2018-04-09 17:56:00

ህርመት ልቢ እግዚብሔር ምሕረት እዩ! ር.ሊ.ጳ


ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ትማሊ ዳግማይ ትንሣኤ እንከትብዕል ብ2000 ዓምፈ ብኣዋጅ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝጸደቀ መዓልቲ መለኮታዊ ምሕረት እውን ማዕረ ማዕረኡ ብጸሎት ታስዕትን ኑዛዜን ተሰንዩ ንብዙሓት ናይ ጸጋን መለኮታዊ ምሕረትን ምንጪ ኮይኑ ውዒሉ፣

ከምዝዝከር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ በትረ ሥልጣን ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ዝሕዙላ ዕለት ብዛዕባ መለኮታዊ ምሕረት ኣምላኽ ደጋጊሞም ዘስተምሃሩን ፍሉይ ኢየቤል ዓመት ምሕረት ከምዝኣወጁን ኣብቲ ዓመት እቲ ንምሕረት ኣምላኽ ገደም ምእንቲ ከይከውን ነቲ ንር.ሊ.ጳ በይኖም ተሓዚኡ ንዝነበረ ፍትሓት ገገሊኡ ሓጢኣትውን ብተራ ካህናት ንክወሃብ ሓዋርያት ወይ ልኡካን ምሕረት ብዝብል ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ካህናት ፍሉይ ሥልጣን ከምዝሃብዎምን ነዚ ሥልጣን እዚ ድሕሪ ምዝዛም ዓመት ምሕረት ኢዮቤል እውን ክቅጽልዎ ወሲኖም ነሮም፣ ኣብዚ ሎሚ ዓመት ዝበዓል ዕለት መለኮታዊ ምሕረት ከኣ ንኩሎም ልኡካን ምሕረት ካህናት ኣብ ሮማ ብምዕዳም ነቲ ዕለት ብሓባር ድሕሪ ምብዓል ክሳብ ዕለት 11 ሚያዝያ 2018 ዓም ዝጸንሕ ጉባኤ ከካይዱ ኣብ ሮማ ይርከቡ፣

ነዚ ኩሉ ደማሚሩ ትማሊ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝዓረገ መሥዋዕተ ቅዳሴን ጸሎት ተፈስሒ ኦ ንግሥተሰማይን ኣብኡ ዝተገብረ ምሕጽንታን ፍሉይ ሚዛን ነርዎ፣

ንዕለቱ ዝተነበ ካብ ወንጌል ዮሓንስ ምዕራፍ ዕስራ ዝተወስደ ኮይኑ ድሕሪ ሾመንተ መዓልቲ ኢየሱስ ማዕጾ ብሽጉሩ ኣብ መንጎ ሓዋርያት ደበኽ ኢሉ ሰላም ንዓኹም እንክብሎምን እቲ ዝተሸንከረ ኣእዳው እንተዘይርእየ ኣብ ዝተወግአ ጐድኑ ኢደይ እንተዘይመሊሰ ኣይኣምንን ዝብል ዝነበረ ቶማስ እውን ኣብ ማእከሎም ከምዝነበረ እሞ ምስ ረኣየ ጐይታይን ኣምላኸይን ኢሉ ከምዝሰገደ ኢየሱስ ከኣ ቶማስ ስለዝረኣኻ ኣሚንካ እቶም ከይረኣዩ ዚኣምኑ ግን ብፁዓን እዮም ከምዝበሎን ዝገልጽ ነበረ፣ ቅዱስነቶም ነዚ መበገሲ ብምግባር ኣብታ ምርኣይ ትብል ቃል ብምትኳር ‘ሓዋርያት ንኢየሱስ ምስ ረኣይዎ ብጣዕሚ ደስ ኢልዎም` (ዮሓ 20.20) ይብል እሞ ንቅዱስ ቶማስ ከኣ ‘ንጐይታ እምበር ርኢናዮ’ (25) ይብልዎ፣ እዚ ምርኣይ እዚ ከመይ ከምዝኾነን እቲ ካብ ሙታን ተፈልዩ ካብ ሞት ዝተንሥኤ ጐይታ እንታይ ከምዝመስልን ኣይገልጽን፣ ኮይኑ ግን ኣብ ፍቅዲ ዕስራ ኣእዳውን ጐድኑን ኣርኣዮም ይብል፣ እዚ ዝገልጸልና እንተልይዎ ሓዋርያት ናይ ኢየሱስ መለለዪ ገሮም ዝወሰድዎ ኣቊሳሉ ምዃኑ እዩ፣ ንቅዱስ ቶማስ ዘጋጠመ ጸገም እውን እዚ ነበረ ኣብ ኣእዳው ጐይታ ዝነበረ ኣቊሳል ክርኢ ሃረር ኢሉ፣ ምስ ረኣዮ ከኣ ኣሚኑ ይብለና ኣብ ፍቅዲ 27.

ሽሕኳ እዚ ዘይምእማኑ ከም ጸገም ዝረኤ እንተኾነ ንሕና ግን ስለ እቲ ምጥርጣሩ ንቅዱስ ቶማስ ክነመስግኖ ኣሎና፣ ብኸመይ እንተኢልኩም ካልኦት ብዝነገርዎ ኢየሱስ ሕያው ከምዝኾነ ክዓግብ ኣይከኣለን ብደገ ርእዩ ጥራይ ክኣምን እውን ኣይደለየን ኣእዳው ኣብ ጐድኑ ክመልስ ክትንክፎ ነቲ ናይ ፍቅሪ ምልክት ዝኾነ ኣቊሳል ጐይታ ብኢዱ ክትንክፎ ደልዩ፣ ወንጌል ንቅዱስ ቶማስ ካልኣይ ሽም ይወስኸሉ ኣብ ፍቅዲ 24 ዲዲሞስ ይብሎ ትርጉሙ ከኣ ማንታ ማለት እንክኸውን  ብሓቂ ማንታ ሓውና እዩ ክንብል ንኽእል፣ ምኽንያቱ ከኣ ንዓናውን ብእተነገርናዮ ጥራይ ክንኣምን ካባና ኣመና ብዝረሓቀ ኣምላኽ ክንኣምን የጸግመና እዩ ልብና ኣይመልእን ዚኣክል እውን ኣይቅስቅሰናን፣ ከምቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ንሕናውን ክንርኢ ክንትንክፍ ንደሊ ከመይ ንዓናን ምእንታናን እዩ ካብ ሞት ተንሲኡ፣ እሞኸ ደኣ ከመይ ገቢርና ንርእዮ! ልክዕ ከምቲ ሓዋርያት ዝገበርዎ በቊሳሉ ኢና እንርእዮ፣ ሓዋርያት ነቊሳሉ ብምርኣይ ፍቅሩ ዋዛ ከምዘይነበረን ክንዮ ክሕደቶምን ጥልመቶምን ከምዘፍቀሮምን ከምዝመሓሮምን ተረዲኦም፣ ነቲ ካብ ልቡ ዝፍልፍል መጠን ኣልቦ ፍቅሩ ንምስትንታንከስ ናብ ኣቊሳሉ ንእቶ፣ እታ ንጐይታ ክንርእየላ እንኽእል እንኮ መንገዲ እዚኣ እያ፣ ህርመት ልቡ ንዓይን ንዓኹምን ንነፍስወከፍና ከምዝኾነ ንረዳእ፣ ዝተፈቶኹም ኣሕዋትን ኣሓትን ክርስትያን ኢና ኢልና ክንዛረብን ብዛዕባ ብዙሕ ጽቡቅ ነገራትን ለለይ ክንብል ንኽእል እንተኾነ ከም ሓዋርያት መጠን ንፍቅሩ እናተንከፍና ንኢየሱስ ክንርኢ ክንክእል ኣሎና፣ ከምዚ ብምግባርና ጥራሕ እዩ ከም ሓዋርያት ኣብ ሕመረት እምነትና ብምኻድ ሰላምን ሓጐስን ክንረክብ እንኽእል፣ እዚ ከኣ ክንዮ ምጥርጣር ዓቢ ሓይሊ ይህበና፣

ቅዱስ ቶማስ ኣቊሳል ጐይታ ምስ ረኣየ ‘ጐይታይን ኣምላኸይን’ ኢሉ ጨርሔ (28) ኣብቲ ቅዱስ ቶማስ ናተይ ዝብለ ቃል ማለት ጐይታ ናተይ ኣምላኽ ናተይ ክነስተንትን እዕድመኩም፣ ናብ ኣምላኽ ገጹ እንከቅንዕን ንኣምላኽ ናተይ እንክትብልን ክብድ ይብል ከመይ ቢሉ እግዚብሔር ናተይ ክኸውን ይኽእል! ከመይ ቢለ ነቲ ከሃሌ ኩሉ ናተይ ጥራይ ክብል ዝኽእል! ከም ሓቁ እንተኾይኑ ንእግዚኣብሔር ናተይ ክንብል እንከሎና ንምሕረቱ ኢና እነኽብር እምበር ኣይነሕስሮን ምኽንያቱ ከኣ ንሱ ብምሕረቱ ናትና ክኸውን ደልዩ፣ ከም ሓደ ናይ ፍቅሪ ዛንታ ከም እነዘንቱ ንስኻ ስለይ ክትብል ሰብ ኮንካ ምእንታይ ሞትካ ካብ ሞትከኣ ተንሣእካ ስለዚኸስ ኣምላኽ ጥራይ ዘይኮንካ ኣምላኸይ ናተይ ኣምላኽ ናተይ ሕይወት ኢኻ፣ ኣባኻ ነቲ ሃሰስ ዝብሎ ዝነበርኩ ፍቅሪ ፈጺመ ክግምቶ ብዘይክእል መንገዲ ረኺበ’ ከም እንብሎ እዩ፣

እግዚብሔር ናትና ክኸውን ኣይስከፍን ከመይ ፍቅሪ ኩሉ ግዜ ተኣማንነትን ምሕረትን እምነትን ስለዝሓትት፣ ነዚ ከኣ ኣብ ኦሪት ኣብቲ ምጅማር ዓሰርተ ትእዛዛት ‘ኣነ ጐይታ እየ ናትካ ኣማልኽ ከኣ እየ’ (ዘጸ 20.2) ይብል እሞ ኣብ ቊጽሪ 5 ‘ኣነ ጐይታ ናትካ ኣምላኽ ቀናእ ኣምላኽ እየ’ ይብል፣  እዚ እዩ እምበኣር ናይቲ ቀናእ ኣፍቃሪ ዝኾነ ኣምላኽ ውዑል እዚ እዩ ከም ናትካ ኣምላኽ ይቀርብ፣ ካብቲ ብኩሉ ኩሉ ተነቃኒቁ ዝነበረ ልቢ ቶማስ ከኣ `ጐይታይን ኣምላኸይን’ ዝብል ቃላት ይውሕዝ፣ ሎሚ ከም ሎሚ ከምቲ ናይ ቅዱስ ቶማስ ኣቊሳል ኣእዳው ብምትንካፍን ኣጻብዕትኻ ኣብ ዝተወግኤ ጎድኑ ብምምላስን ኣብ ምስጢር እግዚአብሔር ክንኣቱ እንከሎና ምሕረት ትብል ቃል ከም መግለጺ ስም እግዚብሔር ዘይኮነትስ ህርመት ልቡ ምዃና ንግንዘብ፣ በዚ ከኣ ከም ቅዱስ ቶማስ ዘይርግጻት ኣርድእቲ ኰና ኣይንነብርን እንታይ ደኣ ከምቲ ንሱ ዝገብሮ ብተወፋይነትን ብጽንዓትን ናባኡ ንቀርብ እሞ ብሓቀኛ ፍቅሪ ኣምላኽ ንመልእ፣ እዛ ቃል እዚኣ ክተፍርሃና የብላን! ብሓቀኛ ፍቅሪ ኣምላኽ ዝተመላእካ ምዃን! ጥዑም እዩ፣

እሞኸ ደኣ ነዚ ፍቅሪ እዚ ከመይ ገቢርና ነስተማቅሮ! ሎሚ ከም ሎሚ ንምሕረት ኢየሱስ ከመይ ገርና ብኢድና ንተንክፎ! እዙይ ከመይ ቢልካ ከምዝግበር ወንጌል ዮሓንስ 20.19 ‘በታ መጀመርያ መዓልቲ ናይቲ ሰሙን ምድሪ ምስ መሰየ ኣርድእቱ ንኣይሁድ ብምፍራሆም መዓጹ ተሸጒሩ ከሎ ኢየሱስ መጺኡ ኣብ ማእከሎም ቆመ ‘ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን’ ከኣ በሎም’ ይብል፣  ኣተሓሒዙ ከኣ ኡፍ በለሎም እሞ መንፈስ ቅዱስ ተቀበሉ ክብል ንሕድገት ሓጢኣት መንፈስ ቅዱስ ይዕድሎም፣ ነዚ ዓቢ ፍቅሪ እዚ ንምስትምቃር ከስ መጀመርያ በዚ ምሕላፍ የድሊ ንክምሕረካ ፍቃደኛ ምዃን! ክትመሓር ፍቃደኛ ምዃን ትብል ሓረግ ሕይል ዝበለት ስለዝኾነት ንሕልናይን ንነፍሲወከፍኩምን ክሓትት ኣፍቅዱለይ ንክንመሓር ፍቃደኛታት ዲና! ነፍቅዶ! ስለዚኸስ ነዚ ፍቅሪዚ ንምስትምቃር ካብዚ ንጀምር ንሕልናና ከኣ ንክመሓር ፍቃደኛ ድየ አፍቅድ ድየ! ምናልባት ገሊኹም ሓቅኹም ኮይኑ ግን ኣባቴ ክትናዘዝ ምኻድ ብጣዕሚ ከቢድ እዩ` ክትብሉኒ ትኽእሉ፣ ኮይኑ ግን ኣብ ቅድሚ እግዚብሔር እታ ክንገብራ ዘሎና እንኮ ነገር ከምቲ ሓዋርያት ዝገበርዎ እዩ፣ መዓጹ ሸጒርካ ኣብ ገዛኻ ምዃን የድሊ፣ ንሶም ፈሪሆም እዮም ገሮሞ ንሕናውን ዓቢ ፍርሃት ናይ መዓጹኻ ምኽፋትን ሓጢኣትካ ምንዛዝን ሕፍረት ይውሕጠና፣ ነዚ ሕፍረት እዚ ክህበናን ትርጉሙ ከረደኣናን ንእግዚብሔርሔር ንለምኖ ሽሕኳ ከም ዕጽው ማዕጾ እንርእያ እንተኾና ምስ ጐይታ ንክትራኸብ ግን ቀዳመይቲ ስጉምቲ እዚኣ እያ፣ በቲ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ሕፍረት እንክስመዓካ፣ ነዚ ከኣ ክነመስግን ኣሎና፣ እዚ ዘረደኣና ንሕማቅ ነገር ንሓጢኣት ፈቲና ከምዘይንቅበሎ የመልክት እዚ ከኣ ጽቡቅ እዩ፣ ሕፍረት ንክፉእ ነገራት ንክተሸንፍ ነፍስና እግዚአብ ከምዘድልያ እተመልክት ቀዳመይቲ ጻውዒት እያ፣ እቲ ዝዓበየ ጸገም ምንም ሕፍረት ኣብ ዘይስመዓና ግዜ እዩ፣ ሕፍረት ከፍርሃና የብሉን፣ ካብ ሕፍረት ናብ ምሕረት ንሰጋገር፣ ሃየ እምበኣር ካብ ሕፍረት ኣይትፍርሑ፣

ካልእ ዝገደደ ድራማ ዕጽው ማዕጾ ኣሎ እዚ ከኣ ንምሕረት ኣምላኽ ማዕጾ ልብኻ ረጊጥካ ኢድካ ምሃብ እዩ፣ ነዚ ኣብነት ዝኾኑና እቶም ብቀዳምነት ነዚ ዘስተማቀሩ ኣርድእቲ ኢየሱስ ተስፋ ቈሪጾም ካብ ኢየሩሳሌም ንኤማሁስ ገጾም ዝጐዓዙ ዝነበሩ ክልተ ኣርድእቲ ኣብነት እዩ፣ ንሕናስ ነቢይ ይመለና ነሩ! ዝዕወት ይመስለና ነሩ! ሕጂ ግና ኣብቀዔ ኩሉ ፈሺሉ! ዝተለወጠ የለን ንኺድ ናብ ናይ ቀደም ናብራና ኢሎም ኢዶም ዝሃቡ ዓቢ ምሳሌ እዩ፣ ንሕና እውን ከምኡ ክንሓስብ ንኽእል ኢና፣ ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዘ ክርስትያን እየ እንተረኣኹ ግን ኣባይ ዝልወጥ ሓንቲ ነገር የለን፣ ኩሉ ግዜ ሓደ ዓይነት ሓጢኣት እደጋግም ክንብል ንኽእል፣ በዚ ከኣ ተስፋ ቈሪጽና ጉዳይ ምሕረት ንጥንጥኖ፣ ጐይታ ግን ካብ ሓሳርካ ምሕረተይ ኣዚዩ ከምዝዓብዶ ኣይትኣምንንዶ ኢኻ! ጸኒዕካ ደጋጊምካ ምሕረት ናይ ምሕታት ልምዲ ይሃሉኻ ሽዑ መን ከምዝብለጽ ክንርኢ ኢና! ኣብ ርእሲ እዚ ንምሥጢረ ንስሓስ ዝፈልጦ ደኣ ይፈልጦ እዩ ነገሩ እምበር ድሕሪ ንስሓ ከም ቀደሙ ከይተለወጠ ዝተርፍ የለን፣ ምሕረት ኣብ እንቅበለሉ ግዜ ወትሩ ንሕደስ ንተባባዕ ከመይ ወትሩ ብዝበለጸ ከምዝተፈቀርና ኣቦና ሃንጐፋይ ኢሉ ከምዝቅበለናን ከምዝሓቊፈናን ንርዳእ፣ ብከምዚ ተፈቂርና እንከሎና እንደገና ኣብ ሓጢኣት እንክንወድቅ ብዝመረረ ጣዕሳ ኢና ክንምለስ ንደሊ፣ ናይዚ ጣዕሳዚ ስቃይ ቀስ ብቀስ ካብ ሓጢኣት ከምእንፍለ ይገብረና፣ በዚ ከኣ ሓይሊ ሕይወትና ምሕረት እግዚብአብሔር ደጋጊምና ምቅባልን ብምሕረትን ኣብ ምሕረትን ንቅድሚት ንግስግስ፣ ሕይወትከስ እዚኣ እያ ብሕፍረትን ኣብ ሕፍረትን ብምሕረትን ኣብ ምሕረትን ትጐዓዝ ሕይወት ክርስትና ከኣ እዚኣ እያ፣

ድሕሪ ሕፍረትን ኢድካ ምሃብን ካልእ እተሸጐረት እኳ ደኣ ዝተረገጠት ማዕጾ ኣላ እዚ ከኣ ማዕጾ ሓጢኣትና እያ፣ ዓቢ ሓጢኣት ምስ ፈጸምና ቅኑዕ እንተኾይነ ዳርጋ ንርእሰይ ክምሕር ኣይደልን ኮይኑ ግን እግዚብሔር ክገብሮ ኣለዎ፣ እዛ ማዕጾ ናይ ሓጢኣት ብወገና ጥራሕ እያ እትርገጥ እምበር ብወገን እግዚብሔር ዘይስበር ማዕጾ ሓጢኣት የለን፣ ከምቲ ወንጌል ዝምህረና ንሱ ኣብ ተረጊጡ ዘሎ መዓጹ ክኣቱ ይፈቱ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝሰማዕናዮ፣ ብኩሉ ኩሉ ተዓጽዩ መውጽኢ መእተዊ ኣብ ዝተሳእነሉ ንሱ ይኣቱ፣ እዚ ከኣ ድንቂ ስራሕ እግዚብሔር እዩ፣ ንሱ ካባና ክፍለ ኣይደልን ንሕና ኢና ንሃድም፣ ኮይኑ ግን ምስ ተናዘዝና ኮይኑ ዘይፈልጥ ተኣምር ይኸውን፣ እቲ ካብ ጐይታ ኣርሒቁና ዝነበር ሓጢኣት ምሳኡ ናይ እንራኸበሉ ቦታ ይኸውን፣ ኣብኡ እቲ ብፍቅሪ ዝቈሰለ እግዚኣብሔር ቊስልታትና ከሕዊ ይመጽእ፣ ነቲ ዘሕዝን ቊስልታትን ከምተን ናቱ ዝኸበራ ቊስልታት ይገብረን፣ ለውጢ ኣሎ እተን ሕሱራት ቊስልታተይ ነተን ክቡራት ቊስልታቱ ይመስላ፣ ከመይ ንሱ መሓሪ ስለዝኾነ ምሕረቱ ከኣ ኣብ ሕስራንና ዘደንቅ ነገር ይገብር፣ ከም ቅዱስ ቶማስከስ ንጐይታና ፈሊጥና ክንክእል ንለምን፣ ነቲ ሓጐስና ዝኾነ ምሕረቱ ክህበናን ኣብዛ መለኮታዊት ምሕረቱ ተስፋና ክንረክብ ንለምኖ፣ እንክብሉ ስብከቶም ምስ ዛዘሙ፣ ካብዚ ስዒቡ ጸሎት ንግሥተሰላም ኣዕሪጎም ቅድሚ መፋነዊ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ንኩሎም ኣብቲ ናይ ዕለቱ ድርብ በዓል ዝተሳተፉ ኣመስጊኖም፣ ከምኡውን ኣብ ዕለተ በዓለ ትንሣኤ ንዘብዕሉ ኩሎም ምሥራቃውያን ኣብያተ ክርስትያን ርሑስ በዓል ድሕሪ ቢሎም ምእንቲ ሶርያ ክጽሊ ሓደራ ብማለት ሓዋርያዊ ቡራኬ ብምሃብ ኣሰናበትዎም፣ 








All the contents on this site are copyrighted ©.