2018-04-23 17:11:00

ሕዳሴ ቅዋም ሓዋርያዊ ምሕደራ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣኼባ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ምስ ቅዱስ ኣቦና


ብኩሪያ ሮማና ዝጽዋዕ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዋይ ሓዋርያዊ መዋቕር ሕዳሴ ኣማእኪሉ ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ዝተጀመረ ሕዳሴ ናብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዘካይዶ ክሳብ ዕለት 25 ሚያዝያ ዝቕጽል መደበይና መበል 25 ኣኼባኡ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ሎሚ ዕለት 23 ሚይዝያ 2018 ዓ.ም.  ከምዝጀመረ ቫቲካን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ፡

ነዚ ሕዳሴ ኣብ ፍጻሜ ንምብጻሕ ዝመርሕ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 መስከረም 2013 ዓ.ም. ዝቖመዎ ጉጅለ ትስኣቱ ብፁዓን ካርዲናላት ቤ ምኽሪ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ምሕደራ ንምድጋፍን እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሕያዋይ ጓሳ ቅዋሜ ብጥልቂ መርሚሩ ዝሕድስ ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባኡ ናይ መላእ ሃገራት ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ቅዋም፡ ቲዮሎጊያዊ ጐድኑን ብመጽር እቲ ብቕዱስነቶም ዝተደርሰ ወንጌላዊ ሓሴት ሓዋርያዎ ምዕዳን ፍቕዲ 32 መሰረት ገይሩ ሰፊሕ ምይጥ ኣካይዱ ከምዝነበረ ዝዘከረ ቫቲካን ኒውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፥ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወትን ወንጌላዊ ልኡክነት ንጥፈትን ንኸይተሓላለኽ ኣባይቲ ምኽሪ ዘለዎ ሓላፍነት ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ዓንቀጸ እምነት ትምህርቲ ዘጠቓልል እዚ ብጭቡጥ ኣገባብ ዝትርጉም ዘነጽርን ምዃኑ ንምትንታን ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ይዝትይ ምህላዉ ኣመልኪቱ፡ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያ ሰብኣዊ ሓይልን ኤኮኖምን ዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝዘተየሉ ነጥቢ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ፡ ኣብዚ ዝካየዶ ዘሎ ኣኼባ ዛዕባ ናይ ዓንቀጽ እምነት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ካብቲ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ጉዳይ ምክትታል ካብ ዝብል ስልጣኑ ነቒሉ ዘለዎ ሓላፍነት ክመያየጥ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።  








All the contents on this site are copyrighted ©.