2018-05-21 16:41:00

ሲኖዶሳውነት ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ኩርናዕ እዩ፡ ቃል ቲዮሎጊያውያን


ሲኖዶሳውነት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቲዮሎግያዊ ትርጉም ብጥልቂ ንምርዳእን ነቲ ቲዮሎጊያዊ ትርጉሙ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምትርጓም ዝድግፍ ሓሳብ ንምቕራብ ኣሚቱ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎጊያ ድርገት ኣብ ቀረባ እዋን ቲዮሎጊያዊ ሰነድ ንንባብ ከምዘብቅዔ ይንገር።

ጉዕዞ ሲኖዶሳውነትን እቲ እግዚኣብሔር ካብ ቤተ ክርስቲያኑ ኣብ ሳልሳሕ ሺሓዊ ዘመን ዝጽበዮ እዩ ዝብል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2015 ዓ.ም. ብምኽንያ ናይቲ ጳውሎስ ሻድሻይ ዘቖምዎ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ቅዋሜ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት ዝገለጽዎ ቃል ናይ ቅዱስነቶም ከይዲ ቤተ ክርስቲያን ዘመላኽት ምዃኑ እቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቲዮሎግያ ማሕበር ሲኖዶሳውነት ኣብ ሕይወትን ተልእኾን ቤተ ክርስቲያን  ብዝብል ኣርእስቲ ዕለት 3 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ንንባብ ኣብ ዘብቀዖ 41 ዘለዎን ቅዱስ ኣቦና ይትሓተም ኣብ ዝበለዎ ሰነድ ከምእተገልጸ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣድሪያና ማሶቲ ሓቢረን።

እቲ ሰነድ ነቲ ሲኖዶሳውነት ብዕምቆት ብምትትንታን ትርጉሙን ቅዉም ሓሳብ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣቢሉ ክንበርን እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ዝድግፍን ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዓለም ፍለዩ ዘመስርቕን ምዃኑ ዝሓበራ ማሶቲ ኣስዒበን፡

ሲኖዶሳውነት ዓቢይ ብድሆ ቤተ ክርስቲያን

ሲኖዶሳውነት ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ኵርናዕ እዩ፡ ዝብል ቃል ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎን ካብቲ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ዝምንጭው ናይ ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሰብነት ዝትንትንን፡ ኣብ ሎማዊ ታሪኽ ዝስገውን ናይ ኣሕዛብ ጉዕዞ ሓባርን ኣብ ቃል እግዚኣብሔር ንምስማዕ ዝእከብ ጉባኤ ዝንበርን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትውፊትን ባህላን መሓዝነቱ ኣብ ቀጻልነቱ ዝብል ምዃኑ ብሰፊሕ ዝገለጽዎ ስልጣናዊ ትምህርቲ እቲ ሰነድ ብሰፊህ ዘብርሆ ምዃኑ የመልክታል

ሲኖዶሳውነት ማለት ናይ ሓባር ጉዕዞ ወይ ከኣ ብሓባር ምጉዕዝ ማለት እዩ፡ ስለዚህ ናይ ሕብዘ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ዘመላኽት፡ ኣብ መዓዲ ቃል ኣምላክ ብምርኻብ ቃሉ ጽን ብምባል ሕድ ሕዳዊ ጽን ምብህሃልን ኣስተንፎ መንፈስ ቅዱስ ምስትውዓልን ኣብ መዓዲ ቅዱስ ቁርባን ሱታፌ ማለት እዩ፡ ሲኖዶስ ዝብል ቃል ጥንታዊ ግሪኻውን ላቲናውን ቃል እዩ፡ ኣብ ከይዲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ክብ ዝበለን ዝተሓተን ትርጉም ዝተውሃቦ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ ንፈለማ ጊዜ ኣብ ሕይወት ማሕበረ ክርስቲያን ዓቢይ ግምት ክወሃቦ ዝጀመረ ካብ እዋን 48 – 49 ድሕረ ልድተ ክርስቶስ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ኢየሩሳሌም ከምዝነበረ እቲ ሰነድ እንክሕብር፡

ማእከል ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን

ሲኖዶሳውነት ቃል ብቓሉ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እንረኽቦ እውን እንተዘይኰነ ናይቲ ካልኣይ ጉባኤ ሕመረት ምዃኑ ካብ ውሳኔታቱ ትርድእ፡ ናይ ኵሉ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ሱታፌኣዊ ክብሪ ብምግላጽ ኩሉ ምስ ዝቕበሎ ጸጋን ጸዋዕታን ኣገልግሎትን ኣብ ሕይወትን ተልእዀን ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ  ዘለዎ እንክብሉ ብዝገልጾ ሓሳብ ይትንተን፡

ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ቤተ ክርስትያናዊ ሱታፌ ንምንቕቓሕ ኣብ ሱኖዶሳውነት ብዙሕ ንቕድሚት ምጉዓዝ ከምዘድሊ እቲ ሰነድ ኣብ መእንተዉ ኣብ ዘንበሮ ጽሑፍ ገሊጹ፡ ንምንባር ዝድግፍ ግልጽን ትኽክለይናን ቲዮሎጊያዊ ትርጉም ኣዚዩ ወሳኒ እዩ፡ እቲ ሰነድ ምእንቲ’ዚ እዩ ዘድለየ፡

ሕጽር ብዝበለ ኣገላልጻ፥ እቲ ሰነድ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሓባር ቤተ፡ ቤት ትምህርትን ቤትን ሱታፌ፡ ቤተ ክርስቲያናውነት ናይቲ ሱታፊኣውነትን ዘተን ምስማዕን ናይ ምራኻብ ባህልን መንፍሳውነት ይትንትን፡ እዚ ኸኣ ብናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብነትን ኣገላልጻን ኣነባብራን ዓይነት ቤተ ክርስቲያንን ስልትያናዊ ትምህርትን መሰረት ዝትንትን ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሶቲ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.