታት 22 ሺሕ ንኽሳተፉ ከምእተመዝገቡን፡ ካብ ፍርቂ ንላዕሊ ካብ ኣየርላንድ ወጻኢ ዝመጹ ከምዝዀኑን፡ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ብመንእሰያት ዝሽፈን ምዃኑ ነቲ ናይ ተመዝገብቲ ሰነድ ጠቒሱ ከምዝሓበረ ቸንቶ ፋንቲ ገሊጾም፡ 3500 ወለንተይናታት ዝቀርቡ ናይ ጸሎት ሕቶታት ብምእካብ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ምቕራብ ከምዝሳተፉን እቲ ናይ ኣባይቲ ስድራ ትእምርቲ ዝዀነ ቅዱስ ምስሊ ኣብ መላእ ሰበኻታት ኣየር ላንድ ዑደት የካይድ ምህላው እውን ሓቢሮም ገዳማት ባሕታውያን ደናግል ካህናትን ብጸሎት ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ዝሓብሩ ምዃኖም ከምዘፍለጡ ይገልጹ።

ስድራ ቤት ኣብ ቃል ቅዱስ ኣቦና ... ፍራንቸስኮ

እቲ ታሽዓይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ኣብ ዱብሊን ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ዛዕባ ስድራ ቤትን ምስጢረ ተክሊልን ዘማእከለ ድሕሪ እቲ ስድራ ቤት ርእሰ ጉዳይ ዝመኸረ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሲኖዶስ ዝደረስዎ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዘተኰረ ከምዝኸውን ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም ንሰላሳን ሰለስተን ጊዜ ኣብ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም ዝለገስዎ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ብፍላይ ስድራ ቤት ናይ ቤተ ክርስቲያንን ሕብረተሰብን ማእከል ዝብል ብዝተፈላለየ መገዲ ዝተንተንዎ ኣምር ዘማእከለን፡ ስድራ ቤት ኣብ መንጐ ሰብኣውይን ሰበይት ብምስጢረ ተክሊል ዝተሰርተን እዚ ከኣ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዝሰፍሕ ዘሎ ኅብረ ጾታውነትን ኅብረ መርዓን ዝብል ምልካዊ ርእየት ዓለም ዝቃወም ኰይኑ፡ ነቲ ሓድሽ ዓይነት ትምህርቲ ስነ ጾታዊ ጌጋ ምዃኑ ዘብርህ ትምህርቶም ዘማእከለ እውን ከምዝኸውንን ስድራ ቤት ረቒቕ ዘይኰነስ ጭቡጥ ሓጐሱን ጓሂኡን ቁስሉን ሻቕሎቱን ዝትንክፍን ብፍላይ ከኣ ነታ ዝተሓርገትን ዝቖሰለትን ስድራ ቤት ፍሉይ ቆላሕታ ዝህብ ትምህርቶም ጥልቂ ኣተኵሮ ዝገብር ምዃኑ ገሊጾም።








All the contents on this site are copyrighted ©.