2018-04-04 16:38:00

ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ መምፊስ መስዋዕቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ


ዕለት 4 ሚያዝያ 1968 ዓ.ም. ክቡር መጋቤ ማርቲን ሉተ ኪንግ መራሒ ምንቅስቃስ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣፍሪቃ ኣመሪካውያን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ መምፊስ ዝካየድ ዝነበረ ሰለማዊ ሰልፊ ሰራሕተይናታት ንምግድጋፍ ኣብ ዝተረኽበሉ እዋን ዝተቐተልሉ ዕለት ሎሚ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ኣብ ብዙሓት ሃገራት ተዘኪሩ ከዝወዓለ ክፍለጥ እንከሎ፥ ኣቦኦም ናይ ባፕቲስት ቤተ ክርስቲያን መጋቤ ከምዝነበሩ ዝንገረሎም ኣብቲ እዋን በቲ ኣብ ህንዲ ጋንዲ ዝኽተልዎ ዝነበረ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣዚዮም ብምድናቕ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እንኰ መጋበርያ ነባሪ ሰላም ምዃኑ ተኣሚኖም፡ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እቶም ሰብ ግብረ እከይ ዓው ዓው ዝብልሉን እቶም ቅኑዓትን ሰብ ጽቡቕ ድላይ ሰንቢዶም ርእሶም ኣድኒኖም ብዝነብርሉ ዝነበረ ኩነት ኣዚዮም ተተንኪፎም ሕውነትን ማዕርነትን ምትሕስሳብን መድግጋፍን ክህሉ ኣሚቶም፡ ናብዚ ሰናይ ሓባራዊ ናብራ ዘብጽሕን መንፈስ ክፍኣት ንሓዋሩ ንምውጋድ ከምዝከኣል ተኣሚኖም ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ብምንቕቓሕ ብዘካይድዎ ዝነበረ ጐስጓስ መስዋዕቲ ኰይኖም ዘበገስዎ ከይዲ ሰላም ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ መንበረ ጥበብ ፒዛ ህልዮን ምከራ-ጥበብ (ወግዕን-Praxis) ዘይጐነጻዊ ቃልሲ መምህርን ኣብ ኢጣልያ ናይ ዓለም ሓቆፍ ማእከል ጋንዲ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣቦ መንበር  ፕሮፈሰር ሮኮ ኣልቲየሪ፥  ምስ ቫቲካን ነውስ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት፥ ማርቲን ሉተር ኪንግ ነቢያዊ ተክለ ሰብነት ዝነበሮም እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት እውን ኣይኰነን ካብቶም ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝጥቀሱ ዓበይቲ ኣካላት ዓለም ቀዳምነት ዝወሃቦም። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቶም ብዛዕባ ማዕርነት ኣሕዛብን ጸረ ዓሌታውነትን ጸረ ብሔርተይናነትን ጸረ ውግእን ምርጋፍ ናይ ውግእ ኣጽዋር ዝገልጽዎ ኣምር ብዙሕ እዋን ናይ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ኣበው ውኩስ እዩ ኢሎም።

ኣብ 1964 ዓ.ም. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንማርቲን ሉተር ኪንግ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ይዝከር

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ደቡባዊ ከባቢ ዝነበረ ጸቕጥን ኣድልዎን ዘርአይናነትን ክውገድ ኣብ መወዳእታ ሓምሳታት ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምንቅስቓስ ንኣፍሪቃ ኣመሪካውያን ነጻነትን ማዕርነትን ምሉእ ዜጋውነትን ክረጋገጽን ዝተበገሰን ናይዚ ሕዝባዊ ሰላማዊ ቃልሲ ልሳን ማርቲን ሉተር ኪንግ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ንኽውገድ ዝጠልብ ኣብ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ዝቖመ ሰላማዊ ሰልፊ ብምንቕቓሕ ዘካይድዎ ዝነበረ ጻዕሪ ብሃገረ ቫቲካን እውን ከምእተቓልሔን ከምእተደገፈን ኣብ 1964 ዓ.ም. ባዕሎም ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ መጋቤ ማርቲን ሉተር ኪንግ ተቐቢሎም ኣብ ዘካየድዎ ግላዊ ርክብ ከምዘቓልሕዎ ዝዝከር እዩ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ናይ ሰላም ኖበል ተሸላሚ ንምዃን ዝበቕዐን እዋኑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን እውን ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተበገሰሉ እዋን ከምዝነበረ ፕሮፈሰር ኣልቲየሪ ገሊጾም፡ ቤተ ክርስቲያን ስለ ፍትሕን ሰላምን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያንን ናይ ሓባር ዘተ ብምንቕቓሕን ኣብ ውሳኔ ጉባኤ ካልኣይ ቫቲካን እውን ብምቃልሕ ዘርኣየቶ ቅርበት ንዝሳቐይ ሕዝቢ እቲ ምስ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ምንቅስቃስ ዘራኽባ ናይ ሓባር ረቛሒ ኰይኑ እነሆ እቲ ርክብ ክሳብ እዋንና በጺሑ ኣሎ ኢሎም።

ጳውሎስ ሻድሻይ፡ መስዋዕቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ኣብ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ስቓይ ሱታፌ

ጳውሎስ ሻድሻይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ብምእዋጃ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1968 ዓ.ም. ቀዳማይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ከምዘበገሱን ካብቲ እዋን ጀሚሩ እነሆ በቢ ዓመቱ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰላም መልእኽቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝመሓላለፈሉ ዕለት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ ኢሎም።

ጳውሎስ ሻድሻይ ምስ ማርቲን ሉተር ኪንግ ድሕሪ ዘካየድዎ ርክብ ቁሩብ ኣዋርሕ፥ ሰንበት በዓለ ሆሳዕና ሰለስተ መዓልቲ ድሕሪ ሰማዕትነት ማርቲን ሉተር ኪንግ ምዃኑ እዩ፡ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ነቲ ኣብ ልዕሊ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝተፈጸመ መቕተልቲ ኰኒኖም መስዋዕቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ባኺኑ ከይተርፍ ሓደራ ቢሎም መስዋዕትነቱ ንናይ ኣሕዛብ ምርግጋጽ ማዕርነን ነጻነትን ሰላም ምኽንያት ክኸውን ከምዝጸለዩን፡ ይዅን ደኣ እምበር መቕተልቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ብምቅዋም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተፈላለየ ዓመጽን ግጭትን ዝተመልኦ ኣድማ ከምእተራእየ ኣውን ኣዘኻኺሮም፡ ማርቲን ሊተር ኪንግ ሰማዕትን ምስክርን ዘይጐነጻዊ ቃልሲ እዮም፡ ዘይጐነጻዊ ቃልሲ ናይ ኩሉ መርሖ ክኸውንን ምሉእ ብምሉእ ምርጫ ኰይኑ ክሰፍሕን ክረጋገጽን ጊዜ ይሓትት እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.