2018-03-28 16:46:00

ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ፡ ብፁዕ ካርዲናል ሞንሰንግዎ ንመንእስያት፥ ሃገርኩም ካብ ሓሳርን መከራን ንምድሓን ተዋስኡ


መንእሰያት ኪንሻሳ፡ ህልውን መጻእን ሃገርኩም ናትኩም እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ብርዕኡ ርእሳዊ እምንቶ ይሃልዎ፡ ከም ኣባግዕ ርእስኹም ኣድኒንኩም ዝንገረኩም ኵሉ ብፍርሒ እናተቐበልኩም ብዕሽነት ኣትጉሰሱን ሰዓብቲ ካልኦት ኣይትኹኑ፡ ኮንጐ ኣብቲ ወዲቓትሉ ዘላ ዘይምርግጋእ ከይትተርፍ እወታዊ ግደ ኣበርክቱ ዝበሉ ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞንሰንግዎ ፓዚንያ ዕለት 25 መጋቢት 2018 ዓ.ም. ብምኽንያት በዓለ ሆሳዕና ሰበኻዊ መዓልቲ መንስአያት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝለገስዎ ስብከት ከምዝኾነ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ቤተ ክርስቲያን ክትድግፈኵምን ከተሰናድወኩምን ቅርብቲ እያ፡ ንስኻትኩም ግና ቅሩባት ኩኑን ሕይወትኩም ኣብ ኢድኩም ዕተርዋ፡ ናይ ሕይወትኩምን ናይ ሃገርኩምን መጻኢ ዕድል ተሰከምቲ ኵኑ ኣብዚ መዳይ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጐድንኹም ከምእተኸውን እረጋግጸልኩም ከምዝበሉ ዝሓበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ መንግስትን ኣካላት ንሃገረ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ ናብ ውድቀት ይስሕብዋ ስለ ዘለዉ ንኽትነቕፍዎም ኣይተጋገኹምን ይዅን ደኣ እምበር ንስኻትኩም ከ ሃገርኩም ንምትኽኻል እንታይ ትገብሩ ኣለኹም? ኣብ ፖለቲካውን ባህላውን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ሃይማኖታውን መዳይ ተዋሰእቲ ዝዀኑ መንእሰያት ንሃገር የድልዩ እያቶም፡ ሓላፍነት እትሰኩምን ናይ ሃገር መጻኢ ዕድል ዘቕንዑ ንኽትኰኑ ስንድዋት መንእሰያት የድልዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕነቶም ነቲ ኣብ ሃገረ ኮንጐ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ቅልውላው መንቀሊኡ ኩሉ ሓደ ብሓደ ጠቒሶም ናይ ዕለት 31 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም. ስምምዕ ክኽበር ጻውዒት ንምቕራብ ሰላማዊ ሰልፊ ንኽካየድ ዘነቓቕሑ ንኢዶም፡ ሰላማውን ናጻን ደሞክራሲያውን እሙንን ሕዝባዊ ምራጫ ክካየድድ ዝብል ኣብቲ ናይ ስምምዕ ሰነድ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ጠቒሶም ንሃገራዊ ዕርቂ ዘተባብዕ ሕዝባዊ ምርጫ ንኽካየድ ጻውዒት ኣቕሪቦም መጋበርያ ሰላም ኩኑ እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.