2018-05-21 16:37:00

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ኣብ ኣሰር ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ዕለት 21 ግንቦት ካብ ለምዘበ 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ናይ ላቲን ስርዓት ግጻዌ ምልኩት ክኸውን ቅዱስ ኣቦና ብዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት ዝብዓል ዓመታዊ ዝክረ በዓለ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ትርጉሙ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ስልጣናዊ ትምህርቲ፥

ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ግጻዌ ካብ ለምዘበን 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ዕለት 21 ግንቦት ዓመታዊ ዝክረ በዓለ ቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ዓመታዊ በዓለ ጰራቅሊጦስ ሰኑይ ክብዕል ብዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት እነሆ ሎሚ ኣብ መላእ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከምእተበዓለ ልኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ናይ መለኰታዊ ስርዓት ኣምልዀን ቅድሳት ምስጢራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኣብቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ተመርኵይዙ ኣብ መላእ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ከከም ዝኽተልኦ ሊጡርጊያዊ ስርዓትን ባሕረ ሓሳብን መሰረት ድሕሪ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘሎ ዕለት ዝኽረ በዓለ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ኰይኑ ክበዓል እመ ቤተ ክርስትያን ብዝብል ኣርእስቲ ቤተ ክርስቲያን ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ዓመታዊ ዝክረ በዓል ኣብ እተብዕለሉ ዕለት 11 ለካቲት 2018 ዓ.ም ናይ ውሳኔ ኣዋጅ ኣመሓላሊፉ ከምዝነበረ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥ እቲ ቅዱስ ማሕብር ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣደነት ባህርይ ኣብ ጓሶት ማለት ካህናትን ገዳማውያንን ምእመናንን ንምስፋሕን ንኽንበርን ምሩጽ ዕድል ንምፍጣር ዝብል ዕላማ ዘለዎ ዝክረ በዓል ምዃኑ ከምዘመልከተ ኣፍሊጠን።

ኣብ ቤት ኣደ

ኣኽብሮት ቅዱስ ኣቦና ንቅድስተ ማርያም እመ ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ዘይኰነ ካብቲ ገዛእ ርእሶም ከም ውላድ ማርያም ገይሮም ካብ ምርኣይ ዝነቐለን፡ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኖም ምስ ተሓርዩ ኣብ ፈለማ ዓለም ለኻዊ መገሻኦም ኣብ ብራዚል ኣብ ዝተኻየደ ዓለም ለኻዊ መዓልቲ መንእሰያት ተሳቲፎም ኣብ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም ዘኣፓረሲዳ ተረኺቦም ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ ከተናድይ እንከላ ማዕጾ ቤት ማርያም  እያ እትኵሕኩሕ፡ ኢየሱስ ግዳ ኣርእያን ቢላ ኸኣ ትሓትታ፡ ካብኣ ኢና እውነተይና ሰዓብቲ ክርስቶስ ምዃን እንመሃር፡ ምእንቲ እዚ እዩ ከኣ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ተልእኾኣ ኣሰር ማርያም እትስዕብ ከምዝበሉ ዘዘኻኸራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ማርያም ኣርኣያ ንናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት

ዕለት 23 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ማርያም ንናይ ቤተ ክርስቲያን እምነት ኣርኣያ ምዃና እንከስተንትኑ፥ እዚ እምነት ከኣ ክርስቶስ ከም ኢትእላው ፍቕሪ እግዚኣብሔር ማእከል ህልውና ምግባር ማለት እዩ፡ ንሳ እቲ ዓቢይ ህያብ ዝዀነ ክርስቶስ ናባና ተቕርብ፡ ቤተ ክርስቲያን መሻየጣ ድኳን ወይ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ማሕበር ኣይኰነትን፡ ቤተ ክርስቲያን ዘይመንግስታዊ ማሕብር ኣይኰነትን፡ ቤተ ክርስቲያን ናብ ኵሉ ክርስቶስን ወንጌል እተብጽሕ እያ፡ ገዛእ ርእሳ ኣይኰነን እተቕርብ፡ ዓባይ ትኹን ንእሽተይ፡ ብርትዕቲ ትኹም ድኻ፡ ቤተ ክርስቲያን ኢየሱስ እያ እተቕርብ፡ ኣጋጣሚ ኰይኑ ሓደ መዓልቲ እውን ይዅን ቤተ ክስቲያን ክርስቶስ እንተዘየቕረበት፡ ዝሞተት ቤተ ክርስቲያን እያ እትኸውን! ቤተ ክርስቲያን ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ እያ እተቕርብ፡ ናይ ኢየሱስ ፍቕሪ እያ እተቕርብ

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፥

ክልተ ኣደታት

ዕለት 1 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ዓመታዊ በዓል ቅድስተ ቅድሳት እመ እግዚኣብሔር ኣብ ዝተባዕለሉ ዕለት ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ናይ እምነት ጉዕዞና ምስ ማርያም ዝተኣሳሰረ ምዃኑ እንከመልክቱ፡ ኢየሱስ ኣብ መስቀል እንክስዋዕ ማርያም ከም ኣደ ንኣና ጸገዋ፡ ካብታ ሰዓት እቲኣ ንነጀው ምርያም እመ እግዚኣብሔር ኣዴና ኰነት። ናይ ሰበኻ ሮማ መንእሰያት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ በዓቲ ቅድስተ ማርያም ዘሉርድ ፊት ኣብ ድልያ ጸዋዕታ ብሓባር ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለት 28 ሰነ 2014 ዓ.ም. ቅዱስነቶም ነቶም መንእሰያት ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ ሓደ ክርስቲያን ብዘይ ኣደነት ማርያም ከምኡ እውን ብዘይ ኣደነት ቤተ ክርስቲያን ዘኽታም እዩ ዝኸውን ከምዝበሉን፡ ዕለት 1 ጥሪ 2016 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣስተንትኖ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር እንልግሱ፡ ክልተ ኣደታት፡ ናይ ሕይወትና ሕልኽላዀ ናብ ጐይታ ዘብጽሓ ምዃኖም ዝለገጽዎ ሓሳብ ኣብ ፖርቱጋል ኣብ ዝርከብ ቅዱስ ስፍራ ቅድስተ ማርያም ዘፋጢማ ብምኽንያት መበል 100 ዓመት ግልጸተ ማርያም ምኽንያት ናይ ብፁዕ ፍራንቸስኮን ብፅዕት ጃቺንታ ማርቶ ቅድስና ንምእዋጅ ኣብ ዘዕረገው መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ስለገስዎ ስብከት ደጊሞም ከምዝሓበርዎ ኣፍሊጠን፡

ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ዝተጸንሰት

ቅዱስ ኣቦና ዕለት 8 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ንጽሕት ድንግል ማርያም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፡ ናይ ማርያም ምስጢር ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጾም፡ ማርያም ኣብ እግዚኣብሔር ብምትራፍ  ሕይወታ ውህበትን ውበትን ዝገበረትን ምስኡ ብምዃን ኣብ ኵሉ ኵነት ምስኡ እትዝትይ እያ እክብሉ ከምዝገለጽዋን፡ ድሕሪ ቐትሪ ኣብቲ ኣብ ሮማ ከተማ ኣብ ዝርከብ ፒያዛ ስፓኛ ተባሂሉ ናብ ዝጽዋዕ ኣደባባይ ስፐይን ናብ ዘሎ ቅዱስ ሓውለቲ ንጽሕት ድግል ማርያም ከምቲ ልሙድ ብዓመታዊ በዓል ንጽሕተ ድንግል ማርያም ምኽንያት ንግደት ፈጺሞ፡ ንጽሕት ድግል ማርያም ናይ ሮማ ኣባይቲ ስድራን ቁምስናታትን ገዳማውያንን መንፈሳውን ማሕበራት ጉዕዞ እተሰንዪ ብምዃንኪ ነመስግነኪ፡ ኣብ ዕዮን ኣብ ሕማምን ኣብ ዕድመ ምድፋእ ዝርከቢ ኣረጋውያንን ድኻታትን ስደተይናታትን ኣብ ውግእ ናይ ዝርከቡ ኣሕዛብ ጉዕዞ እተሰንዪ ነመስግነኪ ዝብል ጸሎት ከምዝደገሙ ኣኵይሊኖ ኣዘኻኺርን፡ ኣተሓሒዘን በታ ዕለት እቲኣ ቅዱስነቶም ናብቲ ኣብ ሮማ ናብ ዝርከብ ባሲሊካ ቅዱስ እንድሪያን ዘኣሓው ብምኻድ ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዘሎ ቅዱስ ምስሊ ተኣራዊት ማርያም ፊት ኰይኖም ቅድም ኣቢሎም እውን ኣብ ሳንታ ማርያም ማጆረ ባዚሊካ ብምዃድ ኣብ ቅዱስ ምስሊ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ፊት ኰይኖም ማርያማዊ ጸሎት ከምዝደገሙን፡ ማርያም ቤተይና ኣብ ዝዀነትሉ ቤት ዲያብሎስ ኣይኣትውን፡ ፍርህን ራዕድን ኣይነግስን፡ ስለምታይ ማርያም ከምቲ እግዚኣብሔር ዝደልዮ፡ ክርስቲያን ርሕርሕቲን ሓላይትን ትሕቲ ኣደን ብፍውቅሪ ሃብታን ብቁሳቑስ ድኻን ካብ ሓጢኣት ናጻን ኣብ ኢየሱስ ሕብርትን ኣብ ልባ እግዚኣብሔር እትዕቅብን ኣብ ሕይወት ብጻይ ዓቃቢት እግዚኣብሔር እንክብሉ ከምዝገለጽዋ የዘኻኽራ።








All the contents on this site are copyrighted ©.