2018-04-23 08:05:00

መሓርቲ ካብ ምዃን ኣይትሰልችው! ር.ሊ.ጳ ንሓደስቲ ካህናት


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ ሰንበት ዕለት 22 ሚያዝያ 2018 ዓምፈ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ን16 ዲያቆናት መዓርገ ክህነት ሂቦም፣ ካብዚኦም 11 ናይ ሰበኻ ሮማ ኮይኖም ብዓዳቶም እንክምልከት ሓሙሽተ ካብ ሮማ ሰለስተ ካብ ህንዲ ሓደ ካብ ክሮኣዝያ ሓደ ካብ ሩመንያ ሓደ ፐሩ ሓደ ካብ ቪየትናም ሓደ ካብ ምያንማር ሓደ ካብ ኮሎምብያ ሓደ ካብ ኤልሳልቫዶር ሓደ ከኣ ካብ ማዳጋስካር ነበሩ፣

ቅዱስነቶም ነዞም ኣብ ራብዓይ ሰንበት ዘትንሣኤ ብላቲናዊ ሥርዓት መዓርገ ክህነት ዝተቀበሉ እቲ ዕለት ብሰንበት ናይ ሕያዋይ ጓሳ ትፍለጥ ኮይና መበል 55 ዓለምለኸ ዕለተ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ እውን ስለዝነበረት ‘ነቲ ክገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ሕያዋይ ጓሳ እናጠመትኩም ንእግዚብሔር ብዛዕባ ዘሐጉስ ነገራት ጥራይ ሕሰቡ፣ ልዕሊ ኩሉ ሓጢኣተኛታት ከምዝኾንኹምን ከምዝተመሓርኩምን ብምሕሳብ ሓጢኣትኩም ኣውን ብምዝካር ወትሩ መሓርቲ ኩኑ’ እንክብሉ ተማሕጺኖም፣

ቅዱስነቶም ኣብቲ ቅዳሴ ዘቅረብዎ ስብከት ንዕለቱ ዝቀረበ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ዝዛረብ ክፍሊ ወንጌል መሰረት ብምግባር ነቶም ኣሰር ክርስቶስ ተቀቢሎም ንተልእኮ ዝብገሱ ዝነበሩ ሓደስቲ ካህናት ‘ካህን ካልአ ክርስቶስ ኮይኑ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ተልእኮ ዝቅጽል ምዃኑ’ ዝገልጽ ስፍሕ ዝበለ ነበረ፣ ሊቀ ካህናት ናይ ሓዲስ ኪዳን ዝኾነ ክርስቶስ ንመላእ ሕዝበ እግዚአብሔር ከም ናይ እግዚብሔር ካህናት እንተኣመልከተ ፍልይ ብዝበለ ግን ካብቶም ኣርድእቱ 12 ሓዋርያት ናይ ዝመረጸሉ ምኽንያት ከምዚ ክብሉ ገሊጾም፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ብዙሓት ኣርድእቱ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ንገሊኦም ዝሓረየሉ ምኽንያት ኣብ ቤተክርስትያን ብስሙ ንኣገልግሎት ኩሎም ሕዝቡን ነቲ ናይ ግሉ ተልእኮ ዝኾነ ተልእኮ መምህርን ካህንን ጓሳን ኣብ ክንዳኡ ኮይኖም ንኽቅጽሉ እዩ፣ ስለዚኸስ ንእግዚብሔር ጥራይ እተሐጒሱሉ ሕይወት ምእንቲ ክህልወኩም ይኹን ድላይኩምን ሕልምኹምን ጻዕሩኹምን፣ ልዕሊ ኩሉ ከኣ ነቲ እትሰብኵዎን እትምህርዎን መምርሒ ሕይወትኩም ገርኩም ብተግባር ንበርዎ፣

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካህን ኮይኑ ካብ እግዚብሔር ኣቦ ተላኢኹ መጺኡ! ንሱ ከኣ ብግዲኡ ንሓዋርያት ብኣኦም ኣቢሉ ከኣ ንጳጳሳትን ካህናት ተሓባበርቶምን ንሕዝበ እግዚብሔር ብስብከተ ወንጌልን ብሥርዓተ ኣምልኾን ብፍላይ ከኣ ብሥርዓተ ቅዳሴ ቅዱስ ቁርባን ንክሰርዑ ለኣኾም፣ ስለዚኸስ ናይቲ እንኮ መምህርና ተልእኮ ንምስታፍ ስለዝኾነ ጥንቃቄ የድሊ፣

‘ነታ ንስኹም ብታሕጓስ ዝተቀበልኩምዋ ቃል እግዚብሔር ናብ ኩሎም ኣብጽሕዋ፣ ነቲ ዘንበብክምዎ ምእንቲ ክትርድኡ ነቲ ብእምነት ዝተቀበልክምዎ ንክትምህሩ ነቲ ዝመሃርክምዎ ብሕይወት ብተግባር ክትምስክርዎ! ንቃል እግዚአብሔር ብብርቱዕ መፈሳውነት ኣንብብዎ ከምኡ እውን ኣስተንትንዎ፣ ቃላት ካህናት ንምእመናን ቀለብ ኮይኖም ሽታ ሕይወትኩም ኣብነትኩም ከኣ ንኣመንቲ ክርስቶስ ታሕጓስን ደገፍን ይኾኖም፣ ካብቲ ካህናት ንሕዝበ እግዚብሔር ዘበርክትዎ ኣገልግሎት ሓደ ዝኾነ ምሥጢረ ንስሓ ከኣ ብስም ክርስቶስን ቤተክርስትያኑን ንማእሰር ሓጢኣት ዝፈትሑሉ ስለዝኾነ ንስኹም እውን ከምዝተመሓርኩም ብምርዳእ ሓጢኣትኩም ብምዝካር ወትሩ መሓርቲ ኩኑ፣

‘ኣብዚኣ ሓንሳእ ንክልምነኩም ደው ክብል እየ! ብጃኹም መሓርቲ ካብ ምዃን ኣይትሰልችው! ንሓጢኣትኩም ዘክሩ ነቲ ኢየሱስ ዝመሓረኩም ውርደትኩም ዘክሩ! መሓርቲ ኩኑ!` ንሰብ ዘይኮነ ንእግዚብሔር ክተሐጒሱ ጸዓሩ፣ ንክህነትኩም ብታሕጓስን ብፍቅርን ተጠቀሙሉ፣

‘ሓንቲ ዕላማኹም ንእግዚአብሔር ምሕጓስ እምበር ንገዛእ ርእስኹም ወይውን ንሰባት ክተሐጒሱ ወይውን ጥቅሚ ምእንቲ ክትረኽቡ ምንም ከይትገብሩ፣ ንኣገልግሎት እግዝብሔርን ንሠናይ ነገር ናይቲ ቅዱስ ሕዝበ እግዚብሔርን ጥራይ ይኹን፣ ከምቲ ሕያዋይ ጓሳ ኩሉ ግዜ ንኣገልግሎት ድልዋት ኩኑ፣ ኣብ ቅድሚ ዓይንኹም ወትሩ ናይቲ ከገልግልን ንጥፉኣት ደልዩ ንክረክብን ንከድሕንን እምበር ክግልገል ዘይመጸ ሕያዋይ ጓሳ ኣብነት ከም ስእሊ ይኹንኩም፣ እንክብሉ ስብከቶም ደምደሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.