2018-04-28 16:18:00

፬ ሰንበት ዘትንሣኤ 21 ሚያዝያ 2010 ዓ.ም (4/29/2018)


መዝሙር: ተንሥአ ወአንሥአ ኩሎ ሙታነ. "ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንስኦም ካብ ኩሉ ሞቝሕ ማእሰርቶም ከአ ፈትሖም፥ ብዓቢይ ሓይልን ስልጣንን ንነፍሳት ጻድቃን ነጻ ገበረን፥ ንአልአዛር ተንሥእ በሎ ነቲ ዕዉር ከአ ብቃሉ ፈወሶ፥ ትንሣኤኡ አብ ሰንበት አብ ሳልሳይ መዓልቲ ገበሮ፥ ተንሢኡ ንኹሎም ሙታን አተንሥኦም፥ ተንሢኡ ንምቝሓት ፈትሖም”።

ንባባት፡ ቆላ 3፡1-11፥ 1ዮሓ 3:1-10፥ ግ.ሓ. 4:8-12፥ ዮሓ. 10:1-18  ምስባክ፡ አንሰ ሰከብኩ ወነምኩ። ወተንሣእኩ እስመ እግዚአብሔር አንሥአኒ፥ እይፈርህ እም አእላፍ አሕዛብ። “ተገምሰስኩን ደቀስኩን፥ እግዚአብሔር ሰለ ዘተንሥአኒ ተንሣእኩ፥ ካብ አላፋት አሕዛብ አይፈርህን እየ” መዝ. 3፡5~6።

አብዚ ናይ ሎሚ ሰንበት ክልተ ነገራት ዘኪርና አሎና፡ አብ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፍላይ አብ ላቲናዊ ስርዓት ዝኽተሉ “ሰንበት ኄር ኖላዊ” ወይ “ሰንበት ጸዋዕታ” ተባሂሉ ዝዝከር ሰንበት ኢና እነብዕል ዘሎና በዚ አጋጣሚ ቤተ ክርስትያን ምእንቲ ጸዋዕታ ብፍሉይ እነስተንትነሉን እንጽልየሉን ክኸውን ትነገረና። ምእንቲ እቶም አብ አገልግሎት ዘለዉን ከምኡ ንመንእሰያትና አብ አገልግሎት አምላኽ ክወፍሩ ነቲ አምላኽ ሕሹኽ ዝብሎም ክሰምዑ ክንሕግዞም ትላበወና።

፬ይ ሰንበት ዘትንሣኤ ስለ ዝኾነ ብፍሉይ ምስጢር ትንሣኤ ዘኪርና ክንርከብ እሞ መንፈስ ትንሣኤ ለቢስና አብ አምላኽ ዘሎና እምነትን ፍቕርን እንገልጸሉ ፍሉይ ሰንበት እዩ።

ሕዝቅኤል 34፡1-31 ዘሎ እንተ አንበብና ናይ ሎሚ ወንጌል ክንርዳእ ይሕግዘና። ሕዝቅኤል ነበይ ብዘመኑ ዝነበሩ ጓሶት ህዝቢ (ነገስታት) ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኦም ንህዝቢ ይጭቍኑ ስለ ዝነበሩ አብቲ አምላኽ ዝደልዮ ክምለሱ ይነግሮም ከምኡ ዋና ጓሳ ንሱ ከምዝኾነ ገሊጹ ይነግሮም፥እተን መጓሰ እውን አብ መንጎ ንሰን ዝገብርኦ ኩሉ ጽቡቕ እንተ ዘይኮነ ከም ዝፍረዳ ይነግረን። ነቶም መራሕቲ ህዝቢ “ንዝሓመቓ አይተኸናኸንክምወንን፥ ንዝሓመማ አይፈውስኩምወንን፥ ንዝጠፍአ አይደሌኹምወንን” እናበለ ነቶም ጓሶት ተልእክኦም ዘንጊዖም ዘለዉ ይነግሮም። “ጓሳ ስለ ዘይነበረን ፋሕ በላ ንኹሎም አራዊት መሮር ከአ ብልዒ ኾና. . . . አብ ኹሉ ተባረራ. . . ፋሕ በላ” ይብል። “እቶም ጓሶት ንርእሶም ጓሰዩ እምበር ነባግዐይ አይጓሰይወንን” አብ ጥቕምን ረብሓን ርእሶም ጥራሕ አተኲሮም ንዝነበሩ ጓሶት ከመልክት እንከሎ። ናይ ኩሉ ዋና አምላኽ ከምዝኾነ ክነግሮም ኢሉ ኸአ “ነተን አባግዐይ አነ ባዕለይ ክደልየንን ክአልየንን እየ” “ካብቲ ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ዅሉ ቦታ ኽኣኻኽበን እየ፥ ካብ ዓዲ ጓና ኸምጽአን እየ፥ አብ ሓደ ክእክበን ናብ ሃገረን ድማ ኽመልሰን እየ”። “ነተን ዝጠፍአ ኽደልየን ነተን ዝተባረራ ኽመልሰን፥ ንዝተሰብራ ኽዘነን፥ ንዝሓመማ ኽፍውሰን እየ” እናበለ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ንህዝቡ ከም ዝጓሲ ይነግር።

ዮውሓንስ ወንጌላዊ ነዚ መሰረት ገሩ እቲ ሓቀኛ ጓሳ ኢየሱስ ባዕሉ ከምዝኾነ ይነግር። ወንጌል አብቲ ጓሳን ምስ መጓሰኡ ዘለውን ርክብ የተኵር። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ናብተን አባግዑ ዝመጽእ እሞ ዘላልይኦ እዩ። እቲ ጓሳ ነባግዑ ስለ ዝፈልጠን በስማትን ይጽውዐን ንሰን ከአ ብድምጹ ይፈልጣኦ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ነዚ ከስተንትኑ እንከለዉ “እቲ ጓሳ ከምተን አባግዕ ክሽትት አልኦ” ሰረቕቲ ዘመድቲ ከምኡ ጓኖት ነተን አባግዕ ከጠፋፍእወን አይክእሉን እዮም። አብዚ ኢየሱስ ነቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፈሪሳውያን እዩ ዘመልክት ነሩ፥ ንሳቶም ነቲ ህዝቢ የጋግይዎ ነሮም፥ ሎሚ እውን ንኹሎም ጓሶት ህዝቢ እዚ መልክዕ ከይለብሱ መጠንቀቕታ እዩ።

ኢየሱስ አፍደገና እዩ።

ኢየሱስ ገሊጹ “እቲ አፍደገ አነ እየ ብአይ ዚአቱ ኪድኅን እዩ፥ ክአቱን ክወፍርን እዩ መጓሰዪውን ኪረክብእዩ” ይብለና። አብ ጊዜ ኢየሱስ ጓሳ አብ አፍደገ ደምበ አባግዑ እዩ ዝድቅስ ነሩ። እተን አባግዕ አብ ውሽጢ ደምበ ሓንቲ አፍደገ አብ ዘላታ እየን ዝድቅሳ እቲ ጓሳ ኸአ አብቲ አፍደገ ይድቅስ ስለ ዝፈልጣኦ አይስንብዳን እየን ካልእ እንተ ኾነ ግን ይፈርሓ። አብተን አባግዕ ዝአቱ በቲ ጓሳ ዘልኦ ክሓልፍ አልኦ። ኢየሱስ አነ አፍደገ ክብለና እንከሎ ኩሉ ብአኡ ክንረኽቦ ከምዘሎና ክገልጽ ኢሉ እዩ። ድሕነት ብኢየሱስ ጥራሕ እዩ ዝርከብ። ኩሉ አብዚ ወንጌል ተባሂሉ ዘሎ ብዛዕባ ኢየሱስ እዩ፥ ብርግጽ ብአምሳል እዩ ዝንገር ዘሎ ብርግጽ ንሱ ጥራሕ እዩ እቲ ሓቀኛ መራሒና። ንሱ መራሒና እዩ መሪሕነቱ ኸአ አብ ፍቕርን ሓልዮትን ዝተመስረተ እዩ። መሪሕነቱ አብ ህዝቡ ዋሕስን ሓልዮትን ፍቕርን የሕድረለን።

ድምጺ ኢየሱስ ሰሚዕካ ምኽአል።

ድምጺ ጓሳና ዝኾነ ኢየሱስ ክንሰምዖ ክነለልዮ ድላዩ እዩ። ካብ ኩሉ እንሰምዖ ድምጽታት ብፍሉይ ክነስተውዕለሉ ዝግባእ ድምጺ ናይ ኢየሱስ እዩ። አብዚ ዓለም ዝተፈላለየ ድምጽታት እዩ ዝስማዕ ዘሎ። ድምጺ ጽልኢ፥ ቅርሕንቲ፥ ውግእ፥ ግፍዕን ዓመጽን፥ ሓሳዊ ድምጺ፥ መታለሊ ድምጺ. . . . ይስማዕ እዩ። አዳምን ሕዋንን ድምጺ ፈጣሪኦም ሓዲጎም ድምጺ አቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣን ምስ ሰምዑ ኩሉ ተቐይርዎም። ንሕና እውን ድምጺ አምላኽ ድለት አምላኽ ሓዲግና ካልእ ድምጺ ምስ ሰማዕና ኩሉ ክፍአት ንገብር። ሎሚ አነ ድምጺ መን እየ ዝሰምዕ ዘሎኩ ክንብል አሎና። አብ አምላኽ ቅርብ እንተ በለና ድምጹ ካብ ኩሉ ካልእ ድምጽታት ፈሊና ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ንመንፈስ ቅዱስ ክንልምኖ አሎና አምላኽ ክዛረብ እንከሎ ሰሚዕና ክንክእል ምእንቲ፥ አምላኽ ብዝተፈላለይ ድምጺ ክንሰምዖ ኢሉ ይዛረበና አሎ እሞ ሰሚዕና ክንክእል። ንድምጺ አምላኽ ንመልእኽቲ አምላኽ ክነለሊ ፍሉይ ጸሎት የድልየና፥ እንታይ ይብለኒ አሎ? ካባይ እንታይ ይደሊ አሎ ኢልና ክንሓትት አሎና።

ንአምላኽ ምስማዕ ሓደ ነገር እዩ፥ ከምኡ ንድምጺ አምላኽ ምኽትል ከአ ካልእ እዩ። ንአምላኽ ንቓሉ ከይተኸተልና ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብቲ ሎሚ ንክርስትና አጸጊምዎ ዘሎ አብ ሰንበት ብዙሓት ይመጽኡ ቃል አምላኽ እውን ይሰምዑ ቅዳሴ ምስተወድአ ኩሎም ነንገዝኦም ይኸዱ ከከምቲ ዝደለይዎ ሕይወቶም ይመርሑ “ሕይወተይ ባዕለይ ከምቲ ዝደለኽዎ እየ ዝመርሖ” እናበልና ግላዊ ሕይወት አብ ድለትና ጥራሕ ዝተመስረተ ሕይወት ንመርሕ እንተ ኾነ አምላኽ ዝደልዮ ብድላዩ ክንምራሕ እዩ ዝደልየና። አብ ቅድሚ አምላኽ ከምድላየይ ዝብሃል የለን። ድምጺ አምላኽ ሰሚዕናን አለሊናን ንኽአል እሞ ሽዑ ቅሱን ሕይወት ክንመርሕ ኢና።

“እተን አባግዕ ጓስኤን በስማተን ክጽውዐን እንከሎ ይሰምዓኦ” አምላኽ አብ አገልግሎቱ አብ ስርሑ ክንወፍር ብዝተፈላለየ መገዲ ጸዊዕና አሎ። ብግልን ብሓበራን ዝተጸዋዕና ሰባት ኢና። መጸኣውዕታና ክንሕድስ ከምቲ ዝተዋህበና ኮና ክንርከብ መብጽዓና ክንሕድስ ንሕተት አሎና። እከለ ወደይ እከሊት ጓለይ ብፍሉይ ነዚ ነገር ክትገብር/ሪ ሓርየኪ እየ እሞ ተለአኸኒ ተለአኽኒ ኢሉና እዩ። እሞ መልእኽቲ አምላኽ ነብጽሕ ዘሎና አብ መገዲ ዘንጊዕና ካልእ አድሂብና ከይንህሉ ምርአይ የድልየና አሎ። ዘንጋዕቲ ጠለምቲ ስለ ዝኾና ኩሉ ጊዜ መዘኻኸሪ የድልየና እዩ። አበይ ገጸይ እጉዓዝ አሎኹ እቲ አምላኽ ዝሃበኒ ሕርየተይ ከምቲ ንሱ ዝደልዮዶ እሕልዎ አሎኹ ወይስ ከምኡ ከምኡ ገረ ሒዘዮ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ምስ ሕይወትና ክንዛረብ አሎና። እዚ እዋን ናይ ምሕዋይ፥ ናይ ምስማዕ፥ ናይ ምምሃር፥ አብ ፍቕሪ ተመስሪትካ ናይ ምክፋል፥ ናይ ምሕዳስን ብኹሉ በሲልካ ዕብየት ናይ ምርአይ እዋን እዩ።

አብ ዘይደንበና አይንእቶ።

አምላኽ ካብ መጀመርያ ምስኡ ክነብር እዩ ፈጢሩና። ካብ አምላኽ ብምፍላዮም ቀዳሞት ወለድና ሞት አምጺኦምልና። አብዘይናትና ክንከይድ ከሎና ሞት እዩ ዕጫና። አብ ታሪክ ደቂ ሰብ እዚ ሓንሳብ ዝአተወ ካብ ገዛኻ ወጺእካ አብ ዓዲ ጓና ምኻድ ዝደጋገም ናይ ደግሲ ሕማም እዩ። ካብታ ምውቕቲ ገዛና ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ወጺኦም አብ ካልእ ዘይደንቢኦም ዝአትዉ ናይ ዘመና ፋሽን እዩ እንተበልና ጌጋ አይመስለን። ንኢየሱስ ክንፈልጦ ምስኡ ክነብር አብ ትሕቲኡ ክነብር እዩ ዝደልየና። ዝነፈሰ ንፋስ ክጸልወና የብሉን፥ ዝተሰምዐ ድምጺ ክንሰምዕ አይግብአናን ንድምጺ ክርስቶስ ምስ ዝኾነ ካልእ ከይነደናግሮ ምጥንቃቕ የድልየና። “ዘይስንኻን ዘይ ባህርኻን ዘይናትካ ምዃን እናተገልጸ እዩ ዝመጽእ” እሞ ዘይናትና ከይንለብስ አብዘይ ናትና ከይንአቱ ናትና አለሊና ንኽአል። ዝተባረረት በግዕ አብ ብጾታ ምስ ተመልሰት ጥራሕ እያ እትቐስን ስለዚ ንሕና እውን ምስቲ ምንጭና ዝኾነ ክርስቶስ ክነብር እንከሎና እሞ ብቤተ ክርስትያኑ ንዝብለና ንሓቀኛ እምነትን ትምህርትን ክንሰምዕ እንከሎና ጥራሕ ኢና እንቐስን።

መለልዪ ጉስነትና ምስ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ እዩ መለክዒኡ።

ዝኾነ መራሒ አብ ክርስትናዊ እምነትና ማለት ጳጳሳት፥ ካህናት፥መነኮሳት/ን ከምኡ ምእምነናን ሓቀኛ መንነትና ምስ ኢየሱስ መድኃኒና ዘሎና ርክብ እዩ መለክዒኡ። ኢየሱስ እቲ እንኮ ማዕጾ ምዃኑ ክነለሊ አሎና። ምስ ኢየሱስ ቀጻሊ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ኩላትና ልኡኻት አምላኽ ኢና ንድላይ አምላኽ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነብጽሕን ክነግርን ዝተለአኽና ስለ ዝኾና ዓቢ ምስትውዓልን ምሕሳብን የድልየና። ከምኡ አብ መንጎና ሓቀኛ ዝኾነ ርክብ ክህልወና ይግባእ። ሓደ መጓሰ አምላኽ ምዃና ክንዝንግዖ ዘይግብአና ጉዳይ እዩ። ንሓውና ንሓፍትና እና ጸላእና ንአምላኽ ነፍቅር ክንብል ስለ ዘይንኽእል። አብ ኩሉ አብነትና እምብአር ባዕሉ ኢየሱስ እዩ።

ተሰዊዕካ ምኽአል፡

ሓደ ካብቲ መለልይ ሓቀኛ ጓሳ ምእንቲ አባግዑ ክስዋእ እንከሎ እዩ። ኢየሱስ ጓሳና ነዚ ብግብሪ አብ ሕይወቱ ምእንታና በጃ ምስ ሓለፈ ገሊጹልና። ኩሉ አብ ክርስቶስ ዝአምን አብ መስዋዕቲ ርእሱ ክአቱ እንከሎ እዩ ሓቀኛ እምነትን ጉስነቱን ዝገልጽ። ምእንቲ ድሕነት ርእስና ምእንቲ ሓቂ ምእንቲ ድሕነት አሕዋትና መስዋዕቲ እንተ አድለየ እውን ክንከፍል ትሑዛት ኢና። እሙናት መጓሰ ኮና ሕይወትና ክንመርሕ እምብአር ትዕግስቲ፥ ትሕትና፥ ሕድገት፥ አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክነርኢ አሎና።

አብ ግራት አምላኽ ጓሶት ኮና ክነገልግል ኩልና ዝተሓረና ኢና፥ እሙናትን ምእንቲ መጓሰኦም በጃ ዝሃልፉ ክንከውን ቃል ዝአቶና ኢና ስለዚ ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት እምነትና ክነሓድስ እሞ ምስ ክርስቶስ ሓደ ልብን መንፈስ ኮና ክንርከብ። ነቶም ብፍሉይ አብ ጉስነት መጓሰ አምላኽ ክዓዩ ወፊሮም ዘለዉ ዕዉታት ክኾኑ ብጸሎትን ብኹሉ ክንሕግዞም ትሑዛት ኢና። ሎሚ ዓለምና ጓሶት ውሒዶም ዝልአኹ ውሒዶም አብ ዘለውዎ እዋን ፍሉይ ጸሎት ምእንት ሰባኻውን ገዳማውን ጸዋዕታ ክንጽሊ ቤተ ክርስትያና ትምሕጸነና አላ ስለዚ ንዋና መጓሰ ዝኾነ ኢየሱስ ጓሳና ንለምኖ።

ተጓሲኻ ምኽአል ጸጋ እዩ ሎሚ ዝባረር በዚሑ ዝርሕቕ ዘግሮምርም ከምኡ ብድፍረት ንልኡኻት አምላኽ ዘዋርድ በዚሑ ይርአ አሎ፥ ንጓሳኻ ምፍራድን ምጽላእን ጥራሕ ዘይኮነ አነኸ ከመይ እየ ብሕልናዶ ሕይወተይ እመርሕ አሎኹ ኢልና ምስ ሕልናና ክንዛረብ ክንክእል አሎና። ንኻልኦት ምፍራድን ብዛዕባ ካልኦት ምዝራብ ናይ እዋና ፋሽን እዩ ስለዚ ንኹሉ ቀይርና አብ ደንበና ንመለስ። አብ ሓደ ደምበ ዝድቅሳ መጓሰ ሓደ ጠባይ እዩ ዘልአን ደንበና ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ገርና ሓደ መልክዕን መንፈስን ንልበስ።

ሎሚ አብ ምሉእ ዓለም ንአገልግሎት አምላኽ ዝወፍር ተሳኢኑ ጓሶት ነፍሳት ጎዲሎም ብዙሕ አብያተ ክርስትያናት ይዕጾ ወይ ከአ ብምእመናን ድሩት አገልግሎት እናተገብረሉ ይካየድ አሎ ስለዚ ብዚ አጋጣሚ አምላኽ እሙናት ጓሶት ንህዝቡ ክሰድድ ፍሉይ ጸሎት ክነዕርግ ይግብአና። ነቲ ዋና ግራት አብ ግራቱ እሙናት ሰራሕተኛታት ክሰድድ ንለምኖ። ካልአይ ንደቅና ንኪዳናዊ ሕይወት ጥራሕ ዘይኮነ ንምንኩስናዊ ሕይወት ከምኡ ንክህነታዊ ሕይወት ከምዝፈልጡ ክንገብሮም ሓላፍነትና እዩ። ካህናት ደናግል ደቂ ካልኦት ጥራሕ ዘይኮነ ደቅና እውን ካህናት ደናግል ክኾኑ ክነግሮም ይግባእ። አገልግሎት አምላኽ ካብ ኩልና እዩ ዝድለ ዘሎ። በዚ ብሩኽ ሰንበት እምብአር ምእንቲ ጸዋዕታ ፍሉይ ጸሎት እናገበርና ግላዊ ጸዋዕታና እውን ክንርኢ የድሊ።

ኦ ኢየሱስ ጓሳና ሎሚ እውን ሓልወና ጠበቓና ኹን ጠፊእና ተባሪርና እንተሎ እንምለሰሉ ጸጋ ዓድለና ናትካ ክንከውን አብ ቤትና ክንምለስ ድላይና እዩ እሞ ሓግዘና ንበሎ። በዚ ብሩኽ ሰንበት ኩልና መዝሙር 23 እናደገምና ምስ አምላኽ ዘሎና ዝምድና ዘኪርና ብኹሉ ኃጢአትና ተነሲሕና ሓደ መጓሰ ንኹን። ነዚ የብቅዓና አምላኽ።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.