2018-05-19 16:57:00

መበል 27 እንገዳ ብዝብል ቃል ዝምራሕ በዓለ ኣሕዛብ


“ከምቲ ክርስቶስ ንኣኻትኵም ዘእንገደኵን ንስኻትኩም እውን ብተራኹም ኣእንግዱ” ብዝብል ቃል ተሰንዮ ዕለት 20 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ኣደባባይ ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ በዓለ ኣሕዛብ ክበዓል እዩ።

ናይ ሰበኻ ሮማ ጉዳይ ስደተይናታት ዝከታተል ቤት ጽሕፈትን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ተራድኦ ጨንፈር ኢጣሊያ ብሓባር ዘነቓቕሕዎ ምስ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውን ማሕበራትን ኣብ ሮማ ዝርከቡ ማሕበረሰብ ካቶሊካውያን ስደተይናታትን ምስ ቅዱስ ኣኒባል ዘይመንግስታዊ ማሕበር ግብረ ሰናይን ኣብ ጉዳይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ምስ ዘቕርቡ ከም ማእከል ኣስታሊን ልኡካን ማሕበር ስካላብሪኒያኒን ኰምቦናውያን ማሕበር ልኡካንን ናይ ሰበኻ ሮማ ማሕበር ካቶሊካዊ ተግባርን ማሕበር መዓልቲ መሬት ኢጣሊያን ካልኦት ማሕበራት ግብረ ሰናይ ብምትሕብባር

ዕለት 20 ግንቦት 2018 ዓ.ም.  መበል 27 እንገዳ ብዝብል ቃል ዝተሰነየ በዓለ ኣሕዛብ ክበዓል ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ፓትሪሲያ ይነስትሮዛ ካብ ዘመሓላለፈኦ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

እዚ ናይ ለምዘበን በዓል ፍልይ ዘብሎ፡ ኣብ ሮማ ምስ ማሕበር ናይ ስነ ሕክምና መንበረ ጥበብ ጀመሊን ምስ ማሕበር ለገስቲ ደምን ብምትሕብባር እውን መደብ ልግሲ ደም ዝካየድ ምዃኑ እዩ ዝበላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ይነስትሮዛ ኣስዒበን፥

መራሓ ግብሪ በዓለ ኣሕዛብ

ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 10 ኣብ ኢጣሊያ ተፋሊጥካን ተወሃሂድካን ንምንባር ኣብ ዝካየድ መደብ እወታዊ ተመክሮ ዘኻዕበቱ ስደተይናታትን ዑቕባ ሓተትን ኣብ ኢጣሊያ ከም ስደተይና ክኣትዉ እንከለዉ ትሕቲ ዕድመ ዝነበሩ ዘዋስእ መደብ ቃል ምስክርነት ኣብ  ቤት ጳጳሳዊ ዓቢይ ዘርኣ ክህነት ሰበኻ ሮማ ቤተ ክርስቲያን ጽን ኣብ ምባል ብዝል ቃል ዝተመርሔ መደብ ርክብ ክካየድ ከምዝዀነን፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ናይ ሮማ ሰበኻ ካቴድራል ቅዱስ ዮሓንስ ዘላተራኖ ባዚሊካ ናይ ዓንቀጸ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ፍራንሲስኮ ላዳሪያ ፈረር ዝመርሕዎ ብዙሓት ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ካህናት ብሁባሬ ብዙሓት ስደተይናታት ዘሳተፈ ብ26 ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስደተይናታት ብዘቕርብዎ መንፈሳዊ መዛሙራት ዝተሰነየ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዓርግን ድሕሪ ምዝዛም ስርዓት ቅዳሴ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስደተይናታት ዘሰናደውዎ ባህላዊ መግቢ ቀሪቡን ድሕሪ ምሳሕ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብ ስደተይናታት ዘቕርብዎ መደብ መዘናግዕን መደብ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ ክቐርብ እውን ምዃኑ ኣፍሊጠን።








All the contents on this site are copyrighted ©.