2018-04-16 19:20:00

ሓጢኣት ንልብና የእርግ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ግን እንደገና የሐድሶ! ር.ሊ.ጳ


ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሳልሳይ ሰንበት ዘትንሣኤ ዘቅርቦ ንባባት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት `ኣብ ልብና ነቲ ሓቂ ናይ ክርስቶስ ክነእቱ እንተዘይክኢልና ከምቲ ሓዋርያት ነቲ ካብ ምውታን ዝተንሠኤ ክርስቶስ እናረኣዩ ክኣምንዎ ዘይከአሉ ንሕና እውን ኣብ ዕለታዊ ጉዕዞ ሕይወትና ንጽገም` ኢሎም፣

ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ካብ ወንጌል ሉቃስ 24.35-48 ኮይኑ ድሕሪ ፍጻሜ ኤማሁስ እቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ኣብ መንጎኦም ተረኺቡ ሰላም ንኣኻትኩም እንክብሎም ወላ ቊስሉ እንተርኣየ ወላ ኣነ እየ ኣይትርፍሑ እንተበለ ወላ ምስኦም እንተበልዔ ምእማኑ ዝሰኣኑ ዝገልጽ ኮይኑ ሓቅነት ትንሣኤ ሙታን ሓቂ ክርስቶስ ግሁድ ክንሱ ኣብ ልቦም ስለዘየእተውዎ ክርድእዎ ኣይከኣሉን፣ ከም ትረኻ ሉቃስ ወንጌላዊ ሓዋርያት ብፍርሂ ተሸቚሪሮም እንከለው ካብቲ መቃብር ዝተመልሳ ኣንስቲ ንኩሉ እርይ ቊጽር ኣቢለን እንክነግራ እቶም ክጐዩ ናብ መቃብር ዝኸዱ ጴጥሮስን ዮሓንስን እንከዘንትው እቶም ኩሉ ፈሺሉ እዩ ኢሎም ንኤማሁስ ዝጐዓዙ ዝነበሩ ጐይታ ምስ ረኸቦም ንድሕሪት ተመሊሶም ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ኩሎም ብጾቶም ተራኺቦም ድሕሪ ምቚራስ እንጌራ ዘጋጠመ ነገር እንከዘንትው ገና ኩሉ ጋን ኮይኖም ሓንሳእ ብታሕጓስ ፍንጭሕ ክብሉ ሓንሳብ ከኣ ክጠራጠሩ እንከለው እዩ ኢየሱስ እንደገና ብሃንደበት ደበኽ ዝበሎም፣ እሞ ኩሉ ኣርእዩ ኣጸናኒዑ በሊዑ ንቅዱሳት መጻሕፍቲ ክርድኡ ኣዕይንቲ ልቦም ዝኸፈተሎም፣

እዚ ዘረደኣና ነገር እንተሎ ይብሉ ቅዱስነቶም እቲ ሓቂ ክርስቶስ ገና ኣብ ልቦም ስለዘይእተወ እዩ ከመይ ንሓቂ ኣብ ኣእምሮኻ ጥራይ እንተኣሰላሲልካዩ ኣብኡ ጥራይ እውን ደው እንተኢሉ ናብ ልቢ ክእቱ ኣይክእልን፣ ክተፍቅደሉ ኣሎካ፣ ሓዋርያት ብታሕጓስ ዚኣክል ክኣምንዎ ክሳብ ዝጽገሙ ተደሲቶም ኮይኑ ግን ልቦም ምስተተንከፈ ጥራይ እዮም ክኣምኑ ዝኸኣሉ፣

‘እዚ እዩ እምበአር እቲ ኢየሱስ ዝህበና ዝተሓደሰ ጉብዝና፣ ኣብዚ ቅዳሴ ኣብ ዘዕረግናዮ ጸሎት ናይ ኲልና ብዛዕባዛ ዝተሓደሰት ጉብዝና ተዛሪብና፣ ንሕና ብሓጢኣት ምእራግ ለሚድና ኢና፣ ሓጢኣት ልብና የእርግ። ተሪር ልቢ ከም እትውንን ይገብረካ፣ ዝኣረገን ዝደኸመን ልቢ፣ ሓጢኣት ንልብና የድክሞ ኣሞ ናይቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሤ ክርስቶስ እምነት ነጥፍእ፣  ክርስቶስ ግን እንደገና የሐድሶ! ስለዝኾነ ከኣ ኣብ ሓጢኣትን ኣብ ድኻምን እንርከበሉ ግዜ እወን እንተኾነ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ጉዳዩ ይገብር ኣሎ ክሳብ ምባል ክትበጽሕ ይከኣል፣ ኮይኑ ቀንዲ ጉዳዩ ኣነ ንስኻ ንሕና ኩልና ኢና፣ ክርስቶስ ብዘይካ ጉዳይ ድሕነትና ካልእ ጉዳይ የብሉን፣ ሃየ ንቀበሎ፣ ነቲ ዝመሃረና ሓቅታቱ ኣብ ልብና ነእትዎ፣ ብድሕሪኡ ከምቶም ፈርሃትን ተጠራጠርትን ነሮም ልቦም ምስ ተኸፍቲ ምልክት እምነት ጽንዓትን ኮይኖም ንምስክርነት ሓቂ ክርቶስ ክሳብ ሞት ዝበጽሑ ሓዋርያት ልብና ክኽፈት እዩ እንደገና ክሕደስ እዩ፣ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ 

ከምኡ እውን ቅድሚ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ኣብ ቅርዓት ቅ.ጴጥሮስ ፍርቂ መዓልቲ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ፣

ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሕመረት ናይዛ ሳልሰይቲ ሰንበት ዘትንሣኤ ተመኲሮ ትንሣኤ ክርስቶስ ናይ ሓዋርያት ኮይኑ ናትና ናይ ኩልና እውን እዩ፣ ሉቃስ ወንጌላዊ ኩሉ ነገራት ካብ ጽርሓ ጽዮን ከምዘበግሶ ሎሚ እውን ሓዋርያት ኣብቲ ናይ መወዳእታ ድራር ዝተደረሩሉ ኣብ ጽርሓ ስዮን ተኣኪቦም እንከለው እዩ ሰላም ንኣኻትኩም (ሉቃ 24.36) እናበለ ሰላምታ ዘቅርበሎም፣ እዚ ሰላምታ እዚ ናይቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ሰላምታ እዩ፣ ሰላም ንኣኻትኩም እናበለ ከኣ ሰላም ይህበና፣ እዚ ሰላም እዚ ውሳጣዊ ሰላም ኮይኑ ነቲ ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ሕውነትን ፍቅርን ስምምዕን ዘንግሥ ደጋኣዊ ሰላም እውን እዩ፣ እዚ ክፍሊ ወንጌል እዚ ብዛዕባ ትንሣኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰፊሑ ብዙሕ ነጥብታት ይትንትን፣ ኢየሱስ ሓደ ምትሓት ወይ መንፈስ ከምዘይኮነ ነፍሱ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ካብ ሞት ዝተንሰኤ ሰውነቱ ይረኤ፣ ሓዋርያት ርእይ ምስ ኣበልዎ ከምዝሰንበዱ ዘስተውዓለ ኢየሱስ ከረጋግኦም ይፍትን ኣብ ቀልቦም ክመልሶም ከኣ ረኣዩ እሞ ምትሓት ወይ መንፈስ ከምዚ ናተይ ኣካላት የብሉን እግረይን ኢደይን ተመልከቱ ነቲ ሽንካራት ረኣዩ ኣረምስሱኒ ይብሎም (39) ሓዋርያት ግን ዋይከ መሊሶም ደንበርበር ክብሉን ክጠራጠሩን ጀሚሮም፣ ብታሕጓስ ሰኺሮም ነሮም እዚ ከኣ መልሲ ነቲ ዘይ ምእማኖም ኣጋዲድዎ፣ ዝገደደ ከኣ ኣይእመንን ከምዚ ክከውን ኣይክእልን እዝስ ፈጺምካ ዘይከውን ዘይእመን እዩ እናበሉ እንከሉ ከኣ ንከእምኖም እንደገና `ገለ ዝብላዕዶ ኣሎኩም` (41) ኢሉ ይሓቶም ዝተጠብሰ ዓሳ ይህብዎ ኢየሱስ ከእምኖም ኢሉ ወሲደ ይበልዖ፣

እዚ ናይ ኢየሱስ ጸጸኒሕካ ኣረምስሱኒ ረኣዩኒ እዚ ኣካላለይ እዩ ምባልን ወሲዱ ዓሳ ምብላዕን ነቲ ንሕና ድሕሪ ትንሳኤ እንኾኖን ኣካልና ከመይ ኢሉ ተሓዲሱ ከምዝትንሥእን ንኸመልክተና እዩ፣ ሰውነትና ከምቲ ገሊኦም ዝብልዎ ቤትማእሰርቲ ነፍስና ወይ ሓደ ዕንቅፋት ኣይኮነን እንታይ ደኣ ብመልክዕን ኣርኣያን እግዚብሔር ዝተፈጥረ ብነፍስን ስጋን ዝቆመ ምዃኑ እዩ፣ ነፍስን ሥጋን እንተዘተወሓሒደን ፍጹም ሰብ የለን፣ ኢየሱስ ክርስቶስ ከስ ብነፍስን ብሥጋን ካብ ሞት ተንሲኡ ንሞት ስዒሩ ብዛዕባ ሰውነትና እዚ ሓሳብ እዚ ክህልወና ይዕድመና ኣሎ፣ ነዚ ንረዳእ፣ ሥጋና ናይ ፈተናን ናይ ሓጢኣትን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል ኮይኑ ግን ሓጢኣት ካብ ሥጋና ኣይኮነን ዝመጽእ ካብ ሞራላዊ ድኻምነትና እዩ ዝውለድ፣ ሥጋና እግዚብሔር ዝዓደለና ዘደንቅ ውህበት ኮይኑ ምስ ነፍሲ ብምውህሃድ ንመልክዕን ኣርኣያን እግዚብሔር ብዝግባእ ከንጸባርቅ ዝተፈጥረ እዩ፣ ስለዝኾነ ከኣ ንሥጋና ዝለዓለ ክብርን ምንክብካብን ክንገብር ትሑዛት ኢና፣

ዝኾነ ግፍዒ መቁሰልቲ ዓመጽ ኣብ ኣካል ብጻይና ነቲ ዝፈጠረና ምጽራፍ ምዃኑ ንዘክር፣ ኣብዚ ግዜ እዚ ዝዝክሮም ሕጻናትን ኣንስትን ሽማግለታትን ኣብ ትሕቲ ሕማቅ ናብራ ዘለው፣ ገሊኦም ኣብ ግልያነት! እቲ ክቡር ኣርኣያን ኣምሳልን እግዚብሔር ዝኾነ ሰውነቶም ክቆስል ክዕመጽ ክሓስብ እንከሎኹ ብጣዕሚ የጉህየኒ፣ ኣብ ኣካላት እዞም ሰባት እዚኦም ኣካል ክርስቶስ እዩ ዝቆስል ዘሎ፣ እቲ ኣብ ቀራንዮ ዝቆሰለ ዘላገጹሉ ዘዋረድዎ ዝተገርፈ ዝተሰቅለ ኢየሱስ ፍቅሪ እዩ ምሂሩና፣ እዚ ፍቅሪ እዚ ከኣ ብትንሣኤኡ ካብ ሓቲኣትን ሞትን ከምዝሕይል ኣርእዩና፣ ስለዝኾነ ከኣ ንኩሎም ነቶም ኣብ ኩሉ ዘመናት ከማኡ ዝተገርፉን ዝተዋረዱን ኣብ ግልያነትን ውርደትን ዝርከቡ በዚ ክኽሕሶም እዩ፣

ኣብዚ ትዕቢትን መን ከማይን ዝብሉ ነቲ ዝደኸመ ኣካል ሕብረተሰና ኣብ ዘጥቕዓሉ ንዋታዊ ፍቅሪ ከኣ ንመንፈስና ዓፊኑ ሒዝዎ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ሎሚ ወንጌል ኣዕሙቅ ኣቢላን ክነስተንትን ዝጽዋዓና ነቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ ምስ ረኸብካ እትረኽቦ ታሕጓስን እፎይታን እዩ፣ ነቲ ንሱ ናብ ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን ንከንቋምት ኣብ ታሪኽ ዝዘርኦ ሕዳሴ ሕይወት ተቀቢልና ዋጋ ክንህቦ ንጽዋዕ ኣሎና፣ እታ ንኩሉ ጸገማትና ኣብ ውሉዳዊ ኣማልድነታ ብተኣማንነት እንምዕቆባ ድንግል ማርያም ኣብዚ ጉዕዞ እዚ ትደግፈና፣ ምስ በሉ ጸሎተ ንግሥተ ሰማያት ደጊሞም ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ትምህርቶም ዛዘሙ፣  








All the contents on this site are copyrighted ©.