2018-04-27 19:17:00

ታሪኻዊ ርክብ ክልተ ኮርያ! ካብ ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሰላም ምልክታት ተዋሂቡ፣


ዝሓለፈ ሮቡዕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ርክብ እዚ ፍረ ክህልዎን ነቶም ሰላም ተሓሪምዎም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስግኣት ዝነብሩ ናይ ክልቲኤን ኮርያ ሕዝቢ ብጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን ቅድስት መንበር ከኣ ዝተኻእላ ክተበርክትን ክተተባብዕን ስንድውቲ ምዃና ገሊጾም ነሮም፣ እነሆ ጸሎቶም ሰሚሩ ዘተ ብጽቡቅ ተጀሚሩ፣ ኩሉ ዓለም ሓጎሱ እንክገልጽ እታ ከም ዕንቅፋት ትረኤ ዝነበረት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ከይተረፈት `ሰላምን ምዕብልናን ኣብ ደሴት ኮርያ ንምነ’ እንክትብል ደገፋ ሂባ፣

ዕድመን ጥዕናን ረኺብካ ሰለይ እናበልካ እንክትጐዓዝ ሓንሳእ ሓንሳእ ከምቲ ምቅናይሲ ገለ የርኢ ወይ የስምዕ ዝበሃል ሎሚዶ ጽባሕ ይጐባበጡ! ንበይኖም ባዕሎም ንባዕሎምዶ ይውሰኑ ወይስ ንካልኦት ይልክሙ! እናተባህለ ካብ ናይ ቃላትን ብመክሮፎናት ፈኸራን ዓለም ምሉእ ኣጽሚሙ ዝነበረ ኩነታት ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ሃንደበት ናብ ዘተን ሰላምን ምትዕድዳም ከም ተኣምር ተቈጺሩስ እምበርዶ ሓቂ እዩ ብማለት ብዙሓት ዘይኣመኖ ክውን ኮይኑስ እነሆ ቀዳማይ ዙር ዘተ መራሕቲ ሰሜንን ደቡብን ኮርያ ‘ታሪኻዊ ርክብ ክልተ ኮርያ! ካብ ክልቲኦም መራሕቲ ናይ ሰላም ምልክታት ተዋሂቡ፣’ ዝብል ሚዛን ተዋሂብዎስ ብጽቡቅ ይሰላሰል ኣሎ ዝብል ሠናይ ዜና ካብቲ ንዓመታት ቦታ ወጥሪ ዝነበረ መንጎ ክልቲኤን ኮርያ ዝርከብ ነጻ ዞባ ተመሓላሊፉ፣

ዝሓለፈ ሮቡዕ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ፍጻሜ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ እዚ ርክብ እዚ ፍረ ክህልዎን ነቶም ሰላም ተሓሪምዎም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስግኣት ዝነብሩ ናይ ክልቲኤን ኮርያ ሕዝቢ ብጸሎቶም ከምዝዝክርዎምን ቅድስት መንበር ከኣ ዝተኻእላ ክተበርክትን ክተተባብዕን ስንድውቲ ምዃና ገሊጾም ነሮም፣ እነሆ ጸሎቶም ሰሚሩ ዘተ ብጽቡቅ ተጀሚሩ፣ ኩሉ ዓለም ሓጎሱ እንክገልጽ እታ ከም ዕንቅፋት ትረኤ ዝነበረት ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካ ከይተረፈት `ሰላምን ምዕብልናን ኣብ ደሴት ኮርያ ንምነ’ እንክትብል ደገፋ ሂባ፣

ናይቲ ሎሚ ንግሆ ዝተኻየደ ቀዳማይ ገጽ ናይ ሰላም ዘተ ክልተ ሰዓት ዝወሰደ እንክኸውን ከምዚ ዓይነት ፈተነ ቅድሚ ዓሰርተ ሓደ ዓመት እዩ ተፈቲኑ ነሩ፣ ነዚ ናይ ሎሚ ፍሉይ ዝገብሮ እቲ ብብዙሓት ውግዘትን ዘለፋን ዝዘንቦ ዝነበረ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ዮንግኣጝ ‘ሓዲስ ምዕራፍ ታሪኽ ሕጂ ይጅምር ኣሎ ነዚ ወርቃዊ ዕድል ከይተጠቀምናሉ ከይንሓልፍ ሓደራ` እንክብሉ ኣብቲ ናይቲ ብገዛ ሰላም ዝጽዋዕ ሕንጻ ዝርከብ ናይ ኣጋይሽ መዝገብ ጽሒፎም፣ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ናይ ደቡብ ኮርያ መራሒ ሙን ጃኤኢን እውን ‘ዓለም ምሉእ ይምልከተናን ይጽበየናን ኣሎ’ ብማለት ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ካብዚ ጉባኤ እዚ ብዙሕ ትጽቢት ከምዘለዎ ኣስሚሮምሉ፣

ሎሚ ኣማስያኡ ብክልቲኦም መራሕቲ ዝተኸትመ ሰነድ ክቀርብ ትጽቢት ኣሎ፣ ዶር ፍራንቸስኮስ ሲሺ ዝበሃሉ ናይ ዓለምለኸ ፖሎቲካ መምህር ብዛዕባ ኤስያ ሰፊሕ ኣፍልጦ ዘለዎምን ግምቶም እንክህቡ ኣብ መንጎ እቲ ነጥብታት ብዛዕባ እቲ ኣከራኻሪ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ሰሜን ኮርያ ዝእለየሉ መንገዲ ክህሉ ከምዝጽበዩ ገሊጾም፣

ኣብ ካልኣይ ዙር ናይ ዘተ ክልቲኦም መራሕቲ ንሰላምን ምውጋድ ኒክለሳዊ ኣጽዋር ካብ ደሴት ኮርያን ዝምልከት ሰነድ ኣብ ውሽጢ 2018 ዓምፈ ከኣ ናይ ሰላም ስምምዕ ክፈራረሙ ቃል ዚኣቱ ተፈሪሙ፣ ትሕዝቶኡ ከኣ ሕጽር ብዝበለ መልክዑ ‘ደቡብን ሰሜንን ኮርያ ሎሚ ካብ ኑክለሳዊ ኣጽዋር ናጻ ዝኾነ ደሴት ኮርያ ንምፍጣር ብዝብል ሓባራዊ ዕላማ ብሓባር ንፍርም ኣሎና፣’ዝብል ኮይኑ ንዝመጽእ ጸደይ መራሒ ደቡብ ኮርያ ሙን ጃኢጝ ንሰሜን ኮርያ ክበጽሑ ምዃኖም ዕለት ከየነጸረ የመልክት፣  ድሕሪ እቲ ፊርማ ናይ ሰሜን ኮርያ መራሒ ኪም ዮንኣጝ ‘ክሳብ እዛ ሰዓት እዚኣ ነዊሕ ተጸቢና ዕለቱ ምስ በጽሔ ከኣ ሎሚ ሓንቲ ሃገር ምዃና ጐረባብቲ ምዃና ተገንዚብና፣ ብደም ዝተኣሳሰርና ኢና ክፈላለዩ ዘይክእሉ ሃገራውያን ኢና’ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.