2018-04-03 16:13:00

ጸሎት ጉባኤ ኣስተምህሮ ንግስተ ሰማይ ቅዱስ ኣቦና፥ ናይ ክርስትያን ኣገባብ ሕይወት ዝዀነ ሕውነት ናይ ፋሲካ ጸጋ እዩ


ዕለት 2 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም. ሰኑይ ድሕረ ፋሲካ ብላቲን ስርዓት ዝተብዓለ ሰኑይ ዘመልኣክ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቝጸሩ መእናንን መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝእንገደ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮ ካብ መስኮት ሓዋርያዊ መንበሮም ጸሎት ንግስተ ሰማይ ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዝገለስዎ ኣስተንትኖ፥

ማሕበረ ክርስቲያን ናይቲ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣብ ዓለም ቶግ ዘበሎ ተኻፊልካ ምንባርን ዘተን ሕውነትን ናይ ዝብል ዕሴታት ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣጽኒዕም ከምዘተሓሳሰቡ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ጋብሪኤላ ቸራዞ ኣስዒበን፡ 

ትንሳኤ ዘደንጽው ብስራት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ሰኑይ ድሕረ ፋሲካ ብባሕረ ሓሳብ ስርዓት ላቲን ዝተነቡ ቅዱሳት ምንባባት ጠቒሶም፥ ድሕረ ዕለተ ፋሲካ ዝውዕል ሰኑይ ብናይ ላቲን ስርዓት ሰኑይ ዘመልኣክ ተባቢሉ ከምዝጽዋዕን ከምዝበዓልን ገሊጾም፥ እዚ ኸኣ ነተን ብኣለዳ ንኢየሱስ ክደልያ ብእግዚኣብሔር ዝተላእከ መልኣኽ ብዘመሓላልፈለን መልእኽቲ ምኽንያት ናብቲ ዝተቐብረሉ ስፍራ ንኽኻዳ ቀዳማይ ቃል ብስራት ትንሳኤ ዝተበሰራ ምዃነን ዝስትንተነሉ ዕለት እዩ፡ ናይቲ መልኣኽ ህልወት ኣብ ብስራት ትንሳኤ ኢየሱስ፡ ልክዕ እቲ ቃል ስጋ ከምዝኸውን ትስብእት ዘበሰረ መልኣኽ ህልወት እዩ፡ ትስብእትን ትንሳኤን ብመላኣኽ ይብሰር፡ ነዚ ምርዳኡ ዘጸግም ናይ እምነት ሓቂ ዘበሰር ልዑልን ብሉጽን ኣካል ኣድለየ፡

ትንሳኤ ዝኣመሰለ ዓቢይ ዘደንጽው ብስራት ናይ ግድን መልኣኽ ኣድለዮ። ዘደንጽውን ንኽትኣምኖ እውን ዘጸግምን ማንም ትንስ፡ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ ዝብል ቃል ከቃልሕ ጠሩሹ ትንሳኤ ዝብል ቃል ዝደንጽዎ ብምዃኑ ልዑል ኣካል ኣድለየ፡ ማንም ከበስሮ ዘይደፍሮ ሓቂ፡ ዘቃልሕን ዘበስርን ልዕል ኣካል ኣድለየ፡ ድሕሪ እዚ ቀዳማይ ብስራት ትንሳኤ፡ ደቀ መዛሙርቲ ክንቀሳቐሱ ይጅምሩ፡ ‘ጐይታ ብሓቂ ተንሲኡ እዩ! ንስምዖን እኳ ተራእይዎ ክብሉ ኽኣ ጸንሕዎም’ (ሉቃ. 24,34) ይብሉ።

ሎሚ ናይ ክርስቶሳዊ ሕውነት ዓቢይ በዓል እዩ

ሎሚ ሕውነት ኣብ ክርስቶስ ዝበዓለሉ ዕለት እዩ። ቃል ብስራት ትንሳኤ ከንደይ ደስ ዘብልን ዘገርምን እዩ፡ ብሓደ ልዑል ኣካል ዝተበሰረ፡ ብሓይሊ ዝተነግረ። ካብቲ ብስራት ትንሳኤ ሕውነትን ዓወት ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ምግምማዕ ምንጪ ዝዀነ ሓጢኣት ተወልደ። እዛ መዓልቲ’ዚኣ መዓልቲ በዓል እያ፡ ናይ ስድራ ቤት ዕለት እያ፡ ኩሉ ምስ ፍቱዋቱ ዝውዕለላ ዕለት እያ፡

ኢየሱስ ነቲ ኣብ መንጐ ሰባት ዝቖመ ፈላላይ መንደቕ ኣዕነዎ፡ ሓድሽ ናይ ሕውነት መረብ ብምዝርጋሕ ሰላም ኣጽኒዑ። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቀዳሚያን ማሕበረሰብ ክርስቲያን ዝነበረ ኩነት፡ ነቲ ጠሩሹ ዘይፈላልይን ወትሩ ኣብ ሓደ ዝእክብን ዘዋህድን ኢየሱስ ዳግም ምርካብ፡ ብዘይ ሕውነትን ተኻፊልካ ምንባርን እውነተይና ሱታፌ ኰነ ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ምትጋህን ማሕበራዊ ፍትሒ ንምቛምን ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ።

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ዘተን ርክብን ናይ ክርስቲያን ሓላፍነት እዩ

ብዘይ ናይ ሕውነት ጸጋ ብውልቃዊ ረብሓ ዝተኣኻኸበ እኵብነት ውልቃውያን እንተዘይኰይኑ ማሕበረሰብ ክህሉ ዘይሕሰብ እዩ። ፋሲካ ክርስቶስ ሎሚ እውን ቀዳሜ ዜና እዩ፡ ኣብ ዓለም ሓድሽ ኩነት ዘለዓዓለ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ዘተን ርክብን እዩ፡ እዚ ንኽርስቲያን ዓቢይ ሓላፍነት እዩ።

መእንቲ’ዚ እዩ ከኣ ኣብ ግላውነትን ኣብ ጉጅላውነትን ተዓጺና ክንተርፍ ዘይግብኣና፡ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ክንዓዪን ስለ ኣሕዋትን ኣሓትን ክንሓልን። ብፍላይ ስለ እቶም ድኹማትን ዝተናዕቁን ዝተሓርጉን ክንጣበቕን ክንሓልን ዝተጸዋዕና ኢና። ሕውነት ጥራሕ እዩ ነባሪ ሰላም ዘውሕስን ድኽነት ክስዓር ዝገብርን ውጥረትን ውግእን ግጭትን ክውገድ ዝገበርን ምግባረ ብልሽውናን ገበንን ካብ ሱሩ ዝምሕው። እቲ ተንሲኡ እዩ ቢሉ ዘበስር መልኣኽ ሕውነትን ሓድሽ ዘተን ርክብን ስለ ናይ ሓባር ጥቕሚ ሓልዮትን ንኽነብር ይደግፈና።

ከምዝበሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸራዞ ኣስዒበን፥

ሕውነታውነት ናይ ክርስቲያን ሕይወት ኣገባብ (ባህርይ) እዩ

 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከጠቓልሉ፡ ነታ መዓልቲ ሰኑይ ዘመልኣክ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ኣወኪፎም። ማርያም፥

ብኣማላድነታ ኣቢላ፡ ሕውነትን ኣብዚ ዘመነ ፋሲካ ተመክሮ እንገብሮ መንፈስ ሕውነታዊ ሱታፌ ኣገባብን ሕመረት ናይ ተራኻብነትናን ሕይወትና ክኸውን ትደግፍ

ቢሎም ጸሎት ንግስተ ሰማይ ኣዕሪጎም፡ ደጊሞም ርሑስ በዓለ ፋሲካ ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ከምዝሃቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ቫቲካን ነውስ ቸራዞ ኣፍሊጠን።  








All the contents on this site are copyrighted ©.