2018-04-30 17:53:00

ኣብዚ ናይ ህውተታ ዓለም ካብ ዘቅርበልና ውጥምና ንጠንቀቅ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ሎሚ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘መንእሰያትና ሎሚ ብዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ዝቀርብ መሀውተቲ ነገራት ብውጥምና ከይጽመዱ ንሓልዎም፣ ከመይ ሕጻናት ኩሉ ግዜ ውጥምና እንከጥቅዖም ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓለምና መሀውተቲ ወይውን ሥነ ሓሳባዊ ነገራት ስለዘቅርብ ኣብዚ ከኣ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ስለዘሎ ንሓልዎም፣ ካብዚ ንክንወጽእን ንከብርሃልናን ነቲ ርግጽነት ዝህበና መንፈስ ቅዱስ ንለምን’ እንክብሉ ሰቢኾም፣

 ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ትማሊ ሓሙሻይ ሰንበት ናይ ትንሣኤ ኮይኑ ንዕለቱ ዝቀረበ ወንጌል ካብ ዮሓንስ 15.26 “እቲ ትእዛዛተይ ተቐቢሉ ዚሕልዎ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ፣ ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፣ ኣነውን የፍቅሮ እየ፣ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።” ይሁዳ ድማ፡ እቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኾነስ እቲ ሓደ፡ “ጐይታይ! እቲ ርእስኻ ንዓለም ዘይኾነ ንኣና እትግለጸሉ እንታይ እዩ?” በሎ። ኢየሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “እቲ ዜፍቅረኒ ቃለይ ኪሕሉ እዩ፣ ኣቦይ ከኣ ኬፍቅሮ እዩ፣ ናብኡ መጺእና ድማ ኣብኡ ማኅደር ክንገብር ኢና። እቲ ዘየፍቅረኒ ግና ንቃለይ ኣይሕልዎን እዩ። እዚ እትሰምዕዎ ዘሎኹም ቃል ከኣ ናይቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ እዩ እምበር ናተይ ኣይኾነን። “ገና ምሳኻትኩም ከሎኹ እዚ ነገራት እዚ ነገርኩኹም። እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ኲሉ ኪምህረኩም ነቲ ኣነ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።”ዝብል ነበረ፣

እቲ ንኩሉ ዝምህረና መንፈስ ቅዱስ ኣብ መንጎ ጽቡቅ ውጥምናን ሕማቅ ውጥምናን ፈሊናን ኣለሊናን ምእንቲ ክንክእል ብርሃኑ ክዕድለና ንለምኖ፣ ንሱ ከኣ ርግጽነት ክህበናን ምዃኑ ዘረጋገጹ ቅዱስነቶም ነቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ ናይቲ ኣስቆሮታዊ ዘይኮነ ካልእ ይሁዳ ሕቶን መልሲ ኢየሱስን ኣወዳዲሮም ከኣ እቲ ሓደ ውጥምና እቲ ሓደ ግን ርግጽነት ክብሉ ፈልዮሞ፣ ይሁዳ ብውጥምና እንክሓትት ኢየሱስ ከኣ ብርግጽነት ይምልሰሉ፣ ሕይወትና ብውጥምና መሊኡ እዩ፣ ኮይኑ ግን ሕማቅን ጽቡቅን ውጥምና ስለዘሎ ምልላይ የድሊ፣ ከም ኣብነት ከኣ ናይ ሕጻናት ገርሀይናን ሓያልን ሕቶታት ኣሎ፣ ስለምንታይ ትብል ወትሩ ስለዝደጋግሙ ከኣ ናይ ስለምንታይ ዕድመ እውን ይበሃል ሕጻንነት፣ ስለምንታይ እናበሉ ይሓቱ ይዓብዩ ኣብ ሕይወት ብዙሕ ነገራት ዘይርድኦም ከምዘሎ እንተረድኦም ይዓብዩ ስለምንታይ ኢሎም ብምሕታት ከኣ መግለጺ ሃሰስ ይብሉ፣ እዚ ጥዑይ ውጥምና እዩ ምኽንያቱ ከኣ ንክትምዕብልን ንክተስተንትንን ዝሕግዝ እዩ፣ ሕጻናት ይርእዩ የስተንትኑ ምርዳእ ንዝሰኣንዎ ከኣ ስለምንታይ ኢሎም ይሓቱ፣ ካልእ ዓይነት ውጥምና እውን ኣሎ፣ ናይ በላበለው ዓለምን ዘመንና ምሂዝዎ ዘሎ ናይ መራኸብቲ ብዙሓን ናይ ህውታተ ዓለም ማለት ቪርችዋል ዎርልድ እውን ኣሎ፣ በላበለውን ሕሜታን ናይ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ውርሻ ኮይኑ ገሊኦም ኣንስትባ ኣሰብኡት እባ ይብሉ፣ ኮይኑ ግን ናይዚ ውጥምና እዚ ቀንዲ ሕማም ኣብ ዘይመንጠቢትካ ኣብ ዘይምልከተካ ኣብ ሕይወት ካልኦት ጠብሎቅ ምባል እዩ፣ ዝገደደ ከኣ ንሽም ካልኦት ንምጽላምን ዘይኮነ ምውራይን ኮይኑ ሓደ ፈተና ኰይኑ ምሉእ ሕይወትና ዘሰንየና እዩ፣

‘በዚ ክንደሃል የብልናን ኮይኑ ግን ክንጥቀቅ ኣሎና፣ ነዚ ኣይሓትትን ነዚ ኣይርእን ነዚ ክገብር ኣይደልን ክንብል ክንክእል ኣሎና፣ ከም ኣብነት ሎሚ ብተለፎናትን ካልእ መጋበሪ ኢንተርነትን ክንደይ ኮለል ዝብል ነገራት ኣሎ፣ ቀንዲ ናይዚ ዓለምዚ ተኣፈፍቲ ሕጻናት ኮይኖም በቲ ጠባዮም ንብዙሕ ነገራት ክፈልጡ ይደልዩ ክርእዩ ይደልዩ ኮይኑ ግን ኣባኡ ብዙሕ ሕማቅ ነገራት ኣሎ፣ ኣብዚ ውጥምና እዚ ሥነ ሥርዓት ዝበሃል የሎን፣ ንደቅና ኣብዚ ዓለምዚ ንምንባር ክንሕግዞም ኣሎና፣ ከመይ ንክትፈልጥ ዘሎ ሃረርታ ናይ ውጥምና ሃረርታ ክኸውን የብሉን፣ ስለዝኾነ ከኣ ደቅና ናይዚ ውጥምና እዚ እሱራት ይኾኑ፣

ኣብ ናይ ሎሚ ወንጌል ዝተዓዘብናዮ ናይ ሓዋርያት ውጥምና ካብቲ ጽቡቅ እንብሎ ኮይኑ እንታይ ኮን ክኸውን እዩ እንክብሉ ብዛዕባ መጻኢ ይሓቱ፣ ኢየሱስ ከኣ እታ ሓቂ ይነግሮም። ኣይትተሃወኹ ይብሎም፣ እቲ ክሰደልኩም እየ ዝበልኩኹም መንፈስ ቅዱስ ምስ መጸ ንኩሉ ክምህረኩም እዩ፣ ነቲ ዝበልኩምኹም ኩሉ ከዘክረክም እዩ፣   

‘ኣብ ሕይወትና ርግጽነት ዝህበና መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ኮይኑ ግን መንፈስ ቅዱስ ንርግጽነት ኣብ ባኮ ዓሺጉ እንካ ኣይኮነን ዝብለና፣ መምዘኒ ናይ እዚ ኣብ ሕይወትና እንጐዓዞን ንመንፈስ ቅዱስ እንልምኖን መጠን ልንባ ዝኸፈትናሉን ነታ ግዜ እቲኣ ትኸውን ርግጽነት ነታ ሁመት እቲኣ እትኸውን መልሲ ይህበና፣ ነቲ ጐይታ ዝበለና ቃላት ከኣ እናኣብርሀ የዘክረና፣ ስለዚ መንፈስ ቅዱስ ናይ ዝኽሪ መሰነይታ ኮይኑ ናብታ ዘይትነቃነቅ ታሕጓስ የብጸሓና፣ ስለዚ ነቲ ከይንጋገ ንዝሕግዘና መንፈስ ቅዱስ ናብዚ ሓቀኛ ሓጐስ እዚ ንክመርሓና ንለምኖ፣

`ሎሚ ንጐይታ ክልተ ነገራት ንለምኖ፣ ቀዳማይ ጥዑይ ውጥምና ንክንቅበል ንከንጸሓና ከመይ ብዙሕ ጽቡቅ ዘይጽቡቅን ውጥምና ኣሎ፣ ንኣብነት ፍቃድ ኣምላኽ ኣሌሊኻ ንምኽኣል ዝግበር ጻዕሪ ጽቡቅ እዩ፣ ካልኣይ ልብና ንመንፈስ ቅዱስ ከፊትና ንክንክእልን ንሱ ንዝህበና ርግጸት ክንቅበልን ጸጋ ክህበና እሞ ንኣኡ ናይ ጉዕዞ ብጻይና ገርና ነቲ ኢየሱስ ዝመሃረና ኩሉ ክንዝክር ምእንቲ ክንክእል ኣሰንየና ንበሎ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.