2018-05-23 16:43:00

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፥ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ውሳኔ ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ


ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጸብለልትነት ወይ ልኡልነት ብሔርተይናነት ጻዕዳን ከምኡ እውን ኣድልዎ ብዘርኢ ኣብ ሃገርና ንቃወም፡ እዚ ክልተ ዓይነት ጸረ ሰብኣዊ ተግባር ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ እውን ከይሁሉን ዝዀነ ይዅን ዓይነት ጸረ ሰብኣውን ኣድልዎ ብዘርእን ንዅንንዝብል ሓሳብ ዝተነብሮ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን መንፈሳዊ መራሕቲ፥ ኣብ ዘመን ናይ እምነት ቅልውላው፡ ቀናኢነት ንኢየሱስ ብዝብል ኣርእስቲ ብሓባር ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ ገሊጾም፡ እቲ ሰነድ ዕለት 24 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዋሽንግተን ጸረ ኣድልዎ ብዘርኢ ዝብል ዕላማ ተሰንዩ ኣብ ዝካየድ ሰላማዊ ናይ እግሪ ጉዕዞ ብወግዒ ከምዘቕረበን ኣብቲ ናይ ሓባር ሰነድ ካብቶም ክታሞም ዘንበሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ ኤጰስ ቆጶስ ቤተ ክርስቲያን ኣቦ መንበር ብፁዕ ኣቡን ሚካኤል ኩርይ፡ መስራትን ኣቦ መንበርን ምንቅስቃስ ወንጌላውያን በጻሕቲ ጂም ዋሊስን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ዋልተር ብሩየግማንን ናይ ባፕቲስታዊት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ሮንይ ካምፕሎን ምጥቃስ ዝከኣል ኰይኑ፡ እቲ ናይ ሓባር ናይ ውሳኔ ሰነድ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአይ ዘሎ ቅልውላው ግብረ ገባውን ቅልውላው ፖለቲካዊ መርሕነትን ብትረት ብምግላጽ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ፖሊቲካ ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ሃይማኖታት እውን ዝረአይ ሓደገይና ቅልውላው ምዃኑ እውን ሓቢሩ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሃገርና ይብሉ መራሕቲ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ዘውጽእዎ ሰነድ፥ ናይ ሃገር መንፍስ ኣብ ዓውዲ ውጥረት ኣትዩን ናይ እምነት ምሉእነት ንሓደጋ ተቓሊዑ ይርከብ፡ ምእንቲ እቲ እናዓበየን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ ጸረ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ተግባር ብጥብቂ ንኹንን፡ ድኻታትን እቶም ኣብ ጽንኩር መነባብሮ ዝርከቡ ዜጋታት ኣገልግሎት ሕክምና ከይረኽቡ ዝገብር ኣሰራርሓን ንድኻታትን ናይ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ቀረብን ምንካይን ሃብታም ክፍሊ ሕብረተሰብ ንመንግስቲ ዝኸፍሎ ቀረጽ ክንክይ ምግባር ዝብል መርሕ ግብሪ ኢርትዓውን ኢግብረ ገባውን ተግባር እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቲዚያና ካምፒዚ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.