2018-04-05 15:10:00

ሓዋርያዊ ምዕዳን Gaudete et Exsultate- ተፈስሁ ወተሃሰዩ


Gaudete et Exsultate- ተፈስሁ ወተሃሰዩ ዘርእስቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ዕለት 9 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ብወግዒ ንንባብ ክበቅዕ ማዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ግረግ ቡርከ ሎሚ ዕለት 5 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተረኺቦም ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።

እዚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ንቕድስና ጽዉዕ ምዃን ዝብል ጸዋዕታ ቅድስና ብሰፊሕ ዘብርህ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንንባብ ንምብቃዕ ዕለት 9 ሚያዝያ 2108 ዓ.ም.  ኣብ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ብፁዕ ኣቡነ ኣንጀሎ ደ ዶናቲስን ጋዜጠይናን ደራስን ጃኒ ቫለንተን ፓውላ ቢኛርዲ ናይ ኢጣሊያ ካቶሊክ ተግባር ኣባል እውን ክሳተፉ ምዃነን ዝሓበሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ቡርከ ኣስዕቦም፥ ተፈስሁ ወተሃሰዩ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቅዱስ ኣቦና ድሕሪ እቲ ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘማእከለ ኣብ 2013 ዓ.ም.  Evangelii Gaudium-ወንጌላዊ ሃሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳንን ብዛዕባ ምስጢረ ተክሊል ዘማእከለ ኣብ 2016 ዓ.ም. Amoris Laetitia-ናይ ፍቕሪ ሓሴት ብዝብል ኣርእስቲ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ስዒቡ ዝተደርሰ ሳልሳይ ሓዋርያዊ ምዕዳን ምዃኑ የዘኻኽሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.