2018-04-06 14:34:00

ዓርቢ ስቅለት መጋቢት 28 2010 ዓ.ም. (4/07/2018) NO CROSS, NO CROWN


ንባባት፡  ኢሳያስ 52፡13-52:12፥ ዕብ 4፡14-16፥ 5፡7-9፥ ዮሓ 18፡1-19፡42

ዓርቢ ስቅለት ዘኪርና አሎና። ፍቕሪ አምላኽ ብስቕለት ሓደ ወዱ ዝተገልጸላ ፍልይቲ ዕለት እያ። ክርስቶስ ነቲ ብነብያት ዝተነግረ ነቲ ባዕሉ ንሰለስተ ዓመት ዘስተምሃሮን አብ ግብሪ ድሕሪ ምንጋሩን ምግባሩን ዘምጽኦ ጉዳይ ድሕነትና አብ ዕለተ ዓርቢ ክትርድኦ ከቢድ ክገልጾ ጽንኩር ብግብሪ ከርእዮ ተረኺቡ፥ ነዚ ዝተዓዘቡ ሰቐልቱ “ለካስ ብሓቂ ወዲ አምላኽ ነሩ እዩ” ክሳብ ዝብሉ ገሪምዎም። መለኮቱ አብቲ ከቢድ ሞት አብ መስቀል ነቶም ክርእዩን ክአምኑን ዝደልዩ ተገሊጽሎም፥ እቶም ብቐትሩ ዝጸልመቶም ግን ዝተዓወቱ መሲልዎም ሞቱ ግን ትንሣኤ አምጺኡ።

ዕለተ ዓርብ እቶም ሕሙማቶም ዘሕወየሎም እቶም እንጌራ ብምብዛሕ ዝመገምቦም፥ እቶም ቃል አምላኽ ዘስምዖም፥ እቶም ብሓቂ ዓቢ ነብይ አተንሲኡልና ዝብሉ ዝነበሩ ብሓባር ስቐሎ ስቐሎ እናበሉ ናይ ሞት ፍርዲ ክእውጁ ዝተሰምዑላ ዕለት እያ፥ እዚ ኸአ አብ አምላኽ ክንአምን ከሎና ንግዳማዊ ነገር ምስ ጠዓመና ጥራሕ ዘይኮነ አብ ጊዜ ጽንኩር እዋን ከይተረፈ ክንጸንዕ ከምዘሎና የዘኻኽረን። ባዕሉ ከምዝበለና “ክኽተለኒ ዝደሊ ዕለት ዕለት መስቀሉ ጸሩ ይስዓበኒ” ኢሉና አሎ።

ዕለተ ዓርብ በቶም ናተይ ዝብሎም ብቐረባ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ሓዋርያት ብዘይ ዮሓንስ ኩሎም ሓዲገሞ ዝሃደሙላ፥ ጴጥሮስ ብዙሕ ጊዜ አብ ክንዲ ኩሎም ኮይኑ “ኩሎም እንተ ከሓዱኻ አነ ጨሪሸ አይክሕደካን እየ ኢሉ ዝነበረ” ግን ሰለስተ ሳዕ አይፈልጦን እናበለ ዓው ኢሉ ዝኸሓደላ፥ ካልኦት ሓዲጎሞ ዝሃደሙሉ ንበይኑ በቶም ጨካናት ወተሃደራት ሮማውያንን መራሕቲ ሃይማኖት ንሞት ዝተፈርደላ ዕለት እያ። ንሕና እውን ንኢየሱስ ክሳዕ ፈተና ጸገም ክሳብ ዘይረኸበና እሙናት ተኸተልቱ ኢና እንተ ኾነ ፈተና ጸገም ምስ ወረደና ንሃድም ንጠልም ንኽሕድ ኢና ስለዚ ከም ጴጥሮስ ክንምለስ ክንሳሕ ከምዘሎና ክንርኢ ይግባእ።

ብ1899 አብ ቦስቶን ክፍሊ ሕቡራት አመሪካ አብ ሕርሻ ቃንጫ ሽኮር ዝሰርሑ ዝነበሩ ጸለምቲ ባራዩ ነቲ ክርስቶስ ዝተቐበሎ ስቓይ ብዕለተ ዓርብ ምስቲ ናቶም ሕይወት እናአስተንተኑ “Were you there when they crucify my Lord O some times it cause me, tremble, tremble were you there when they nailed him to a tree, Were you there when they pierced him in the side? Were you there when the sun refused to shine? were you there when they laid him on a tomb, where you there when he rose from the dead…………” ንጎይታይ ክሰቕልዎ እንከለዎ፥ ክሽንክርዎ እንከለዉ፥ ፀሓይ ክትጽልምት እንከላ፥ አብ መቓብር ከውርድዎ እንከለዉ አብኡዶ ነርካ/ኪ እናበሉ ይዝምሩ ነሮም። ሎሚ አብ ምሉእ አመርካ እዚ መንፈሳዊ መዝሙር ንብዙሓት አብ ሕይወቶም ዝትንክፎም ኮይኑ ብኹሎም አብ ስቕለት ክርስቶስ ዝአምኑ ይዝመር ናይ ብሓቂ ከአ ዕሞቕ ትርጉም ስቕለት ዝሓዘ እዩ። ዕለተ ዓርብ ንነፍስወከፍና ፍሉይ መልእኽቲ ሒዛ እያ እትቐርበና ዘላ ክርስቶስ ምእንታይ ተሰዊዑ ኢልና ሕይወትና ክንቅይር ክነፍቅሮ። ንሱ ፍቕሩ አብ መስቀል አርእዩኒ አነ ኸአ ከርእዮ ይግብአኒ ኢልና ንስሓ ኃጢአትና አቲና ደቂ አምላኽ ክንከውን።

አብ ቀራንዮ ቦታ፡ ንስሓ፥ ቦታ ፍቕሪ፥ ቦታ ሕድገት፥ ቦታ ተሓድሶ ምስ ኢየሱስ ክንውዕል እሞ ክንቅየር ክንሕደስ እዩ ዝድለ ዘሎ። ቤት ትምህርቲ ቀራንዮ ፍሉይ ቤት ትምህርቲ እዩ ንፉዓት ተምሃሮ ኮና ናይ መምህርና ሞት ክንቅበል ሕራይ እንብለላ ስለ ዝኾነት ኩልና ብሓደ ጉዕዞ ብሓደ ሓሳብን መንፈስን ንጉዓዝ።

አብ ዓለም ብኵሉ ዝተፈልጣ ሰለስተ ሃማኖታውያን ምልክታት አለዋ ፍርቂ ወርኂ አብ ምስልምና፥ ሽድሽተ ከዋኽብቲ አብ ጫፍ ተባዕቲ ዝኾና ናይ ዳዊት አብ አይሁድ፥ ንክርስትና ኸአ መስቀል። አብ ምሉእ ዓለም መስቀል ናይ ኩለን አብያት ክርስትና ምልክት እዩ።

አብ ምሉእ ዓለም ኩልና ውዕዉዕ እምነት ይሃልወና አይሃልወን ኵልና መስቀል አብ ክሳድና ንአስር። አብ ሓደ ዝተገብረ መጽናዕቲ መምህራን ንተመሃሮ ብብዝሒ ነየና ከምዝመርጹ ክፈልጢ ኢሎም ዝተፈላለየ አሳእል ኢየሱስ ዘለዎ ካብኡ ክመርጹ ሂቦሞም፥ አብ መጨረሻ ዝተራእየ ዳርጋ ኩሎም ናይ ኢየሱስ ስቕለት ዘለዎ ስእሊ መሪጾም ይብሃል። መስቀል ፍቱው እዩ።

አብ ሃገርና አብ ኩሉ ምልክት መስቀል ንገብር። አብ ጸሎታትና ካህን ደጋጊሙ ብምልክት መስቀል ይባርኽ፥ አብ ገዛውትና ምልክት መስቀል አሎና ንገብር። አብያተ ክርስትያናትና መስቀል አለዎ። አብ ሓፍ ዝበለ አብ ዝርአ አብ ኩሉ ምልክት መስቀል ንገብር። አብ ክዳና ብዙሕ ጊዜ አደታት አብ ግንባረን ምልክት መስቀል ይገብራ። ባህልና ብምልኡ ምስ መስቀል ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ኹሉ ፍቕሪ መስቀል ንምግላጽን አብ ሕይወትና ወላ ሓንቲ ደቒቕ ካብ መስቀል ከይንፍለ ኢልና እንገብሮ እዩ።

መስቀል አብ ቀዳሞት ሮማውያን ዝኸበደን ዝበርትዐ ጭካኔ ደቂ ሰብ ዝርአየሉ ዝነበረ እዩ እሞ ድአ ከመይ ኢሉ እዩ ፍሉይ ምልክት ድሕነት ኮይኑ። ጳውሎስ ሓዋርያ ከም ዘምህረና “ንሕና ግና ነቲ ንአይሁድ ዕንቅፋት፥ ንሕዛብ ከአ ዕሽነት ዝኾነ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና” (1ቆሮ 1፡23) እናበለ ርድኢት መስቀል አበይ ከም ዝምስረት ይነግረና። መስቀል ዘይሃስስ ከም ማግነት ዝስሕብ ኃይሊ አለዎ ምኽንያቱ ክሳብ ክንደይ አምላኽ ከም ዘፍቅረና ስለ ዝገልጽ። “ካብዚ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን” ይብለና ኢየሱስ እውን፥ “ሰብ ካብቲ አብ ክንዲ አዕሩኹ ንሕይወቱ በጃ አኅሊፉ ዚህቦ ዝዓቢ ፍቕሪ የለን” (ዮሓ 15፡13) ይብል።

አብ ቀራንዮ ዝዕዘቡ ዝነበሩ መስቀል ከም ምልክት ስዕረት ገሮም ይርእይዎ ነሮም። ብሓቂ ክንርእዮ እንከሎና ግን መስቀል ምልክት ስዕረት ዘይኮነ ምልክት ዓወት እዩ። እቲ ነቶም ደው ኢሎም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ምልክት ድኽመትን ስዕረትን ኮይኑ ዝርአዮም ዝነበረ ምንጪ ሓይሊ እዩ ነሩ። ምልክት ውርደትን ሕፍረትን ናይ ክብሪ ቦታ ኮይኑ።

ትርጉምን ዕብየትን መስቀል ክንርዳእ እሞ ቦታ መስቀል ቦታ ዓወት ክንፈልጥ፥ ሓይልን ክብርን ክንርኢ ኲኖቲ ጥርሑ ዝጸንሐ መስቀል ርኢና ክንክእል አሎና። መስቀል ንበይኑ፥ ዓርቢ ስቕለት ብዘይ ትንሣኤ፥ ዝህበና ዘይብርሁን ጽልግልግ ዝበለ እምነት እዩ። ጥርሑ ዝጸንሐ መቓብር ብዘይ መስቀል ብኻልእ አዘራርባ ሓንቲ ትርጉም የብሉን ግዳማዊ ተስፋን ጥርሑ ዝኾነ ስምዒት እዩ። አቡነ ፉልተን ሺን ከምዝበልዎ “ሕጊ ክርስቶስ ንጹር እዩ፥ ሕይወት ቃልሲ እዩ፥ አብ ሕይወትና መስቀል እንተ ዘየለ፥ ጥርሑ ዝኾነ መቓብር አይክህሉን እዩ፥ ዓርቢ ስቕለት እንተ ዘየለ ሰንበት ትንሣኤ አይ ክህሉን እዩ” ይብሉ።

አብ ኢየሱስ ብዘይ መስቀል ትንሣኤ ከምዘየሎ አብ ዕለተ ዓርቢ አርእዩና፥ አብ ሕይወትና እውን ከምኡ እዩ መስቀል ዘይብሉ ሕይወት ፍረ ትንሣኤ ከስተማቕር አይክእልን እዩ። ካብ ክርስትና መስቀል እሞ ንውሰዶ ሽዑ ካብኡ ነቲ ቀንዲ ነገር ክነልግስ ኢና። ሎሚ ካብ ቀደም ብዝያዳ ሃይማኖት ዋጋ ዝህልዎ ክቡር ዋጋ እንተለዎ ጥራሕ እዩ። ሰባት ሎሚ ከም ቶማስ አብ ሰንበት ትንሣኤ ዝበሎ “ዝተሸንከረ ኢዱን እግሩን ከምኡ አብቲ ዝተወግአ ጎኑ ኢደይ አብኡ እንተ ዘይአእቶኹ አይአምንን እየ” (ዮሓ 20፡25) ይብሉ። ክአምን ክርኢ አሎኒ ብሃልቲ እዮም ሽዑ ኢየሱስ “አመንቲ እምበር ተጠራጠርቲ አይትኹኑ ይብሎም”።

አብ መስቀል ዝተራእየ ፍቕሪ አብ መስቀል ዝተራእየ ስቓይ አብ ሓደ ዝዓለመ እዩ ንአይን ንአኻትኩምን አብ አምላኽ ቀሪብና እሙናት ደቂ አምላኽ ክንከውን እዩ። ሎሚ አብ ትሕቲ መስቀል ደው ኢልና ክንምሃሮ ዘሎና ነገራት አሎ፡

ፍቕሪ ክነዘውትር፡ አምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ምእንታና ክሳብ አብ መስቀል ከም ዝበጽሕ ገበሮ እዚ ዅል ስለ ዝፍቀረና እዩ። ሕይወትካ ምእንቲ ካልኦት ኢልካ ካብ ምሕላፍ ዝዓቢ ፍቕሪ የሎን፥ እዚ አብ መስቀል ርኢናዮ፥ እምብአር ሎሚ ከምቲ አምላኽ ዘፍቀረና አብ ነነድሕድና ፍቕሪ ክነዘውትር ንሕተት አሎና።
ክንምሕር ክንሓድግ ንሕተት አሎና። ክርስቶስ አብ መስቀል ነቶም ዝሰቕልዎ ምሒሩ ምእንትኦም ንሰማያዊ አብኡ ጸልይሎም። ንሕና እውን ነቶም ዝበደሉና ክንምሕሮም ምእንትኦም ክንጽሊ አሎና። ጸላእትኹም አፍቅሩ ዝብል ትእዛዝ ሎሚ አብ ግብሪ ክነውዕሎ ሕልናና ንርአ እሞ አብ ጉዕዞ ፍቕርን ሕድገትን ንጉዓዝ።
አብ ነነድሕድና ክንተሓጋገዝ ይግባእ። ንማርያም አዲኡ እንሆ ወድኺ ንዮሓንስ እንሃ አደኻ ክብሎም እንከሎ አብ ነነድሕዶም ክተሓጋገዙ አብ ጽቡቕን ሕማቕን ጊዜን አደን ውሉድን ክካወኑ ነጊርዎም። ንአና እውን ሎሚ ድሕነት ሓውናን ሓፍትናን ኩነታቶም ክግድሰና ግድን እዩ። ሓወይ ሓፍተይ በየናይ መገዲ ይጉዓዝ አሎ ኢልና ክንሓትት ይግብአና ሽዑ አብ ድሕነቶም ክንወፍር ኢና።
መስቀል ጸርካ ምኽአል። ነፍስወከፍና እንጾሮ መስቀል አሎና። ባዕልና ዝፈጠርናዮን ብኻልእ ክመጽእ ዝኽእልን መስቀል ነቲ ዝጓነፈና ፈተናን መስቀልን አብ ድሕነት ክንቅይሮ እዩ ዝድለ ዘሎ እምበር መስቀል ከቢዱና ኢልና ክንቅይር አይ ኮነን ድላይ አምላኽ። መስቀለይ ጸረ ክኽእል ሓግዘኒ ክንብል ይግብአና።
ንሞት ንኃጢአት ክንስዕር እዋኑ እዩ። ክርስቶስ ብሞትን ብዝኾነ ነገር አይተሳዕረን እኳ ድአ ንሞት አሸኒፉ ተዓዊቱ። አርድእቱ ስለ ዝኾና ንኹሉ ኃጢአትን ፈተናን አሸኒፍና ክንክእል ሎሚ አብ መስቀል ንጠምት። ከምቲ እስራኤላውያን አብቲ ናይ አስራዚ ስቕለት ተመን ምስርአዩ ዝሓውዩ ዝነበሩ ሎሚ ክንሓዊ ክንቅደስ አብ መስቀል ንጠምት።

ኢየሱስ ሎሚ አብ ጎቦ ቀራንዮ ኮይኑ አብኡ ክንቀርብ ሓዲስ ሕይወት ክንለብስ ምስኡ ክንመውት ይሓተና አሎ። ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ምስኡ ክንመውት እንተ ኸአልና ጥራሕ እዩ። ብርግጽ ጉዕዞ ቀራንዮ እናተዛነኻ ዝኽየድ አይኮነን ደም እናጠዓመካ እዩ። ከምቲ ክርስቶስ ጉዕዞ ሕይወቱ ብዓወት ብግርማ ዝዛዘሞ ሎሚ አነ ተተሓሒዘዮ ዘሎኹ ጉዕዞ ሕይወተይ ከመይ ዝበለ እዩ ኢልና ንርአ እሞ ሽዑ ነቲ ጸልማት ኮይኑ ዝርአየና ኲንኡ ብርሃን ክንርኢ ኢና እቲ ከቢድ ዓቐብ ኮይኑና ዘሎ አብ ጎልጎል ክልወጠልና እዩ።

ኢየሱስ ዘይቅይሮ ነገር የለን ሓንትስ ፍቓደኛታት ኮና ንቀበሎ እምበር። አብ አፍደገ ልብና ኮይኑ አብ ሕይወትና ክአቱ ይኵሕኵሕ አሎ ንኸፍቶ ምስኡ ንኹን ሽዑ ጣዕሚ ፍቕሪ ወላዲ ለቢስና ንጉዕዞ ቀራንዮ ሕይወትና ብዓወት ክንዛዝሞ ኢና። አብ መስቀል ምእንታና ዝሞትካ ክርስቶስ ካብ ኃጢአት መትና ምስኻ ክንመውት እሞ ምሳኽ ክንትንሥእ ሓግዘና ንኹሉ ክፍአትና ኃጢአትና ሓንቲ ከየትረፍና ደፊርና ክንሳሕ ሓግዘና ንበሎ።

ቅዱስ ስቕለት ርእስና ገርና አብ ብርሃን ትንሣኤ ከም እንሳተፍ ይግበረና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ

 








All the contents on this site are copyrighted ©.