2018-05-17 18:01:00

ሓቀኛ ሓድነትሲ ናይ ኢየሱስ መንገዲ ጥራይ እያ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤተጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ ቅዳሴ ‘ክልተ መንገዲ ሓድነት ኣለዋ! ሓንቲ እታ ናይ ኢየሱስ ሓቀኛ ሓድነት ኰይና ናብ ኢየሱስ ተብጽሓና እታ ናይ ኣምሰሉነት ሓድነት ዝኽዕነት ከኣ ብሕሜታ ስለእትጐዓዝ ነንሕድሕዳካ ትዂንን ትመቃቀል ከኣ፣ ሓቀኛ ሓድነትከስ ናይ ኢየሱስ መንገዲ ጥራይ እያ` እንክብሉ ኣብታ ኢየሱስ ስለሓድነት ናብ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘቅረባ ጸሎት ዝተመርኰሰ ስብከት ኣቅሪቦም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ሎሚ ወንጌል ካብ ወንጌል ዮሓንስ 17.20-26 ዝተወስደ ኮይኑ ‘ምእንቲ እዚኣቶም ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ብቓሎም ኣባይ ኪኣምኑ ዘለዎም እውን ሓደ ምእንቲ ክኾኑ፡ እኳ ድኣ ዓለም ንስኻ ኸም ዝለኣኽካኒ ንኺኣምንስ - ከምቲ ንስኻ ኦ ኣቦይ ኣባይ ዘሎኻ ኣነ ድማ ኣባኻ፡ ከምኡ ንሳቶም እውን ኣባና ሓደ ምእንቲ ክኾኑ እልምነካ ኣሎኹ። ከምቲ ንሕና ሓደ ዝኾንና ንሳቶም እውን ሓደ ምእንቲ ኺኾኑ፡ ኣነ ኣብኣቶም ንስኻ ድማ ኣባይ ብምንባር ኣብ ሓድነት ፍቹማን ኪኾኑ እሞ፡ ዓለም ንስኻ ከምዝለኣኽካንን ከምዘፍቀርካዮንን - እኳ ድኣ ኸምቲ ንኣይ ዘፍቀርካኒ ከም ዘፍቀርካዮም - ምእንቲ ኺፈልጥስ፤ እቲ ዝሃብካኒ ኽብሪ ኣሳተፍኵዎም። ኦ ኣቦይ እዞም ሂብካኒ ዘሎኻ ዓለም እንከይተፈጥረ ብፍቅርኻ ንዝሃብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ክርእዩስ ንሳቶም እውን ኣብቲ ኣነ ዘሎኹዎ ምሳይ ኪነብሩ እደሊ ኣሎኹ፣ ኦ ጻድቅ ኣቦይ ዓለም ኣይፈለጠካን ኣነ ግን ፈለጥኩኻ እዚኣቶም እውን ንስኻ ከምዝለኣኽካኒ ይፈልጡ እዮም፣ እታ ብኣኣ ኤርካ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣብኣቶም ምእንቲ ኽትነብር ኣነ ድማ ኣባታቶም ስምካ ገሊጸሎ ኣሎኹ ገና እውን ክገልጸሎም እዮም’ ዝብል ነበረ።

ቅዱሰነቶም ነታ ጐይታና ምስ ሰማያዊ ኣቦኡ ዘላቶ ሓድነት ንዓናውን ከምዘምጸአልና እዚ ሓድነት እዚ ኸኣ ሓድነት ድሕነት ኮይኑ ንቤተክርስትያን ኣቊሙ ናብ ዘለዓለማውነት ገጹ ዘቅንዔ ሓድነት ምዃኑ ገሊጾም፣ ናባና ምስ ይብሉ እሞ ንሕና ኣብ ናብራና ኣብቤተክርስትያና ወይውን ኣብ ማሕበረሰብና ንሓድነት እንተደኣ ሰሪሕና ነታ ኢየሱስ ዝሓጸጸልና ናይ ሓቀኛ ሓድነት መንገዲ ንኽተል ኣሎና ማለት እዩ ኢሎም፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ግን ካልእ ናይ ኣምሰሉነት ናይ ሓሶት ሓድነት ኣሎ እዚ ግን ክንዲ ዘተሓባብርን ሓደ ዝገብርን በንጻሩ ነንሕድሕድና ብሕሜታን ቤላበለውን ከምንባላዕን ዝገደደ ምክፍፋል ከምዝስዕብን ይገብር፣ ነዚ ኣብነት ዚኸውን ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግሐ 22.30-23.6-7 ዝተወስደ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ጳውሎስ ክሲ ዘልዓሉ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን መጀመርያ ከም ሕቡራት ንጳውሎስ ከጥፍኡ ተዓጢቆም ጸኒሖምሲ ቅዱስ ጳውሎስ ኩነታቶም ምስ ረኣየ ኣነ ትውልደይ ዕብራዊ ትምህርተይ ቅዱስ መጸሓፋዊ ብዛዕባ ትንሣኤ ሙታን እንክሰብኽ ዝሰምዕ ስኢነ ምስ በለ እቶም ዝሓበሩ ክመስሉ ዝጸንሑ ፈሪሳውያንን ሰዱቃውያንን ሙታን ይትንሥኡ እዮም ኣይትንሥኡን እዮም ዝብል ሓሳብ ፋሕ ብትን ኣቢልዎም እቲ ናይ ኣምሰሉነት ሓድነት ኣብ ዝገደደ ምክፍፋልን ምንቋትን ከምዘብጸሖም ይትርኽ፣ በዚ ከኣ ቅዱስ ጳውሎስ ሓቀኛ ሓድነትን ናይ ሓሶትን በለጽን ናይ ኣምሰሉነት ሓድነትን ኣለልዩ ስለዝኸኣለ መምለጢ መንገዲ ረኺቡ፣ እቲ ሕዝቢ ግን በቲ መራሕቲ ዝበልዎ ኣብ ጥራሕ ጐልጐል ክጭርሕ ጀመረ፣

‘እዚ ከምዚ ዓይነት ንሕዝቢ መጋበሪ ሁከት ምግባር ንጥቅምኻ ክትብል ናይ ሕዝቢ ምፍልላይ እውን ከምዘየገድሰካ የመልክት፣ ነቲ ሓደ ክኸውን ዝነበሮ ሕዝቢ ናብ ሓመድ ሓፋሽ ቀዪርካ እኩብ ሕዝቢ ትቅይሮ፣ ንኣብነት ኣብ ዕለተ ሆሳዕና ኩሎም ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት እቲ ብስም እግዚብሔር ዝመጽእ ብሩኽ እዩ ክብል ብመንፈስ ሓድነት ኣምላኹ ንዘመስግን ዝነበረ ሕዝቢ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ሓቢሎም ሓባቢሎም ንኢየሱስ ስቀሎ ኢሎም ክጭርሑ ኣለዓሊሎሞም፣ እንታይ ተረኽበ እንተበልና ሓንጐሎም ጠምዚዞም ሓጺቦም ከምዝቅየር ገሮሞ፣ ነቲ ብመንፈስ ሓደ ዝነበረ ሕዝበ እግዚአብሔር ናብ ሓመድ ሓፋሽ ቀዪሮማ እዚ ከኣ ንዕንወት ዋና እዩ፣

እዚ ኣገባብ እዚ ሎሚ እውን ኣሎ፣ ጸልማት ኩነታት ፈጢርካ ንሰባት ንክትኩንን ትቃለስ በዚ ከኣ እቲ ዝነበረ ሓድነት ከም ጨው ይሓቅቅ፣ ከምቲ ንኢየሱስ ንቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ጳውሎስን ንብዙሓት ሰማዕታትን ሽም ብምጽላምን ናይ ሓሰት መሰኻኽር ብምስንዳውን ነቲ ሓመድ ሓፋሽ ሆ ንክብል ኣለዓዒሎም ዳርጋ ንመብዛሕትኦም ደሞም ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ወለዶናን ቢሎም ክሳብ ዝምሕሉ ዝገበርዎም ሎሚ እውን ክመኡ ዚአመሰለ ኣገባብ ኣብ ዓውደ እምነት ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ሲቪላዊ መንባብሮ ኣብ ፖሎቲካዊ መሪሕነት መፈንቅለ መንግሥቲ ንምክያድ ዝግበር ጸለመን ፕሮፖጋንዳን ካብዚ ኣይሰንፍን እዩ፣

‘ሽሕኳ ውስን ብዝበለ ኣገባብ ይኹን እምበር ኣብ ቊምስነታትና እውን ከምኡ ይግበር እዩ፣ ንኣብነት ክልተ ሰለስተ ኮይኖም ንሓደ ኣባል ቊምስና ክሓምዪን ክፈርዱን ይጅምሩ እዚ ቀስ ብቀስ የስፋሕፍሕ እቶም ዝኸሱ ናይ ሓሶት ወይ ናይ ኣምሰሉ ሓድነት ይፈጥሩ፣ ነቲ ሰብ መታን ከጥቅዑ፣ ንክዂንኑ ርግጽነት ይስምዖም ይሓብሩ፣ ኣነ ግን እብለኩም ኣሎኹ እዚኦም ቀተልቲ እዮም ከመይ ነቲ ሰብ ስሙ ብምጽላም ይቀትልዎ ኣለዎ፣ ስለዚ ካብዚ ኩሉ ንምድሓን ነታ ኢየሱስ ዝሓበረና መንገዲ ክንክተል ይሓይሽ እምበር ሕሜታን ጸለመን ኣብ ዘብጸሓና የብሉን፣

‘ብዛዕባ እታ ዝተጸዋዕናላ ዓባይ ጸዋዕታ ማለት ሓድነት ኢየሱስ ምስ እግዚብሔር ኣቦ ንሕሰብ፣ ክንስዕባ ዘሎና መንገዲ እዚኣ እያ፣ በዚኣ ሓቀኛ መንገዲ እዚኣ ንክንጐዓዝ ጐይታ ጸጋኡ ይዓድለና እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣

 








All the contents on this site are copyrighted ©.