2018-05-16 17:49:00

ወለዲ ምስ ኣቦልገታትን እኖልገታትን ኮይኖም ነታ ናይ ጸጋ ጥምቀት ሽግ ክሕልውዋ የድሊ! ር.ሊ.ጳ


ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ንዝጀመርናዮ ኣስትምህሮ ክንዛዝም ኢና፣ ሽሕ’ኳ ብዓይንና ዘይንርእዮም እንተኾና ምሥጢረ ጥምቀት ዘውህበና ጸጋታት ኣብ ልቢ እቲ ሓዲስ ፍጥረት ዝኾነ ዳግም ዝተወልደ ሰብ ብምዃን ይሰርሑ፣ ነዚ ዘሥርሕ ጸጋ እዚ ንምምልካት ከኣ ኣብ ፍጻሜ ጥምቀት ነቲ ተጠማቂ ጻዕዳ ክዳንን ዝበርሀት ሽምዓን ነረክብ፣

ድሕሪ ናይቲ ዳግመ ልደት ዝኾነን ንወዲ ሰብ ከም ፍቃድ እግዚብሔር ንሓቀኛ ቅድስና ሓዲስ ፍጥረት ከም ዝኸውን ዝገብር ምሥጢረ ጥምቀት (ኤፈ 4.24) ካብ ቀዳማይ ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ነቶም ዝተጠምቁ ሰባት ብእምሳል ናይታ ብክርስቶስን መንፈስ ቅዱስን ዝተጸገወት ሓዳስ ሕይወት ንምምልካት  ብሓዲስ ኪዳን ውጹእ ጻዕዳ ክዳን ምልባስ ተኣታትዩ። እዚ ሓዲስ ጻዕዳ ክሳን ነቲ ኣብ ምሥጢረ ጥምቀት ዝኾነ ምሥጢራዊ ነገር ዘመልክት እንክኸውን ብመለኮታዊ ክብሪ ንዝተለወጠ ሓዲስ ሕይወት ይእውጅ፣

እቲ ቅዱስ ጳውሎስ ንክርስቶስ ብሓዲስ ልበስዎ እንክብል ነቲ ተጠመቅቲ ዝቅበልዎ መልዕልተ ባህርያዊ ሓይሊ ክገልጽ እንከሎ እንታይ ማለት እዩ እንተበልና፣ ናብ ሰብ ቆላስያስ ኣብ ዝጽሕፎ መልእኽቱ ‘እምበኣርከስ ከም ኅሩያት እግዚአብሔርን ከም ቅዱሳንን ፍቑራትን ኰይንኩም ናይ ልቢ ምሕረትን የዋህነትን ትሕትናን ትዕግሥትን ልበሱ፣ ነንሕድሕድኩም ተጸዋወሩ እቕረ እውን ተበሃሃሉ፣ ገለ ካልኦት ዘጒሀዩዎ እንተተረኽበ ከም’ቲ ክርስቶስ እቕረ ዝበለልኩም ንስኻትኩም ከኣ ከማኡ እቕረ በሉሎም፣ ኣብ ርእሲ ኵሉ እታ ናይ ጽድቂ ሠንሰለትን መሠረትን ዝኾነት ፍቅሪ ትሃሉኹም’ (2.12-14) እንክብል ይገልጾ፣

ከምኡ እውን እታ ካብ ናይ ናይ ፋሲካ ቀንደል ዝበርሀት ሽግ ወይ መብራህቲ ነቶም ዝተጠመቁ ናይ ምዕዳል ሥርዓት ‘ብርሃን ክርስቶስ ተቀበል’ እናበለ እቲ ካህን ይዕድል፣ እዘን ቃላት እዚአን ከምቲ ኣብ ወንጌል ዮሓንስ 1.9, 12.46 ተመልኪቱ ዘሎ ቀንደል ንሕና ከምዘይኮና እንታይ ደኣ ብርሃንሲ እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤን ንጸልማት ሓጢኣት ዝቀንጠጠን ኢየሱስ ክርስቶስ ምዃኑ እዩ ዘመልክት፣ ንሕና ነዚ ብርሃን እዚ ክንቅበል ዝተጸዋዕና ኢና፣ ከምቲ ናይ ፋሲካ ቀንደል ንኩሉ ሸምዓታት ንከብርህ እንጥቀመሉ ናይቲ ካብ ሙታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ ናይ ፍቅሪ መብራህቲ ከኣ ልብታት ናይቶም ዝተጠምቁ ብምብራህ ብርሃንን ሙቀትን ሓይልን የልብሶም፣ ስለዚ ከኣ እያ ቤተ ክርስትያን ካብ ቀዳሞት ዘመናት ኣትሒዛ ንምሥጢረ ጥምቀት ምሥጢረ ብርሃን ቢላ ትጽውዖን ነቲ ዝተጠምቀ ከኣ ዝበርሀ ኩሉ ዝተኸስተሉ ሰብ ኢላ እትጽውዖ ዝነበረት፣

ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ 12.36 ዝብሎ ከም ክፍሊ ናይ ሥርዓተ ጥምቀት ብምግባር ከኣ ንጸዋዕታ ክርስትያን ንምምልካት ‘ብእምነት ጸኒዕኩም ወትሩ ከም ደቂ ብርሃን ተመላለሱ` እትብል፣ እቲ ሥርዓት ንሕጻናት ዝግበር እንተኾይኑ ነዚ ሃላፍነት እዚ ዝለብሱ ወለድን ኣቦልገታትን እኖልገታትን ኮይኖም ነዛ ብጸጋ ጥምቀት ንሕጻናቶም ዝተዕደለት ቀንዴል ጥምቀት እዚኣ ወትሩ ክከናኸንዋ ነቶም ሕጻናት ከኣ ብእምነት ጸኒዖም ክነብሩ ክሕግዝዎም መምርሒ ሥርዓተ ጥምቀት ሕጻናት ኣብ ቊ.73 ኣትሪሩ ይእዝዝ፣ እዚ መምርሒ እዚ ኣብተን ናይ መባእታ ኁልቊታት ምናዳ ኣብ ቊ.3 ‘ኩስኰሳ ትምህርቲ ክርስቶስ መሰል ሕጻናት እዩ፣ እዚ ኲስኰሳ እዚ እቶም ሕጻናት ቀስ ብቀስ ነቲ እግዚአብሔር ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝሓንጸጸሎም ዕላማ ንክርድኡ ይመርሖም፣ ከምዚ ብምግባር ከኣ ነታ ብኣኣ ዝተጠምቁላ እምነት ባዕሎም ይረኽብዋን የረጋግጽዋን ይቅበልዋን’ ይብል።

ናይቲ ወትሩ ካባና ዘይፍለ ክርስቶስ ምልክት ዝኾነት ቀንዴል ጥምቀት ኣብ ልብና ኮይና ክትሕሎን ክትከላኸለላን ወትሩ ክትኩላዕን ዘለዋ ኮይና ንስጉምትታትና ተብርህን ትመርሕን፣ ንጐይታ ክንረክብ ምስ እንኸይድ ከኣ ንምርጫታትና ብምራህ ንልብና ተመውቕ በዚ ከኣ ክሳብ እታ ምሳኡ ዘይንፈላለየላ ናይ መጨረሻ ርክብ ምሳኡ እንገብሩ ወትሩ ኣብ ጉዕዞና ተሰንየና፣ እዛ ናይ መጨረሻ ምስ ጐይታ እንራኸበላ ዕለት ከም ኣገላልጻ ቅዱስ ዮሓንስ በታ ዕለት እቲኣ ወይ በቲ ግዜ እቲ ‘እግዚአብሔር ስለ ዘብርሃሎምን ንዘለዓለም ከኣ ስለዝነግሡን ድኅሪ ሕጂ ለይቲ ከቶ ኣይክህሉን እዩ፣ ብርሃን ቀንዴል ኮነ ብርሃን ጸሓይ ኣይከድልዮምን እዩ፣’ (ራእ 22.5) ኢሉ ስለዝገልጻ እዛ ናይ ጥምቀት ቀንዴል ክሳብ ናይ መጨረሻ ምሳኡ ምርኻብ እያ እተሰንየና፣

ሥርዓተ ምሥጢረ ጥምቀትከስ በታ ናይ ማሕበር ደቂ እግዚብሔር ጸሎት ማለት ብአቡነ ዘበሰማያት ይዛዘም፣ ስለዝኾነ ከኣ እቶም ብምሥጢረ ጥምቀት ዳግም ዝተወልዱ ሕጻናት ብናይ ምሥጢረ ሜሮን ቅብኣትን ኣብ ቅዱስ ቊርባን ብምሥታፍን ምልኣት ውሉድነትን ምልኣት መንፈስ ቅዱስን ይቅበሉ እሞ ንእግዚብሔር ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር ቢልካ ምጽዋዕ እንታይ ትርጉም ከምዘለዎ ይመሃሩ፣

ኣብ ፍጻሜ ናይዚ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ዝገበርናዮ ነዊሕ ኣስተምህሮ ንነፍሲ ወከፍኩም ነቲ ኣብ ጋውደት ኤት ኤክዙልታት ተፈስሑ ወተሓሰዩ እትብል ሓዋርያዊ ምሕጽንታን ዝበልክዎ ክተንብብዎ እዕድመኩም፣ ኣብ ቊ.15 ናይዛ ምሕጽንታ ‘ብምሥጢረ ጥምቀት ዝተቀበልካዮ ጸጋ ብጉዕዞ ቅድስና ክፈሪ ኣፍቅደሉ፣ ወትሩ ብዝተሓደሰ መንፈስ ንእግዚአብሔር ሕረ ንኩሉ ከኣ ንሱ ክመርሖ ልብኻ ንኣኡ ክፈት፣ ተስፋ ኣይትቊረጽ ከመይ ክሳብ ኣብ ቅድስና እትበጽሕ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ዘሰንየካ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ እዚ ከምቲ ኣብ ገላ5.22 ዘሎ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ሕይወትካ ዘፍርዮ እዩ ማለት ካብ ፍረታት መንፈስ ቅዱስ ሓደ እይ፣ እንክብሉ ትምህርቶም ደምደሙ፣

 

 

 

ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻው ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስነቶም ኣብቲ ኣብዚ ዕለታት እዚ ኣብ ቅድስት መሬትን ማእከላይ ምብራቅን ዝካየድ ዘሎ ዕንወት ምልስ ብምባል ዝተሰምዖም መሪር ጓሂ ድሕሪ ምግላጽ ዳርጋ ኣውያት ክትብሎ ዘድፍር ሓያል ጻውዒት ንዓለምለኸ ማሕበረሰብን ነቶም ኣብዚ ጥፍኣት እዚ ዝዋስኡ ዘለውን ሰባት ኣቅሪቦም፣

መላእ ዓለም ይዕዘቦ ከምዘሎ ኣብዚ ሳልስቲ እዚ ኣብ ጋዛ ናይ ንጹሓት ደም ገና ይፈስስ ኣሎ፣ ናይዚ ምኽንያት ከኣ መንግሥቲ ኣመሪካ ንኢየሩሳሌም ከም ዋና ከተማ እስራኤል ምእዋጅን ንኤምባሲኡ ካብ ተልኣቪቭ ናብ ኢየሩሳሌም ብምልዋጡን ዘስዓቦ ዕግርግር ኣብ ዕለተ ሰኑይ ጥራይ ጓል 8 ወርሒ እትርከቦ 61 ሰባት እንክሞቱ ትማሊ ከኣ ካልኦት ክልተ ፍልስጠኤማውያን ብሓለዋ ጸጥታ እስራኤል ብዝተተኰሰሎም ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ይዝከር፣

ንሰላምን ዘተን ኣርሒቁ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ዓመጽ ዘስዕብ ዘሎ ኣብ ቅድስት መሬትን ኣብ ማእከላይ ምብራቅን ብዝረኤ ወጥሪ ብጣዕሚ ተጨኒቐን ሓዜነን ኣሎኹ፣ በቶም ዝሞቱም ዝቆሰሉን ዝተሰማዓኒ ዓቢ ሥቃይ እንክገልጽ ብጸሎትን ምድንጋጽን ኣብ ጐድኒ ኩሎም ዝሳቀዩ ከምዘሎኹ ኣረጋግጸልኩም፣ ነታ ማንም ዓመጽ ሰላም ኣምጺኡ ኣይፈልጥን ትብል ቃለይ ብምድጋም ውግእ ካልእ ውግእ ከምዝጽውዕ ዓመጽ ከኣ ካልእ ዓመጽ ከምዝጽውዕ ከረጋግጸልኩም እፈቱ፣

ንኩሎም እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከቶምን ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ዓለምን ዘተን ፍትሕን ሰላምን ንምንጋስ ነቲ ዝተዋህቦም ሓደራን መዝነትን ብሓዲስ መንፈስ ክጅምሩ እምሕጸን፣ ንግሥተ ሰላም ዝኾነት ማርያም ንለምና ኩልና ሰላም ንዓኺ ኦ ማርያም ንበል ኢሎም ምስ ጸለዩ፣ እግዚብሔር ይራሕርሓልና እንክብሉ ተማህሊሎም ነቶም ጽባሕ ጾመ ሮመዳን ዝጅምሩ ኣሕዋትና ተኸተልቲ ሃይማኖት እስልምና ከኣ ከምዚ ክብሉ ሠናይ ምንዮቶም ገሊጾም፣

ነቲ ጽባሕ ንዝጅምር ወርሒ ሮሞዳን ልባዊ ሠናይ ምንዮተይ እገልጽ፣ እዚ ምሩጽ ግዜ ናይ ጸሎትን ጾምን ብመንገዲ እግዚአብሔርን ብመንፈዲ ሰላምን ንክንጐዓዝ ይደግፈና ድሕሪ ቢሎም ንኩሎም ሰላምታ ኣቅሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ናይ ዕለቱ ትምህርቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.