2018-05-02 17:41:00

ንክርስቶስ ምስዓብን ምምላኽን ብውዑል ክኸውን ኣይክእልን! ር.ሊ.ጳ


“ኢየሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡ ብኡ ኻብቲ ማይ ወጽአ። እንሆ ኸኣ ሰማያት ተኸፍቱ፡ መንፈስ እግዚአብሔር ድማ ብኣምሳል ርግቢ ኪወርድን ኣብ ልዕሊኡ ኺዓልብን ረኣየ።” (ማቴ 3.16)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!  ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ንእንገብሮ ኣስተንትኖ ብምቅጻል ሎሚ ኣብቲ ሕመረት ናይቲ ሥርዓት ኣብ ምጥማቃት ዝፍጸም ነገራት ክንምልከት ኢና፣ ኣቀዲምና ብዛዕባቲ እቲ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊኡ ክወርድ እንጽልየሉ እሞ ዳግም ናይ ምውላድን ናይ ምሕዳስን ሓይሊ ንዝለብስ ማይ ክንምልከት ኢና (ዮሓ 3.5 ቲቶ 3.5) ማይ ምንጪ ሕይወትን ጥዕናን ኮይኑ ማይ ክሰኣን ከሎ ግን ከምቲ ኣብ ምድረበዳ ዝኸውን ዝኾነ ናይ ምፍራይን ምዕባይን ነገር ይጠፍእ፣ ናይ ሞትን ጥፍኣትን ምኽንያት እውን ክኸውን ይኽእል፣ ንኩሉ ከጥሕልን ክገማጥልን ከሎ ብብዝሒ ክዘንም እንከሎ ኣብ ቅድሚኡ ንዝጸንሖ ይለኻኽም፣ ኣብ መወዳእታ ማይ ናይ ምሕጻብ ምጽራይን ምንጻሕን ክእለት እውን ኣለዎ፣ ካብዚ ኩሉ ብሓባር ዝፈልጦን ዝርድኦን ባህርያዊ ምልክት ነቂሉ ቅዱስ መጽሓፍ እግዚአብሔር ብምልክት ማይ ዝገብሮን ዝህቦ ተስፋን ይገልጽ፣ ከምቲ ቅዱስ ኣምብሮዝዮስ ንሓደስቲ ተጠመቅቲ ዝገልጾ ዝነበረ ንሕድገት ሓጢኣት ዝኸውን ሓይሊ ኣብ ማይ ከምዘይኮነ ከምዚ ክብል ይገልጾ፣ ‘እቲ ማይ ርኢኻዮዶ ዝኾነ ማይ ኣይፍውስን እቲ ዝፍውስ ማያ ካብ ክርስቶስ ጸጋ ዝተቀበለ እዩ፣ እቲ ተግባር ናይ ማይ ኮይኑ እቲ ክእለት ግን ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ’ ይብል፣ ስለዚ ከኣ እያ ቤተክርስትያን ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ማይ ክወርድ እትምህለል፣ እቶም ዝጥመቁ ምስ ክርስቶስ ኣብ ሞቱ ተቀቢሮም ብትንሣኤኡ ከኣ ናብ ዘይመውት ሕይወት ይትንሥኡ፣ ጸሎት ቡራኬ ማይ እግዚብሔር ንማይ ምልክት ጥምቀት ክኸውን ከምዘሰናደዎን ከምቲ ኣብ መኽፈቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝብሎ ከኣ መንፈስ ኣምላኽ ቅድሚ ፍጥረት ኣብ ማያት ይዝምቢ ከምዝነበረ ይገልጾ (ዘፍ 1.1-2) ከምኡ እውን ማይ ኣይሂ መወዳእታ ናይ ሓጢኣትን ናይ ሓዲስ ሕይወት ምጅማርን ይገልጽ (ዘፍ 7.6-8, 22) ደቂ ኣብርሃም እውን ካብ ባርነት ግብጺ ብማእከል ማይ ቀይሕ ባሕሪ ብምስጋር ሓራ ኮይኖም (ዘጸ 14.15-31) ኢየሱስ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ ከምዝተጠምቀ እንኪዝከር (ማቴ 3.13-17) እዚ ከኣ ነቲ ካብ ጐድኑ ዝወጸ ማይን ደምን የመልክት (ዮሓ 19.31-37) በዚ ከምዚኸስ ንሓዋርያቱ ንኩሎም ኣሕዛብ ዓለም ብስም ቅድስት ሥላሴ ከጠምቁ ለኣኾም (ማቴ 28.19)፣ በዚ ዝኽሪ እዚ ሓይሊ ለቢስና እግዚብሔር ኣብ ምጥማቃት ምንጪ ጸጋ ናይ መይቱ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ከውርድ ንእግዚብሔር ንልምን፣ በዚ ከምዚኸስ እቲ ማንም ማይ ዝነበረ ተለዊጡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ይለብስ፣ በዚ ማይ እዚ ከኣ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ንሰባት ነጠምቅ ዓበይትስ ይኹኑ ሕጻናት ኩሎም በዚ ይጥመቁ፣

ማይ ምጥማቃት ምስ ተቀደሰ ልብና ክኽፈት ኣለዎ ክባረኽ ኣለዎ፣ ናብ ጥምቀት ንክንኣቱ ነቲ ማይ ንባርኽ ንልቢ እውን ንባርኽ፣ እዚ ከኣ በቲ ዝስዕብ ሥርዓት ክሕደት ሠይጣንን እምነትካ ብምእማንን ይግበር፣ እዘን ክልተ ነገራት እዚኤን ዘይፈላለያ እየን፣ መጠን ንዲያብሎስን ፈተናታቱን ኣይፋል ዝበልክዎ መጠኑ ነቲ ብሓሳባትን ብግብርን ምስኡ ከወሃህደኒ  ንዝጽዋዕኒ እግዚብሔር እሺ ሓራይ ክብል እኽእል፣ ሠይጣን በታንን መቃቃልን እዩ፣ እግዚብሔር ግን ወትሩ የወሃህድ ንማሕበርናን ንኩሎም ሰባትን የወሃህድ፣ ንኢየሱስ ብውዑል ክንክተሎ ኣይንኽእልን፣ ንካልኦት ሓቊፍካ ንክትክእል ካብቲ ኣሲሩ ሒዙካ ዘሎ ነገራት ክትላቀቅ ግድን እዩ፣ ንሕና ደቂሰባት ገለና መንነትና ጽቡቅ ኣይግለጽን፣ `እዚ ንሠይጣንስ ይኹን ንእግዚአብሔር ክኸይድ ይኽእል እዩ’ ኢልና ንርእስና ነታልል፣ ሽሕኳ ከምኡ ንብል እንተኾና እዚ ግን ፈጺምካ ብሓደ ዝኸይድ ኣይኮነን፣ ወይ ምስ እግዚብሔር ወይ ምስ ዲያብሎስ ኩን፣ ስለዚ ከኣ እዩ ኣብ ጥምቀት ክሕደት ሠይጣንን እምነትካ ምእማንን ብሓደ ዝግበር፣ ነቲ ናይ ቅድም ነገራት ጨሪስካ ቈሪጽካ ብምእላይ ነታ ሓዳስ መንገዲ ማለት ንክርስቶስ ክትክተል የድሊ፣

ነታ ‘ንሠይጣንን ኩሉ ተግባራቱን ኩሉ ፈተናታቱን ትኽሕድዶ!’ እትብል ሕቶ ብቀዳማይ ንጽል ኣካል `እኽሕድ’ ኣነ እኽሕድ ብማለት ንምልሽ፣ ብኣልማማ ኣይምለሽን! ኣነ እኽሕድ እዩ ዝበሃል፣ ማዕረ ማዕረ እዚ ከኣ እምነት ቤተክርስትያን ንምእማን ‘እኣምን’ ብማለት ይምለሽ፣ ኣነ እኽሕድ ኣነ እኣምን ትብል፣ መሠረት ጥምቀት ከስ እዚ እዩ፣ ብሓላፍነት ዝውሰድ ምርጫ እዩ፣ ኣብ እግዚብሔር ብምእማን ከኣ ናብ ጭቡጥ ተግባራት ክሰግር ዘለዎ ጉዳይ እዩ፣ እዚ ናይ እምነት ሥራሕ እዚ ብምሥጢረ ጥምቀት ወትሩ ምስ ተሓገዘ ስለዝኾነ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ሕይወትን ኣብ ግዜ ፈተናን ጸኒዕካ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ይሓትት፣ ነታ ናይ እስራኤላውያን ጥንታዊ ጥበብ ንዘክር ‘ወደየ ንእግዚብሔር ክተገልግል እንተደኣ ወሲንካ ንፈተናታት ተዳሎ’ (ሲራ 2.1) ንክትቃለስ ተሰናዶ ማለቱ እዩ፣ ኣብዚ ቃልሲ እዚ ብጽቡቅ ንክንጋደል ከኣ መንፈስ ቅዱስ ሓይሊ ይህበና፣ ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣእዳውና ኣብ ማይ ጸሎት ክነጥልቅ እንከሎና ኣብ ቤተክርስትያን ክንኣቱ እንከሎና ማይ ጸሎት ጠሚዕና ብትእምርተ መስቀል ንዓትብ ኣብዚ ነቲ ዝተቀበልናዮ ምሥጢረ ጥምቀት ብታሕጓስን ምስጋናን ንዘክሮ፣ እዚ ማይጸሎት እዚ ንጥምቀትና የዘኻኽረና፣ ነቲ ሽዑ ዝበልናዮ ኣመን ከኣ ነሕድሶ፣ ኣብ ፍቅሪ ቅድስቲ ሥላሴ ጥሒለ ክነብር ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ ክንብል ኣሎና፣ እግዚብሔር ይሃበብለይ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.