2018-05-01 17:05:00

ብፁዓን ጳጳሳት ማላዊ፥ ኣመለኻኽታ ምልዋጥን ምሕዳስን የድሊ ይብሉ


ናይ ማላዊ ብፁዓን ጳሳት ቤት ምኽሪ ዕለት 29 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት መበል 54 መዓልቲ ናጽነት ሃገሮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ሕዝቢ ሃገሮም ነቲ ናጽነት እናማዕደወ ሃረር ዝብሎ ዝነበረ ክቡር ዋጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይዓተረ ኣመልኪቶም፡ ሎሚ እውን ድሕሪ 54 ዓመት ናጽነት ብዙሕ ሕዝቢ ማላዊ ትሕቲ ድኽነት፡ ጥምየትን ሕማምን ክርከብ ምርኣይ ብሓቂ ዘሕፍርን ዘሕዝንን ኰይኑ እዚ ኹሉ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣብ መርሕነት ዘሎ ስልጣን ሕጂ እውን ኣምለኻኽታኡን ርእየቱን ምስቲ ናይቲ ሕዝቢ ትጽቢታት ዘይመጣጠን ምዃኑ ጥልቂ ሓዘን የስዕብ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ነቲ ናይ ሕዝቢ ድኽነት ምስቲ ናይ ሃገር ሃብታም ዕቑር ሓይሊ ከተነጻጽሮ እንከለኻ ብሓቂ የሕዝን፡ እቲ ዘለካ ዕቑር ሓይሊ ተጠቓሚ ምዃን ዘይምኽኣል ንገዛእ ርእሱ ድኽነት እዩ፡ እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ናይ ተፈጥሮ ሃብትን ጻዕራም ሕዝብን ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ሳልሳይ ዓብይ ቀላይን ልሙዕ መሬትን ጐበታትን ኣግራብን ንናይ ሃገርን ሕዝብን ጥቕሚ ምውዓል ድኽነት ምውጋድ እዩ ዝኸውን ቢሎም፡ ቅድሚ 54 ዓመት ዝተበገሰ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ዓቢይ ናይ ሰላም ህያብ እዩ እሞ እዚ ኹሉ ሃብቲ ንጠቀመሉ ከምዝበሉ ሓቢሩ።

ናይ ኣመለኻኽታ ልወጥን ሕዳሴን ኣድላዪ እዩ

ብፁዓን ጳጳሳት ማላዊ ኣብ መልእኽቶም፥ ናይ ሃገሮም እዋናዊ ኵነት ብሉጽ ክኸውን ናይ ኣመለኻኽታ ለውጥን ሕዳሴን ኣገዳሲ እዩ። ነቲ ቅድሚ 25 ዓመት ዝተኣታተወ መድብላዊ ስርዓት ፖልቲካ (ኅብረ ውድባዊ ፖለቲካ ስርዓት) ስዒቡ ዝተኣታተዎ ኣስራርሓን ፖለቲካውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ከይዲ ብጥልቂ ብምምልካት ዝእረም ምእራም ዝድገፍ ክቕጽል ዘኽእል ናይ ኣመለኻክታ ለውጥን ሕዳሴን ኣገዳሲ ምዃኑ ሓቢሮም፡ ኣቲ ኣብ ማላዊ ዘሎ ስርዓት ዴሞክራሲ ሓቀይና ድዩ ወይ ተምሳል፡ መላእ ሃገርን ህዝብን ዘዕብይ ድዩ ወይ ከኣ ንውሁዳን ዝብጅው፡ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፖለቲካ ውድብ ኣብ ውሽጣዊ ኣሰራርሓኡ ዴሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኰነን፡ ተቓዋሚ ይኹን ኣብ መርሕነት ዘሎ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ውሽጣዊ ኣነባብራኡን ከይድን ደሞክራሲያዊ ድዩ ኣይኰነን ዝብል ሕቶ ክስትንተን ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ሓቢሮም። ኵሎም ናይ ፖለቲካ ውድባት መራሕቲ ደሞክርስን ፍትሕን ከነቓቕሑ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣገዳስነት ናይ ሕዳሴን ለውጥን ፍጸምትን ልኡካንን ዝዀኑ ናይ ፖለቲካ ኣካላት

ፖለቲካ ናይ ኩሉ ረብሓ ዘነቓቕሕን ዝከናኸንን እምበር ነቶም ላዕለዎትን ብኤኮኖሚ ሃብታማትን ንዝዀኑ ውሁዳን ክፍሊ ሕብረተሰብ ጥራሕ ዝሓልይ ክኸውን የብሉን፡ ንዅሉ ሕዝብን ንመላእ ሃገርን ዝብል ክኸውን ኣለዎ፡ ላዕለዎት ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰበ ስልጣናትን ብቐሊሉ ንብላዕን ምግባረ ብልሽውናን ብምዃኖም፡ ነዚ ፈተና እዚ ከሰንፉ ዘኽእሎም ግብረ ገባዊ ሕልና ከተባብዑ ንሕዝብን ሃገርን ጥቕሚ ዝተጸውዑ ምዃኖም ከይዝንግዑ ብፁዓን ጳጳሳት ማላዊ ኣተሓሳሲቦም፡ ናይ ኣገልግሎት መውሃቢ ፍትሓዊ ክኸውንን ኣብ ኩሉ ከባቢ ሃገር ክተኣታተዉን ናይ ለወጥን ሕዳሴስ ልኡካን ይኹኑ ቢሎም እቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ኣብ መላእ ሰበኻታን ቁምስናታትን ማላዊ ምይይጥ ክግበረሉ ሓደራ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.