2018-04-19 18:28:00

ኣብ ሳሎን ኣራጢጥካ ኰፍ ኢልካ ዝግበር ስብከተ ወንጌል የልቦን! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሎሚ ንግሆ ኣብ ቤትጸሎት ቅድስት ማርታ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ መንፈስ ቅዱስ ንክርስትያን ናብ ስብከተወንጌል ክደፍኦም እንከሎ ንምምልካት ኣብ ሰለስተ ቃላት ክንሰርዕ ንኽእል! ተንስእ ተጸጋዕ-ቅረብ ካብ ተልእኮኻ ተመለስ ኣብ ዝብላ ቃላት ክጠቃለል ይኽእል’ እንክብሉ ኣብ ስብከተወንጌል ዝወፍር ክርስትያን ወትሩ ንጉዕዞ ስንድው ኮይኑ ትእዛዝን መምርሕን መንፈስ ቅዱስ ክጽበ እምበር ኣብ ሳሎን ኣራጢጡ ስብከተ ወንጌል ክግበር ከምዘይከኣል ገሊጾም፣

ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ ግጽው ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ግብረሓዋርያት 8.26 ኮይኑ ፊሊጶስ ብመንፈስ ቅዱስ ተደፊሑ ንሓደ ኢትዮጵያዊ ወንጌል ክሰብከሉን ከጠምቆን እንከሎ ዘመልክት ኮይኑ ነዙይ ምስ ስበክተ ወንጌል ብምትሕሓዝ ንሕና ኩልና ክርስትያን ነዚ ተልእኾ እዚ ዝተጸዋዕና ምዃና ፈሊጥና ግቡእና ክንፍጽም የዘኻኽሩ፣ ስብከተ ወንጌል ስራሕ መንፈስ ቅዱስ ብምዃኑ ከኣ ኣቀዲምና ንመንፈስ ቅዱስ ጽን ቢልና ሰሚዕና ንክንክእል እግዚብሔር ጸጋኡ ክህበና ንለምን፣ ንመንፈስ ቅዱስ ሰሚዕና እንኽእል ምስ ኮና ቀጺሉ ዝመጽእ ተልእኮ ስለዝኾነ ካብ ገዛእ ርእስና ውጽእ ቢልና ንጉዕዞ ክንሰናዶ የድሊ፣ ነዚ ኣብቶም ጐይታ ክንሰብከሎም ዝልእኸና ቀረባኦም ጐና ኣብ ጐድኖም ኰና ኩነታቶም ብሓሳብ ዘይኮነ ብኣካል ክንሳተፎ ንዕደም፣

ኣብቲ ንባብ ናይ ግ.ሐ ሓደ መልኣኽ ናይ እግዚአብሔር ንፊሊጶስ ‘ተንስእ ንደቡብ ገጽካ ናብታ ካብ ኢየሩሳሌም ናብ ጋዛ እትወስድ መንገዲ ኪድ’ ይብል እሞ ኣተሓሒዙ ‘ንሳ ኸኣ ምድረበዳ እያ’ ይብል፣ ቅዱስነቶም ካብዚ ንምንቃል ነቲ ቅድሚ ዘሎ ኩነታት ይገልጹ፣ እዚ ከኣ ድሕሪ ሰማዕትነት ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ኢየሩሳሌም ተጻይ ክርስትያን ብርቱዕ ስደት ከምዝተላዕለን እቶም ሓዋርያት ከኣ ናብ ኩሉ ፋሕ ከምዝበሉን ኣብ ይሁዳን ሰማርያን ክሰብኩ ከምዝጀመሩ ይገልጽ፣ እዚ ከኣ እቲ ንጥፍኣቶም ዝተላዕለ ስደት ንሓዋርያት ስብከተ ወንጌል ንከስፍሑ ምኽንያት ኮኖም፣

‘እዚ ልክዕ ከምቲ ንፋስ ንዘርኢ ኣታኽልቲ ከምዝብትኖን ናብ ካልእ ቦታ ወሲዱ ከምዝዘርኦም እዩ፣ ምስ ሓዋርያት ከኣ ክንዮ እቲ ዝነበርዎ ንክኸዱ ንቃል ኣምላኽ ክዘርኡ ኣኽኢልዎም፣ ዋዛ ሓዊስና ከኣ እታ ፕሮፓጋንድ እምነት ትብል ናይ ስብከተ ወንጌል ማሕበር ብኸምዚ ብስደት ተወሊዳ ክንብል ንኽእል፣ ብንፋስ ዝምሰል ስደትከስ ሓዋርያት ንስብከተወንጌል ተላዕሉ፣ ጐይታ ኸኣ ብከምዚ ዝበለ መንገዲ ናብ ስብከተወንጌል ክንወፍር ይደሊ፣ ድሕሪ ቢሎም ነዚ ፍጻሜዚ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘመልከትናዮ ብሰለስተ ቃላት ክጠቃለል ይከኣል ብማለት በብሓደ ዘርዘርወን፣

ከምቲ መንፈስ ቅዱስ ንፊሊጶስ ዝደፋፍኦ ንዓና ንክርስትያን እውን ወትሩ ናብ ስብከተወንጌል ምስ ደፋፋኣና እዩ፣ ንፊሊጶስ ተንስእ ኪድ ይብሎ ደሓር ናብታ ሰረገላ ሕጽው ተጸጋዕ ይብሎ ምስ ኣጠመቆ ድማ ሒዝዎ ካብቲ ቦታ ይኣልዮ፣ ‘ስብከተ ወንጌል ንእምነትካ ጥራሕ ክተስፍሕ ኢልካ ኰፍ ኢልካ እትምድቦ ኣይኮነን፣ ማለት ካብ ተላዒልና ናብዚ ንበጽሕ ኣብኡ ከኣ ተኸተልቲ ንክህልውና ኣበሪትዕና ንጉስጉስ ወላ ነስድዕ ወዘተ እናበልካ እተሰላስሎ ኣይኮነን፣ ናበይ ትኸይድ መኣስ ትኸይድ እንታይ ትገብር ንቃል እግዚብሔር ንስም ኢየሱስ ክርስቶስ ናበይ ትምስክሮ ዝመርሓካ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣ ልክዕ ከምቲ ናይ ፊሊጶስ ተንስእ ናብዚ ከኣ ኪድ ይብል፣ ኣራጢጥካ ኣብ ሳሎን ኰፍ ኢልካ ዝግበር የለን፣ ተንስእ ኪድ ኢኻ ትበሃል፣ ወትሩ ካብቲ ዘሎኻ ክትወጽእ ኣሎኻ፣ ናብቲ ቃሉ ንክተብጽሕ ንሱ ዝልእከካ ቦታ ትኸይድ፣ ብዛሓት ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዓዶም ስድራኦም ገዲፎም ቃለ እግዚብሔር ንክሰብኩ ናብ ርሑቅ ሃገራት ከይዶም፣ ብዙሕ ግዜ እዞም ሰባት እዚኦም ዚኣክል ምስንዳእ ከይገበሩ እዮም ዝኸዱ፣ በዚ ከኣ ሕማማት ናይቲ ዝኸድዎ ቦታ የጥቅዖም ብናእሽቱኦም ይሞቱ ወይውን ሰማዕትነት ይቅበሉ፣ እዚኦም ኸኣ ሰማታት ስብከተወንጌል እዮም፣

ስለዚኸስ ንስብከተወንጌል ዘገልግል ረቂቅ ሓሳብ ወይ መምርሒ የለን፣ እታ እንኮ መምርሒት እታ ካልአይቲ ቃል እያ፣ ንፊሊጶስ ናብታ ሰረገላ ተጸጋዕ ዝበሎ እሞ ነቲ ሕጽው ካብ ትንቢት ኢሳይያስ ከንብብ እንከሎ ኣብ ጥቃኡ ዝኾነን ናብ ሰረገላኡ ክድይብ ዘፍቀዶን እዩ፣ መንቀሊ ባይታኸስ እቲ ዘጓንፈካ ክስተትን ኩነታቱን እምበር ስነሓሳባዊ መምርሒ የለን፣ ‘ብስነሓሳብ ስብከተወንጌል ክግበር ኣይከኣልን፣ ስብከተወንጌል ዝግበር ኣካል ንኣካል ጥቃ ንጥቃ ኰንካ እዩ፣ ካብቲ ኩነታት እምበር ካብ ሓደ ዝተሓንጸጸ ስነሓሳባዊ መደብ ኣይብገስን፣ ፊሊጶስ ካብቲ ዝነበረ ተበጊሱ ነቲ ሠናይ ዜና ይሰብኽ ትብዓት መንፈስ ቅዱስ ከኣ ንከጠምቆ ይደፋፍኦ፣ ኩሉ ምስ ተፈጸመ ከኣ ይስወር፣ ይኸይድ፣ ስብከተወንጌል እምበኣር ብኸምዚ እዩ ዚግበር፣ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ከኣ ነዚኤን ሰለስተ ቃላት ክኽተል ኣለዎ፣ ተንስእ ተጸጋዕ ተበገስ፣ እዚ ኣገባብ እዚ ኣገባብ ናይ ኢየሱስ እዩ፣ ንሱ ወትሩ ኣብ ጉዕዞ ኣብ መንገዲ እዩ ነሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቡ ስርሑ ምስ ወድኤ ብኡ ንብኡ እዩ ካብቲ ናይ ተልእኮ ቦታ ዝስወር ዝነበረ፣ ስብከተወንጌል በዚ ከምዚ ጥራሕ እዩ፣ ናይዚ ኩሉ መራሒ ግን መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ ዘይምዝንጋዕ የድሊ፣ መንፈስ ቅዱስ እንተዘየሎ እዘን ሰለስተ ነገራት እውን ምንም ፋይዳ የብለንንን፣ ተንሲእና ንክንከይድ ዝደፋፍእ መንፈስ ቅዱስ እዩ ከምኡ ናብ ሰባት ክንጽጋዕን ክንሰብኽን ኣብ መወዳእታ ካብቲ ኩነታት ንክንርሕቅ እውን መንፈስ ቅዱስ እዩ ዝደፍእ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.