2018-04-28 17:06:00

ቤተ ክርስቲያን ሰላም ብማላድነት ናይ እምነት ሰማዕታት ኮርያ ትምሕጸን


ናይ ሰሜንን ደቡብ ኮርያን ኣርእስተ ብሔር ናይ ሓባር ርክብ ኣብ ዝካደሉ ዕለት 27 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ዝርከባ ሰበኻታት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጸሎትን ኣስተንትኖን ቡራኬ እግዚኣብሔርን ሰላም እግዚኣብሔርን በማልዳነት ሰማዕታት ኮርያ ከምዘቕረበ ብፁዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ደቡብ ኮርያ ናይ ሰበኻ ዳይዠኦን ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሀውንግ ሲክ ምስ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፡ ናይ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ርእሰ ብሔራት ኣብቲ ክልቲኣተን ሃገራት ኣብ ዘዳብዋሉ መስመር ክራኸቡ ምስ ርኣዩ ዝተሰምዖን ሓጐስ ወሰን ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጾም፡ ስለ እቲ ርክብ ክልቲኣተን ሃገራት ንእግዚኣብሔር ኣመስግን፡ እዚ ኣብ መንጐ ክልቲኣተን ሃገራት ዝተበገሰ ሓድሽ መዋዕል እግዚኣብሔር ሰናይን ኣገራምን ምዃኑ የነጽር፡ ርክብ ርእሰ ብሔር ሰሜን ኰርያ ኪም ኽኦንግ ኡንን ርእሰ ብሔር ደቡብ ኰርያ ሞን ዢ ኢን፥ ንቕድስቲ ድንግል ማርያምን ንናይ እምነት ሰማዕታን ኮርያ ከምዘወከፉ ሓቢሮም ዝበለ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ እቲ ርክብ ንመላእ ሕዝቢ ኮርያን ዓለምን ጸጋ እዩ ከምዝበሉ የመልክት።

ናይ ክልቲኣተን ኮርያ ህዝቢ ሓውን ሓብትን እዩ፡ ሕውነት ክርስቲያን፡ ሃገርን ዜግነትን ዘይድርቶ እውን እዩ፡ ናይዘን ክልተ ሃገራት ህዝቢ ሓደ እዩ፡ ርእሰ ብሔር ሙን ምእመን ካቶሊካዊት ቤት ክርስቲያን እዮም ነዚ ርክብ’ዚ ብዙሕ ዝጸዓሩን ምስ ቤተ ክርስቲያን ካቶሊካዊት ኣብ ደቡብ ኮርያ ዝጽልዩን ዘስተንትኑን እውን እዮም፡ እዚ ርክብ’ዚ ብድኽነትን ስእምነት መግብን ንዝሳቐይ ሕዝቢ ሰሜን ኮርያ ድጋፍ ንምቕራብ ዕድል ዝፈጥር ክኸውን ተስፋ ኣሎኒ፡ ድሕሪ እዚ ክሌኣዊ ርክብ’ዚ ጭቡጥ ተግባር ክፍጸም ኣለዎ፡ እቲ ክልቲኣቶም ርእሳነ ብሔር ዘካየድዎ ክርብ ንተራኺቦም ሰላም ተባሃሂሎም ዝብል ናይ ዜና ማዕከናት ቀዳማይ ገጽ ቃል ጥርሕ ኰይኑ ከይተርፍ ናብ ሓቀይና ዕርቅን ሕውነትን ክትርጐም ተስፋ እገብር ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ገሊጹ።

ድሕሪ እዚ ክሌኣዊ ክርብ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብ ኮርያን ቀጻሊ ዘይኰላለፍ ዘተን ርክብ ክህሉ እዩ ተስፋና፡ ቀጻሊ ዘተን ርክብን ንሰላምን ንናይ ሓባር ምዕባለን ዕርቅን ማዕጾ ዝኸፍት እዩ። ዓለም ብዙሕ ትኵረት ዝሃበሉ ርክብ እዩ ነሩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ዓለም ሰላም ንምርግጋጽ ንዝግበር ጻዕሪ ዘለዎ ዓቢይ ግደ የረጋግጽ።

ማሕበረ ክርስቲያንን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ኣብ እስያ ጸሎት ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለምን ብፍላይ ከኣ እቲ ኣብ መንጐ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ዝረአይ ዘሎ ናይ ሰላም ጉዕዞ ኣብ ፍጻሜ ከብጽሕ ዝምሕጸን እዩ፡ ኣብ ታይላድ ከተማ ቺያን ማይ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ሃገራት እስያ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ጉባኤ ዕለት 27 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ናይ ሰሜን ኮርያን ደቡብ ኮርያን ርክብ ኣድማዒ ክኸውን ጸሎት ከምዘዕረገ እውን ናይዚ ጉባኤ ኣቢያተ ክርስቲያን መላእ እስያ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ማተው ጆርጅ ቹናካራ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

ብፍላይ እቲ ዝተካየደ ርክብ ክልቲኣተን ኮርያ ኣብ መንጐ ናይ ሰሜን ኮርያ ርእሰ ብሔር ኪም ጆንግን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ትራምፕን ክካይድ ተሓሲቡ ዘሎ ክሌኣዊ ርክብ ኣብ ፍጻሜ ክበጽሕ መላእ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ እስያ ጸሎት የዕርጋ ምህላወን ሓቢሮም እዚ ክካየድ እዩ ዝበሃል ዘሎ ርክብ’ዚ ነቲ ናይ 1953 ዓ.ም. ስምምዕ ሰላም ዘእውን ክኸውን ትጽቢት ተነቢሩሉ ኣሎ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ናይ ሰበኻ ደኤጆኦን ናይ ደቡብ ኮርያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ሕብረተሰብ ጉዳይ ዝከታተል ድርገት ኣቦ መንብር ብፁዕ ኣቡነ ላዛሮ ዩ ሄንግ ሲክ እቲ ኣብ መንጐ ሰሜንን ድቡብ ኮርያን ዝተበገሰ ኬሌኣዊ ርክብ ፍርያም ክኸውን ብቕድስቲ ድንግል ማርያምን ብሰማእታት ኰርያ ኣማላድነት ንእግዚኣብሔር ጸሎት ገርና ነቕርቦ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.