2018-04-12 09:37:00

ዝኽሪ መበል 55 ዓመት ናይ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ሓዋርያዊ ምዕዳን


ሓቀን ፍትሕን ፍቕርን ነጻነትን ናብ ሰላም የብጽሕ፡ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ኣብቲ ዓለም ናብ ሳልሳይ ኵናት ዘእትው ዝመዝል ምስሕሓባት ዝረኣየሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ንሰብ ጽቡቕ ድላይ ኵሉ ሰላም ኣብ ምድሪ ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዋን ንንባብ ዘብቅዕዋን ዓዋዲት መልእኽቲ እነሆ ሎሚ ዕለት 11 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ዝኺር መበል 55 ዓመት ከምእተበዓለ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጋብሪኤላ ቸራዞ ሓቢረን።

እታ ቅዱስ ዮሓንስ መበል 23 ዝደረስዋ ሰላም ኣብ ምድሪ ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ዕለት 11 ሚያዚያ 1963 ዓ.ም. ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዓትሉ ዕለት ምዃኑ እንክዝከር። እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅድሚ 55 ዓመት ንዝነበረ ዓለም እትዛረብ እውን እንተነበረት ብርሑቕ ነቲ ናይ ሎሚ ምልክታ ብነቢይነት መንፈስ ዘማዕደወት ንእዋናዊ ዓለም ዓባይ መልእኽቲ እያ።

መንፈሳዊ ኑዛዜ ንማልእ ሰብ ጽቡቕ ድላይ

ብዙሓት ነታ ዓዋዲት መልእክቲ ንቤተ ክርስቲያንን ንመላእ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ዝተውሃበት መንፈሳዊ ኑዛዜ ገይሮም ከምዝመልከትዋን። ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ሓደ ዓዋዲ መልእኽቲ ንኣማንያንን ኢኣማንያንን ክመሓላለፍ ንመጀመሪያ ጊዜ ክኸውን እንከሎ፥

ቤተ ክርስቲያን ካብ ውግእን ዓመጽን ናጻ ዝኾነ ካብዚ ሓሊፉ እውን ብፈላላይ መናድቕን ቀጽርታትን ዘይተገማምዔ ምዕራብን ምብራቕን ዝብል ፈላላይ መንደቕ ዘይብሉ ዓለም ክውንንት ከተማዕድው

ዮሓንስ መበል 23 ይምዕዱ።

ኣብ ሓቅን ፍትሕን ፍቕርን ናጽነትን  ዝቖመ ሰላም

እታ ዓዋዲት መልእኽቲ ነቲ ሰብኣዊ ምዃን ብኑባሬ ሃረር ዝብሎ ሰላም ንምብጻሕ ኣልቦ ምድፍፋእ ናብ ኵናትን ናይ ሰላም ሕንጸትን ኣገዳሲ ምዃኑ ተመላኽት። ዮሓንስ መበል 23 ነዚ ምዕዳን ነቲ ኣብ ቨትናምን ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ላቲን ኣምሪካን ካልኦት ሃገራት ዝነበረ ውግእን ከምኡ እውን ነቲ ብፖለቲካዊ ርእየት ተገማሚዑ ንዝነበረን ብኑክለሳዊ ኣጽዋር ዝተሰነየ ኵናት ዘንብይሉ ንዝነበረ ዓለም የቕርቡ።

ሰላም ኣብቲ ብተስፋ ዝተወሰነ ስርዓትን ሕግን እንተድኣ ዘይቆመን ስርዓትን ሕግን እውን ኣብ ሓቂ እንተድኣ ዘይቆመን ኣብ ፍትሒ እንተድኣ ዘይተሓንጸን ብፍቅርን ሓልዮትን ሕያውነትን ምሉእ ኣብ ነጻነት ዝቖመ እንተዘይኰነ ቃል ኰይኑ እዩ ዝተርፍ

እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ሰብኣዊ ጉዕዞ ምምስራቕ

ቅድም ቀዳድም ማእከላውነት ሰብኣዊ ፍጥረት፡ ናይ ዘይግሃስ መሰልን ክብርን በዓል ቤት ምዃኑ ግዴታ እውን ከምዘለዎ ኣፍልጦ ምሃብ። ብካልኣይ ደረጃ ናይ ሓባር ጥቕሚ፡ ኣብ ኵለ መዳይን ኣበይን መዓስን ናይ ምንዳይ፡ ናይ ፖለቲካዊ ማሕበረሰብ ግብረ ገባዊ መሰረት ንሱ ኸኣ ኣመክንዮን ዘለዉ ሓይልን ነቲ ናይ እምነት ብሩህ ኣመክንዮ ኣፍልጦ ምሃብን ነዚ ክሳብ ኣብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ምትርጓምን ዝብሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ጉዕዞኡ ንምምስራቕ ዘድልዩ ቀንዲ ነጥብታት ምዃኖም ዮሓንስ መበል 23 ሰላም ኣብ ምድሪ ብእተሰምየት ዓዋዲት መልኽቲ ኣቢሎም ብምዝኽኻር ንዅሎም ኣብ ማሕበራዊ ሕይወትን ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ምርግጋጽ ዝዓዩ ኣካላት ክስዕብዎ ዝግብኦም መገዲ ምዃኑ የተሓሳስቡ።








All the contents on this site are copyrighted ©.