2018-05-18 16:19:00

መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዓን ጳጳሳት ቺለ፥ ዛዕባ ሓደገይና ዓመጽ ግልጽን ቅኑዕን ግብረ ልልያ ክትግበር ሓደራ


ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ግረግ ቡርከ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንኽመጹን ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ብዝዕባ እቲ ኣዚዩ ንቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ጓህን ሓዘንን ዘስዓበ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ናይ ስልጣንን ናይ ሕልናን ዓመጽ ብፍሉይ ርእሰ ጉዳይ ክመክር ኣብ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ንዝተሳተፈፉ 34 ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ኣባላት ኣብ መዕጸዊ እቲ ኣኼባ ፍሉይ መልእኽቲ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ሓቢረን።

ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ንነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ዘረከብዎ መልእኽቲ፥ ኣብቲ ዝተፈጸመ ከቢድ ዓመጽ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ዝሃሰየ ጉዳይ ግልጽን ቅኑዕን ልልያ ክግበር ከምዘለዎ ከምዘተሓሳሰቡን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ኣቦና ኣሳቲፉ ዝተኻየደ ኣኼባ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት 18.40 ከምእተዛዘመ ቃል ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ጠቒሰን ዝሓበራ ልእኽቲ ቫቲካን ንውስ ጃዳ ኣኵይሊኖ ኣስዒበን፡

ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናትን፡ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃምን ናይ ሕልና ዓመጽን

ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሕጻናት ዝተፈጸመ ናይ ወሲብ ዓመጽ ስልጣን ብዘይ ግቡእ ምጥቃምን ንናይ ሕልና ዓመጽ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣደዳ ዝዀኑ ሕጻናት ዘሕዝን ስንብራት ዝሓደገን ናይ ስቓይ ምኽንያት ከምዝዀነ  ኣብ መልእኽቶም ሓቢሮም፡ ብልቢ ይቕረታን ምሕረትን ምሕታት ከምዘድሊ ቅድም ኣቢሎም ባዕሎም ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝዀኑ ተወለድቲ ቺለ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ይቕረታን ምሕረትን ስለ እቲ ዝወረዶም ዘስካሕክሕ ዓመጽ ምኽንያት ብምሕታት ኣብ ዝሃብዎ ኣብነት እቶም ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዝሓበሩ ኣፍሊጠን።

ሕጃውን ሓጺርን ንነዊሕ ዝኣመተ ዕዮ

ቅዱስነቶም ናይ ቺለ ብፁዓን ጳጳሳት ካብ ቅዱስ ኣቦና ዝቕረበሎም ዕድመ ኣኽቢሮም ኣብቲ ካብ ዕለት 15 ግንቦት ክሳብ ዕለት 17 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ምስታፎም ኣመስጊኖም፡ ተመሳሳሊ ዓመጽ ከይህሉ ብዓንተውኡ ንምጥንቃቕ ዘብቕዕ ሕጃውን ናይ ሓጺርን ንነዊሕ ዝኣመተ ናይ ዕዮ መደብ ክሕንጽጹ ሓደራ ቢሎም፡ እዚ መደብ’ዚ ቤተ ክርስቲያ ንጐይታ ኣብ ዝዓረቑን ዝተኣስሩን ኣብ ዝስደዱን ኣብ ዝዕመጹን ኣብ ምግልጋል ክትጽመድ እትበቕዕ ነቢያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምቛም ክተግሁ ሓደራ ዝብል ሓሳብ ኣብቲ መልእኽቶም ከምዘስመሩሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ኣኵይሊኖ ኣተሓሒዘን

ቅዱስ ኣቦና መልእኽቶም ሓደራዅም ስለይ ጸልዩ፡ ኢየሱስ ይባርኽኩም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ትዓቅብኩም

ሓውኹም

ፍራንቸስኮ ብዝብል ቃል ከምዘጠቓለሉ የመልክታ።








All the contents on this site are copyrighted ©.