2018-04-19 16:37:00

ፓኪስታን፥ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያን ይቕጽል


ኣብ ሃገረ ፓኪስታን ንኸተማ ላሆር ቀረባ ኣብ ዝዀነት ከተማ ሻሕዳራ ኣብ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዕለት 15 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ከምእተፈጸመ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ዕለት 18 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሕትመቱ ኣነቢቡ።

እታ መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ዝተፈጸማ ቤተ ክርስቲያን ናይ ፕሮተስታትን ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ጨንፈር ናይ ዝኾነ ናይ ልኡካን ወንጌል ኢየሱስ ቤተ ክርስቲያን ምዃና ክፍለጥ እንከሎ፡ እቲ  መጥቃዕቲ ባርዕ ሓዊ ብኢድ ብዝተሰርሐ ነዳዲ ዝተመልኤ ብልቃጥ ብምጥቃም ዝተፈጸመ ከምዝዀነን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ወንጌላዊት ቤተ ክርስቲያን ዘይተፈጸመ ምዃኑን ካብ ቀረባ ኣዋን ንነጀው ብተደጋጋሚ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብምዃኑ ነቶም ማሕበረ ክርስቲያን ናይታ ቤተ ክርስቲያን ዓቢይ ስግኣት ይሕድር ምህላዉ ዘመልከተ ሎ ሶርቫቶረ ሮማና ኣስዒቡ እታ ቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኩል ኣብ ውሽጣ ዝነበረ ንብረት ከምዝባደመት እውን ቃል ናይታ ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ዩሱፍ ዓዚዝ ጠቒሱ ይሕብር።

ናይ ካራቺ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ጁትስ ነቲ ዝተፈጸመ ጸረ ቤተ ክርስቲያናዊ መጥቃዕቲ ኰኒኖም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያን ከባቢ ቀጣ እውን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምእተፈጸመ ሓቢሮም ኣብ ፓኪስታን ናይ ማሕበረ ክርስቲያን ጸጥታን ድሕነትን ንሓደጋ ይቃላዕ ኣሎ ከምዝበሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ።

ናይ ፓኪስታን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምክሪ ዝሕቆፍ ብሔራዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ዝጠለቦ ዕለት 17 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስትያንን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ብምቅዋም ንማሕበረ ክርስቲያን ኣብ ቀጣን ላሖርን ምትሕብባርን ደገፍን ዝገለጸ ሰላማዊ ሰልፊ ከምእተኻየደን  ናይ ፓኪስታን መንግስትን ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሓይሊ ጸጥታን ኣባይቲ ፍርድን ከምዚ ዓይነት ጸረ ክርስቲያን መጥቃዕቲ ክኹንኑን ብዘይ ኣፈላላይ ናይ መላእ ሕዝቢ ፓኪስታን ጸጥታን ድሕነት ከረጋገጺ ጻውዒት ዘቕረበ ሰላማዊ ሰልፊ እውን ምንባሩን ኣብ ልዕሊ ውሁዳን ሃይማኖት ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ክብ እናበለን ኣናሰፈሔን ይኸይድ ምህላዉ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ናይ ሰበኻ ፋይሳላባድ ካህን ኣባ ቢኒፋስ መንደስ ጠቒሱ ክሕብር እንከሎ፡  ናይ ሻሓዳራ ነቑጣ ሓይሊ ጸጥታ ሓላፊ ሞሓማድ ዋርያም ናይቲ ዝተፈጸመ መጥቃቲ ባርዕ ሓዊ ተሓታት ንምልላይ መርመራ ይካየድ ምህላዉ ገሊጾም ይኹን ደኣ እምበር ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንምርካብ ኣይተኻእለን ከምዝበሉ ገሊጹ።   








All the contents on this site are copyrighted ©.