2018-05-14 15:57:00

ኣብ ኬን ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝትርኽ ብወንደርስ ዝተደርሰን ዝተቐርጸን ፊልም


ኣብ ፈረንሳ ኬን ዓለም ለኸ ናይ ፊልም ትርኢት፡ ከም ቃሎም (ቃሎም ዘኽብሩ) ... ፍራንቸስኮ ብዝብል ኣርእስቲ ጀርመናዊ ናይ ፊልም ደራስን ቀራጽን ዊም ወንደርስ ዝተደርሰን ዝተቐርጸን ፊልም ንቕድመ ትርኢት ከምዝቐረበ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ በነደታ ካፐሊ ሓቢረን።

እዚ ናይ ወንደርስ ፊልም ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን ብትኽል ካብ ዕለት 18 ግንቦት 2018 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንምርኢት ክቐርብ ከምዝዀነ ክፍለጥ እንከሎ፡

ወንደርስ ነቲ ፊልም ብወግዒ እንከቕርቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝብልዎ ዘኽብሩን ቃሎም ዘይዓጽፍን ዝብልዎ ኣብ ግብሪ ካብ ምውዓል ድሕር ዘይብሉ፡ ቃሎምን ግብሮም ዘጣምሩ እዮም እንክብሉ ንር.ሊ.ጳ. ከምዝገለጽዎም ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ካፐሊ ኣስዒበን፡ ኣብዚ መበል 71 ናይ ኬን ፊልም ዓለም ሓቆፍ ምርኢት፡ እቲ ብዛዕባ ቅዱስ ኣቦና ዝትርኽ ፊልም፡ ንኹሉን ብዅሉን ርዱእ ኽኸውንን ብዕድመ ድዩ ብተመክሮን ብትምህርትን ዘይፈላልይ ንኹሉን ናብ ኩሉን ዝብል ፊልም እዩ፡ ስለምታይ ቃል ቅዱስነቶም ኵላውነት ብምዃኑ፡ ፍራንቸስኮ ኣብ ቃሎም ዝርከቡ እዮም ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ጳጳሳዊ ናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ቤት ምኽሪ ኣባልን ምስቲ ናይቲ ፊልም ቀራጽን ደራስን ዝተሓባበሩን የኔታ ዳሪዮ ኤድዋርዶ ቪጋኖ ሲር ምስ እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ እቲ ፊልም ሰነዳዊ ዘይኰነስ ብሓባር ምስ ር.ሊ.ጳ. እዩ፡ ኣብ ውሽጡ መንነትን ተልእዀን ቃልን ቅዱስነቶም ዘንበረ እዩ፡ ስለዚህ ናይቲ ፊልም ቀንደይናን ዋና ተዋሳእን ባዕሎም ቅዱስነቶም እዮም ይብሉ።

ካብ ቀረባን ብቐረባን ቅዱስነቶም ንምዝንታው

እቲ ፊልም ተራኺ ወይ ሰነዳዊ ኣይኵነን፡ ባዕሎም ቅዱስ ኣቦና ቀረባውነት ብምዃን፡ ንተዋሳእነት ሕራይ ብምባል ነቲ ስነ ጥበባዊ መደብ ሕራይ ቢሎም ብምቕባል ብምሉእ ተሳታፍነት ዝተዋስኡሉ እዩ፡ ቀረባ ብምዃን ደረት ሰገር እግዚኣብሔር ንዅሉ ቀረባ ዝዀነን፡ ፍጹም ቀረባውነት ኣብ  ነፍሲ ወከፍ ሰብ ህላዌነት ኣብ ኢየሱስ ኰይኑ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25 ገዛእ ርእሱ ብጥልቂ ዝግለጽ ቀረባውነት ዝምስከረሉ ፊልም ምዃኑ ቃል ወንደርስ ጠቒሶም፡ የኔታ ቪጋኖ፥ እቲ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣቢላ እትነብሮን ዘተን ምስ ኩሉ እተያይዶ ዘተ ዘቃልሕ ፊልም እዩ፡ ንናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ሰዓብቲ ሕዝብን ዝቐርብ፡ ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን ኣባልነት ዘይሓትት ኵላዊ ፊልም ምዃኑ እውን ገሊጾም፡ ነቲ ፊልም ዘሰንይ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ደራሲ ላውረንት ፐቲጋንድ ተራኺ ድምጺ ባዕሉሎም ወንደርስን ከምኡ እውን ድምጻዊት ፓቲ ስሚዝ ዘሳተፈ እዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.