2018-04-14 16:09:00

መደብ ሕዝባዊ ምርጫ ኣብ ቡሩንዲ፡ ብፁዓን ጳጳሳት ብሩንዲ ግልጽነት ዝብል ጻውዒት የቕርቡ


ብምኽንያት ኣብ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቡሩንዲ ሕዝባዊ ምርጫ ክካየድ ብዝብል ውሳኔ መሰረት ነቲ ከይዲ ሕዝባዊ ምርጫ መሳለጢ ገንዘብ ንምርካብ ዝፍጸም ዘሎ ጐስጓስ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ናይ ቡሩንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ጉባኤ ኣቦ መንበር ናይ ሙዪንጋ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆኣኪም ንታሆነደረየ ከምዝገለጹ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ሕትመቱ የመልክት።

ነቲ ሕዝባዊ ምርጫ መሳለጢ ብዝብል ውሳኔ መሰረት መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ነቲ ብዙሕ ዝዀነ መጠን ክፍሊት ግብሪ ካብቲ ዘለዎ ክብ ክብል ንምግባር ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓን ምፍርራሕን ጸቕጥን ተወሲኽዎ ኣብ ልዕሊ ናይ ሕዝቢ መነባብሮ ከቢድ ጸገም የስዕብ ከምዘሎን፡ እቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ መንግስቲ ንገዛእ ርእሱ ንምርጫታት መሳለጢ ዝምልከት ግልጽን ንጹርን መደብ ከምዘይብሉን፡ ኣብ ናይ ኤኮኖሚ መርሐ ግብሩ እውን ኣእቲዩ ብምውህሃድ ዝምራሕ መደብ ክኸውን ብዘይ ምግባሩ እቲ ዝኽተሎ ኤኮኖምን ቁጠባን መርሓ ግብሪ ጐደሎ ምዃኑ ዘነጽር እዩ ዝበሉ ብፁዕ ኣቡነ ንታሆነደረየ ኣስዒቦም፥ ቤተ ክርስቲያን ይብሉ፥ ንምርጫ መሳለጢ ክትኸፍል ዝቐርብ ዘሎ ናይ ሓገዝ ሕቶ ግቡእ ኣይኰነን፡ ስለምንታይ ንሳ ናይ ሕዝቢ መንፈሳውን ሰብኣውን ዕብየት እትግደስ ደኣ እምበር ኣብ ከምዚ ዓይነት ፖለቲካዊ ጉዳይ ዘይትዋሳእ እያ፡ ስለዚህ ካብ ቁምስናታትን ናይ ቤተ ክርስቲያን ተቕዋማትን ኣብ ናይ ሃይማኖት ማሕበረስብን ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ክንክን ጥዕናን ምውሃቢ ማእከላትን መእለዪ ዘኽታማትን ሓገዝ ናይ ምእካብ ጐስጓስ ክካይድ የብሉን ክመዝመብሉ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ኣፍሊጡ። 








All the contents on this site are copyrighted ©.