2018-05-08 19:57:00

መዓት ዝሕሱ ኣቦኣ ንሓሶት ስለዝኾነ ምስ ዲያብሎስ ምንም ዓይነት ዘተ ከይትገብሩ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስቲ ወትሩ ከጋግን ከታትልልን ዝጽዕር ፈታኒ ዝኾነ ዲያብሎስ ሽሕኳ ንሓንሳእን ንሓዋሩን እንተተሳዕረ ከምቲ ኣምሓሩ ዝብልዎ ኣልሞት ባይ ተጋዳይ ኮይኑ ካብ ምስሕሓት ስለዘይዓርፍ ከመይ ገርና ፈተናታቱ ክንቃለሶምን ከንሸንፎምን ከም እንኽእል ንኽገልጹ ‘መዓት ዝሕሱ ኣቦኣ ንሓሶት ስለዝኾነ ምስ ዲያብሎስ ምንም ዓይነት ዘተ ከይትገብሩ!’ ቢሎም፣

ብግጽው ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ናይ ዕለቱ ቃል ኣምላኽ ቀዳማይ ካብ ግብረ ሓዋርያት 16.22  ዝተወስደ ኮይኑ “እቲ ሕዝቢ ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ተንሢኡ ተጻብኦም፣ እቶም ሮማውያን ሰበ ሥልጣን ድማ ክዳውንቶም ገፊፎም ብበትሪ ኪዘብጥዎም ኣዘዙ። ብዙኅ ምስ ገረፍዎም ከኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም፣ ነቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ድማ ኣጽኒዑ ኪሕልዎም ኣዘዝዎ። ንሱ ነዚ ትእዛዝ እዚ ምስ ተቐበለ ከኣ፡ ናብቲ ዝወሸጠ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዎም፣ ኣእጋሮም ድማ ብመቚሕ ጒንዲ ኣጽኒዑ ኣሰሮም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኾነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን እናጸለዩ፡ ንኣምላኽ ብመዝሙር የመስግኑ ነበሩ፣ እቶም ካልኦት እሱራት ከኣ ይሰምዑዎም ነበሩ። ብሃንደበት ድማ፡ መሠረት እታ ቤት ማእሰርቲ ክሳብ ዚናውጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ኮነ፣ ብኡብኡ ከኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፣ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሐ። እቲ ሓላው ቤት ማእሰርቲ ምስ ተበራበረ ከኣ መዓጹ እታ ቤት ማእሰርቲ ተኸፊቱ ረኣየ፣ እቶም እሱራት ዝመለቑ መሲልዎ ድማ ሰይፉ መሊሑ ባዕሉ ንባዕሉ ኪቐትል ደለየ። ጳውሎስ ግና ዓው ኢሉ “ርእስኻ ኣይትጒዳእ፡ ኲላትና ኣብዚ ኣሎና” በሎ። ንሱ ድማ “መብራህቲ ኣምጹኡለይ ኢሉ” እናጐየየ ኣተወ፣ ራዕራዕ እናበለውን ኣብ ቅድሚ ጳውሎስን ሲላስን ተደፍአ። ናብ ግዳም ኣውፂኡ ድማ “ጐይቶተይ! ምእንቲ ክድኅንሲ እንታይ ክገብር ይግብኣኒ?” በሎም። ንሳቶም ከኣ “ብጐይታና ኢየሱስ እመን፡ ንስኻን ስድራቤትካን ድማ ክትድኅኑ ኢኹም” በልዎ። ንእኡን ንኲሎም እቶም ምስኡ ኣብ ቤቱ ዝነበሩን ከኣ ቃል እግዚኣብሔር ነገርዎም። ሽዑ በታ ለይቲ እቲኣ ወሲዱ ኣቚሳሎም ሓጸቦም፣ ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ከኣ ተጠምቐ። ናብ ገዝኡ ኣደይቡ ድማ መኣዲ ቐረበሎም፣ ብኣምላኽ ስለ ዝኣመነውን ምስ ኲሎም ስድራ ቤቱ ተሓጐሰ።” ዝብል ከምኡ እውን ወንጌል ናይ  ዮሓንስ 16.5 “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ፣ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ?” ኢሉ ዚሓተኒ የልቦን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ኃዘን መልኦ። ሓቂ ክነግረኩም፡ ኣነ እንተ ኸድኩ ይኅሸኩም፣ ኣነ እንተ ዘይኸይደ እቲ መጸናንዒ ናባኻትኩም ኣይመጽእን እዩ። ኣነ እንተ ኸይደ ግና ንእኡ ክሰደልኩም እየ። ንሱ ምስ መጸ ከኣ ንዓለም ብዛዕባ ኃጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ። ብዛዕባ ኃጢኣት፡ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ። ብዛዕባ ጽድቂ፡ ናብ ኣቦ እኸይድ ኣሎኹ እሞ ደጊም ኣይክትርእዩንን ኢኹም። ብዛዕባ ፍርዲ ከኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝተፈርዶ እዩ።” ዝብል ነበረ።

ቅዱስነቶም ነዛ ‘ብዛዕባ ፍርዲ ከኣ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝተፈርዶ እዩ’ እትብል ቃል መበገሲ ብምግባር እዚ ዝተፈርደ ዝተዀነነ ዝበሃል ዘሎ እቲ ገና ኣሎኹ እናበለ ኣብ ውድቀቱ መካይዲ ዝኾንዎ ሃሰው ዝብል ዘሎ ዲያብሎስ ምዃኑ ብምምልካት ካብ ጥበራኡን ከሰሓሕተና ዘቅርቦ ዝተፈላለየ ሰላሕታዊ ፈተናታቱን ክንጥንቀቅ ኣሎና ኢሎም፣ ከመይ ይብሉ ቅዱስነቶም ሞቱን ውድቀቱን ጥፍኣቱን ዘረጋገጸ ዕቡይ ፍጥረት ክለኻኸም ስለዝቃለስ ዘይጥቅመሉ ኣገባብ ዳርጋ የለን፣ ብቀደሙ ኣስዳዒ ስለዝኾነ ንኸስድዕ ዘይፍንቅሎ እምኒ የለን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍና ድኹም ጐድኒ ኣየናይ ምዃኑ ስለዝፈልጥ ኣየኖት ቃላት ተጠቂሙ ከንዳልህጸና ከምዝኽእል እንታይ ኣርእዩ ክፍትነና ከምዝኽእል ስለዝፈልጥ ንጠንቀቅ ኢሎም።

‘ንሱ እዛ ክእለት እዚኣ ኣላቶ፣ ጠቢርካ ጠባቢርካ ናይ ምስሓት ክእለት፣ ስለዝኾነ ከኣ ሓንሳእ ሓንሳእ ዝተሳዕረ ዝወደቀ ምዃኑ ንክትርድኦ ይሕርብተካ፣ ከመይ ምስ ዓቢ ሥልጣን ቀሪቡ ብዙሕ ነገራት ክህበካ ንመዓር ብዕረ ሸፊኑ ክሓባብለካ ይፍትን፣ ብደገ ብዘብለጭልጭ ነገር ሸፊኑ ኣብ ውሽጢ እንታይ ከምዘሎ ከየርኣየ ከስድዕ ይቃለስ፣ ከንቱነትናን ውጥምናን ኣጸቢቁ ስለፈልጦ ከኣ ናይ ሓሶት ተስፋታት ሂቡ ከጋጊ ዘይገብሮ የብሉን፣ ኮይኑ ግን እዚ ንሱ ዘቅርበልና ብርሃን ከም መብረቅ ብልጭ ኢሉ ህልም ዝብል እዩ፣ ኣብዚ ሓደ ኣብነት ክህበኩም ይብሉ ቅዱስነቶም እሞ ኣብነት ናይ ሃደንዲ ሓርገጽ የምጽኡ፣ ሃደንቲ ሓርገጽ ከም ዋና መምርሒ ዝጥቀሙላ ኣብ ጥቃ ክመውት ቀሪቡ ዘሎ ሓርገጽ ኣይትቅረብ ከመይ ብሓንቲ ጽፍዒት ናይ ጭራኡ ገና ክቀትል ይኽእል እዩ ይብሉ፣ ዲያብሎስ እውን ከምኡ ሓደገኛ እኳ ደኣ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ፣ ከመይ ኣብዚ ከምዚ ዝበለ ሁመት ዘሎን ዘየሎን ሓይሉ ኣኻኺቡ ወስ ስለዝብል ምጥንቃቅ የድሊ፣ በዚኸስ ኣብዚ ግዜ እዚ ኩሉ እቲ ንሱ ዝብለካ ነገራትን ዝህበካ ተስፋታትን ውጹእ ሓሶት እዩ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ንሕና ነዚ ንክንኣምን ክሳብ ክንደይ ዓያሹ ምዃኑ እዩ፣ ዲያብሎ ዓቢ ሓሳውን ኣቦኣ ንሓሶትን እዩ፣ ጽቡቅ ዘረባ ክንዮኡ ዝኽእሎ የሎን ንከጠፋፍእ ጥዑም ዜማ ከዝይም ክእለት ኣለዎ፣ ከም ሓቁ ዲያብሎስ ተሳዒሩ እዩ ኮይኑ ግን ከም ዕውት ክቀርብ ጸገም የብሉን፣ እቲ ንሱ ዘቅርቦ ብርሃን ግን ከም ናይ መብረቅ ብልጭ ኢሉ ህልም ዝብል እዩ፣ ናይቲ ብርሃን ዓለም ዝኾነ ጐይታ ብርሃን ግን ንዘለዓለም እዩ፣ ከም ናይ ዲያብሎስ ብትዕቢት ዝተላዕጠጠ ዘይኮነስ ብትሕትና እዩ ዝቀርብ፣ ስለዚ ካብዚ ንምድሓን ጸሎትን ቀጻሊ ሓለዋን ጾምን የድሊ፣ እቲ ዘገርም ይብሉ ቅዱስነቶም ዲያብሎስ ወትሩ የሰሓሕተና ከንቱነትን ስለዝፈልጦ ውጥምንና ኣቀዲሙ ስለዝግምቶ በዚ ይጻወተልና ሽሕኳ ንርድኦ እንተኾና ግን ኣብዚ ፈተናታቱ ብቀሊል ንወድቅ፣ ስለዚኸስ ዲያብሎስ ውዱቅ እኳ እንተኾነ ሓደገኛ ስዑር ኣካል እዩ፣ ክንጥንቀቅ ኣሎ፣ ከምቲ ኢየሱስ ዝብለና ከኣ ካብዚ ንክንድሕን ቀጻሊ ሓለዋን ጸሎትን ጾምን የድልየና። ብዘይ እዚኤን ንፈተናታት ዲያብሎስ ክነሸንፍ ኣይንኽእል ኢና፣ እታ ዝበለጸት ኣብነት ግን ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝብሎ ዲያብሎስ ከም ዝተኣስረ ኣንበሳ ወይ ከልቢ ኣብ ትሕቲ ሰንሰለት እንከሎ ይነብሕን ዝሕዞ ደልዩ የዕገርግርን ስለዘሎ እታ ዝበለጸት መድሓኒት ጥቃኡ ዘይምቅራብ እዩ፣ ከመይ ከምቲ ኣብ ዘመነ ትንሣኤ ንሕና እነዚሞ ክርስቶስ ተንሥኣ እሙታን ኣሰሮ ለሰይጣን ኣግዓዞ ለኣዳም እዚ ተኣሲሩ ዘሎ ዲያብሎስ ብዘይመጠን ሓሪቁ ስለዘሎ ናብኡ ንከቅርበካ ክሓባብለካ ከቀባጥረልካ ይኽእል ኣብታ ዓንኬል ናይ ቁጽጽሩ ምስ ኣቶኻ ግን ብኽንደይ ቁጠዓን ሓይልን ከምዝብዝብዘካ ፍሉጥ እዩ፣ ኣበው ቤተክርስትያን ነዚ ብዝተፈላለየ ቃላት ይገልጽዎ፣

‘ብመንፈሰይ ኣብዚ ሓሳብ እዚ ከምዝቀርብ ምስ ዝፈልጥን ኣብዚ ሃረርታት እዚ ተዋሒጦ ናብዝን ናብትን ክብል እንተጀሚረን ኣብዚ ተኣሲሩ ዝነብሕ ዘሎ ከልቢ እንተቀሪበን ዝስዕበኒ እፈልጦ እየ፣ እንተዘየሎ ምስ ነኸሰና እሂ እንተኢሎምና እቲ ከልቢ እዩ ነኺሱኒ ክንብልን ከመይ ኢሉ እንተተባሂልና ቀሪበዮስ ነኺሱኒ ኣነስ ያኢ ክደርዞን ከህደኦን ሓሲበ ነይረ ትብል ትኸውን ኣነ ግን ኣብ ጥቃኡ ኣይትቅረብ እብለካ፣ ኣብታ ሰንሰለቱ ተኣሲሩ ስለዘሎ ኣይትቅረቦ፣ እንተዘይቀሪብካዮ ኣይነኽሰካን ኣይትንክፈካን እውን፣ ምናልባት በቲ ዝሓባብለና ነገራት ኣሚና ኣብ መጻወድያኡ ከይንኣቱ ምስኡ ዝኾነ ዘተ ከምዘየዋጽእ ክንፈልጥን ክንጥንቀቅን ኣሎና፣ እኖና ሔዋን ኣብ ዘተ እንተዘይትኣቱ በቲ ንሱ ዘታለላ ኣገባብ ክትታለልን ኣብ ውድቀት ክተምርሕን እምበይምኸኣለትን። እዚ ዓቢ ናይ ውድቀት ስነመለኮት ኢልና እንምልከቶ ጌጋ ኢየሱስ ኣይደገሞን ኣይገበሮን ብቃል ኣምላኽ ጥራይ ብምምላስ ሰለስቲኤን ፈተናታቱ ከምዘሸነፈን ኣብ ወንጌል ንረኽቦ ስለዚኸስ ምስ ዲያብሎስ ዘተ ምስ እትጅምር ሓሳውን ኣቦኣ ንሓሶትን ናይ ምጥፍፋእ ሊቅን ስለዝኾነ ንሱ ከምዘሸንፍ ኣይትጠራጠሩ፣ ስለዚኸስ ዘይምቅራቡን ክትዛተ ዘይምፍታንን እታ ቀንዲ ሜላ እያ፣ ካብዚ ንምድሓን እታ ዳግሚት ሔዋን እንብላ እኖና እግዚእትነ ማርያም ምምሕጻን የድሊ፣ ከመይ ፍረ ከርሳ ዝኾነ ኢየሱስ ርእሱ ስለዝጨፍለቆ ንሳ ክትሕግዘና ትኽእል፣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ከም መልኣኽ ብርሃን ኮይኑ ክቀርበና ይኽእል እዩ፣

‘ኮይኑ ግን ሓደ ኩኑን ዝተሳዕረ ፍጥረት ኮይኑ ኣብ ሰንሰለት ተኣሲሩ ንክመውት ዝሰሓግ ዘሎ እዩ ኮይኑ ዓቢ ዕንወት ከስዕብ ዝኽእል እዩ፣ ስለዚኸስ ንሕና ካብዚ ክንድሕን ክንጽሊ ተጋድሎ ክንገብር ኣብ ጥቃኡ ካብ ምቅራብ ክንሕሎ ምሳኡ ምንም ዓይነት ዘተ ክንገብር የብልናን፣ ኣብ መወዳእታ ሓደራ ዝብለኩም ከም ሕጻናት ንምሰል፣ ከመይ ሕጻናት ፍርሒ ምስ ዝወሮም ናብ ኣዲኦም እዮም ዝጐዩ፣ እዚ ከኣ ግሁድ ነገራትስ ይኹን ኣብ ድቃሶም ዘፍርሕ ሕልሚ ምስ ዚሓልሙ ማማ ማማ እናበሉ ኣብ ኣዲኦም ከምዝጐዩዎ ናብ እኖና ድንግል ማርያም ንጒየ፣ ንሳ ወትሩ ምስ ሓለወትና እያ፣ ኣበው ቤተክርስትያን ምናዳ ባሕታውያን ሩስያ ኣብ ግዜ ፈተናን ጸገምን ኣብ ትሕቲ ባርኖስ እኖና ድንግል ማርያም ኣደ ኣምላኽ ምህዳምን ምምዕቋብን ቀንዲ መድሃኒት ምዃኑ ይገልጹ፣ ስለዚ ናብታ ነዚ ጸላኤ ሰናያት ዝሰዓረት እኖና ድንግል ማርያም ብምምሕጻን ነዚ ዝተሳዕረን ኣብ ሰንሰለት ዝተኣስረን ክንስዕሮ ከምእንኽእል ንዘክር እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.