2018-04-05 15:15:00

ኤል ሳልቫድሮ፡ ኣባ ቫስከዝ ሰማእት ልክዕ ከም ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ


ብላቲን ስርዓት ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ዝተብዓለሉን ናብ ትንሳኤ ዘሰጋግር ጸሎት ሳልት ፋሲካ ሕማማት ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዝተጀመረሉ ዕለት ኣብ ኤል ሳልቫዶር ልክዕ ከም ብፁዕ ኣቡነ ሰማዕት ሮመሮ ናይ ደም ሰማዕትነት ናይ ዝተቐበሉ ኣባ ዋልተር ኦስሚን ቫስከዝ ሎሚ ዕለት 5 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብፁዕ ኣቡነ ዊሊያም ኤርነስቶ ኢራሀታ ሪቨራ ብዝሰርዕዎ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ስሮዓት ቀብሪ ከማተፈጸመ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ኣባ ዋልተር ኦስሚን ቫስከስ ዕለት 29 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ጸሎተ ሓሙስ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይ መወዳእታ ድራት ዘእግዚእነ ንኸዕርጉ ናብ ሓንቲ ቝሸት እናኸዱ እንከለዉ ዝተቐትሉ ምዃኖም ክንገር እንከሎ፡ ናይ ሰበካ ሳንቲያጎ ደ ማሪያ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኢራሀታ ሪቨራ ኣብ ዘዕረገዎ ናይ ፍትሓት ቅዳሴ ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ ኣብ ቀረባ እዋን ቤተ ክርስቲያን ቅድስና እትእውጀሎም ብፁዕ ኣቡነ ሰማዕት ኦስካር ኣርኑልፎ ሮመሮ ዘኪሮም፡ ምእንቲ እምነት ኣብ ክርስቶስ ሕይወት ንሓደጋ ምቅላዕ ኣብ ሕይወት ክርስትና ልሙድ እዩ ቢሎም ሓይልና ኣብ ክርስቶሳዊ እምነትና እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ኣባ ዋልተር ኦስሚን ቫስከስ 36 ዓመት ዝዕድሜኦም ናይሰበኻ ሳንቲያጎ ደ ማሪያ ካህን ናይ ኡሱሉታን ቁምስና ቆሞስ ከምዝነበሩን፡ መጋቢት 29 ጸሎተ ሓሙስ ኣብ ናይ መወዳእታ ድራርን ስርዓት ቅዋሜ ቅዱስ ቁርባንን ኣብ ሰበኻ ሳንቲያጎ ደ ማሪያ ኣብ ዝተፈጸመ ስርዓት ሊጡርጊያ ተሳቲፎም ዝተቐበልዎ ምስጢረ ክህነት ምስ መላእ ናይታ ሰበኻ ካህናት ብሓባር ሓዲሶም ምስ ኣብቅዑ ስርዓት ጸሎተ ሓሙስ ንምፍጻም ናብ ካልእ ቁምስና እናኸዱ እንከለዉ ከምእተቐትሉ ናይ ሳን ሳልቫዶር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኾሴ ልዉስ ኤስኮባር ኣላስ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።

ታሪኽ ስማዕትነት ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮን ሰማዕትነት ክቡር ኣባ ዋልተር ኦስሚን ቫስከዝ ተመሳሳልነት ዘለዎ ታሪክ ምዃኑ ክምልከት እንከሎ። ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ካህን እንከለዉ ካብ 1974 ክሳብ 1977 ዓ.ም. ናይታ ኣባ ኦስሚን ቫከዝ ካህን ዝዀኑላ ሰበኻ ቁምስና ሳንቲያጎ ደ ማሪያ ቆሞስ ከምዝነበሩን፡ እታ ሰበኻ ኣዚያ ድኻን ብዙሓት ድኻታት ኣብ ዝነብርሉ ከባቢ እትርከብ ክትከውን እንከላ እቲ ናይቲ ሕዝቢ ድኽነትን መከራን ንሰማዕት ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮ ህያው ወንጌል ኰይኑ ሕይወቶም ከምዝለወጦ ባዕሎም ዝምስክርዎ ቃል ከምዝነበረ ኣብ ናይ ታሪኽ ሕይወት ገድል ሮመሮ ምልኩት እዩ። ናይ ብፁዕ ኣቡነ ሮመኖ ሕይወት ንብዙሓት ናይቲ ከባቢ ካህናትን መነኮሳትን ኣባላት ገዳማዊ ሕይወትን ኣስትንፋስ ከምዝዀነ ክንገር እንከሎ፡ ኤል ሳልቫዶር ብዙሓት እምነቶም ክሳብ ሕይወቶም ምውፋይን ወንጌል ብቓልን ሕይወትን ዝምስኩሩላ ሃገር ምዃና ኣብ ኤል ሳልቫዶር ናይ እትርክብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕልታዊ ሕይወት ዝምስክሮ ሓቂ ምዃኑ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የረጋግጽ።








All the contents on this site are copyrighted ©.